እዞም ናይጀሪያዊያን ኣብ ሊቢያ ዝተከርደኑ፡ ካብ ሊቢያ ናብ ኣውሮጳ ባሕሪ ክሰግሩ ክብሉ ብ ዕጡቓትን ሓለውቲ ባሕሪ ሊብያ ምስተኸልከሉ እዮም።
መንግስቲ ናይጀሪያ ከምዘፍለጦ፡ እቲ ብነፈርቲ ገይርካ ነዞም ናይጀሪያዊያን ናብ ዓዶም ምምልላስ ክሳብ እቲ ዝድለ ክቕጽል እዩ፡፣
ናይ ናጀሪያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ Geoffrey Onyema ከምዝገለጾ ኣስታት 5,500 ናይጀሪያዊያን ናብ ዓዶም ብነፋሪት ክምለሱ እዮም።
“ገሊኣቶም ኣብ ካምቦታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ዘለዉ እዮም፡ ገሊኦም ካብ ማዓስከራት ወሻኢ ዘለዉ እዮም። ገሊኦም ግና ካብቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ወጻኢ ዘሎ ቦታታት እዮም ዘለዉ።”
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ ዕለት 5 ጥሪ 2018 ካብ ሊብያ ዝተበገሰት መርከብ ማዕበል ስለ ዝበርታዓ ክትጥሕል ምስ ጀመረት ሓገዝ ሓቲታ ። ክሳብ ሓገዝ ዝሞጹዋ ስለ ዝተገምጠለት ግና 8 ሰባት ክሞቱ እንከሎዉ 50 ሰባት ድማ ሃለዋቶም ኣይተረኸበን 85 ድማ ብሂወት ከምዝደሓኑ Africa express ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

