ከይትግለል ፍርሒ ስለዘሕደረት ናይ ብሓቂ ስማ ከይንጥቀም ዝሓተት ኣብ ከተማ መልበርን ዝመደበራ ተሓጋጋዚት/ወሃብ ደገፍ ሰራሕተኛ/social worker ሱኒታ፡ ምስ’ቶም መብዛሕትኡ ግዜ ተስፋ ዘቑርጽ ከቢድ ኩነታት ናብራ ዘሕልፉ ሓደስቲ መጻእትን ሓተትቲ ዑቕባን ትሰርሕ።
“ስለ’ዚ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ኣብ ምእላይ፡ ጸገማት ሰባት፡ እዚታት ኣዝየ ከምዝጭነቕ ይገብረኒ፡ ብዓይኒ ስምዒት ብጣዕሚ በዚሑኒ ኔሩ፡ - በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ’የ ሚዛን ናይ ስራሕ ህይወተይን ውልቃዊ ህይወተይ ከመዓራሪ ደገ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና የድልየኒ’ዩ ኢለ ዝሓሰብኩ።”
እቲ ናታ መጠን ጭንቀት ንህይወታ እናዓብለሎ ይኸይድ ከምዘሎ ምስ ኣለለየቶ ሱኒታ ብዛዕብኡ ገለ ነገር ክትገብር ወሲና። ንሳ ካብ ማሕበር ቢዮንድብሉ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክትረክብ ካብ እትጅምር ዝያዳ ትስፉውነት ይስመዓ’ሎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ሶሻል ዎርክ ስርሓን ምእላይ ስድራኣን ዶክተረይት/ፒኤችዲ ክትመሃር’ውን ጀሚራ’ላ።
“ኣብ’ቲ መኣዲ ብዙሕ ነገር’ዩ ዘሎ- ብእ’ኡ ምኽንያት’የ ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ መፍትሒ ክህበኒ ዘይተጸበኹ። ኣወንታዊ ዝኾነ ሃዋህው ይጽበ፡ ገለ ኣወንታዊ ርእይቶታት፡ ገለ ኣወንታዊ ምኽሪ ካብ’ታ ኣማኻሪ/ካውንስለር። ድሕሪኡ ናብ ቢዮንድብሉ ከይደ፡ ነቲ ሜላ/ስትራተጂ ጥራይ እንተተኸቲልካ፡ ነቲ ምኽሪ፡ ነቲ ተፈልዮ ዘሎ ኣንፈት ናይ ህይወትካ ብርግጽ ክትኣልዮ ወይ ከተመሓድሮ ትኽእል ኢኻ።”
ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምግጣም ሱኒታ በይና ኣይኮነትን። ሓደ ካብ ሓሙሽተ ኣውስትራልያውያን ነብሲ ወከፍ ዓመት ብሕማም ናይ ኣእምሮ ይጥቅዑ። እቲ ብብዝሒ ዝርአ ጸገም ናይ ኣእምሮ ሻቕሎት/ኣንዛይቲ’ዩ፡ ድሕሪኡ ከኣ ጭንቀት/ዲፕረሽን። ዶክተር ስቴፈን ካርቦነ ኣብ ቢዮንድብሉ መራሒ ገምጋምን መጽናዕትን’ዩ። ንሱ እቲ ቁልፊ ዝኾነ ኣመልካቲ ሕማም ኣእምሮ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ።
“ነብሲ ወከፍ ጸገም ናይ ገዛእ ርእሳ ምልክታት ኣለዋ፡ ግን ርኡይ ለውጢን ምቕናስን ኣብ ዓቕሚ/ክእለት ሓደ ሰብ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ምዕዛብ፡ ንጹር ምልክት ከይዶም ክርኣዩ ወይ ከኣ ከም ተኽእሎ ሕክምናዊ ምክትታል ክረኽቡ ከምዘለዎም’ዩ።”
ዶክተር ካርቦነ ጸገም ጥዕና ናይ ኣእምሮ ክይህልወኩም ንምርግጋጽ ፈለማ ምስ ናይ ገዛ ሓኪም/ዶክተር ጂፒ ክትዘራረቡ ወይ ክርእይኹም ይመክር።
“እቲ ናቶም ጂፒ/ሓኪም ቤተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕብኡ ዝያዳ ንኽትፈልጥን መርመራ ክግበረልካን ቀዳማይ መጸዋዕታ ተቕርበሉ መበገሲ ቦታ’ዩ፡ ድሕሪኡ ናብ ካልእ ማለት ክኢላ ስነኣእምሮ/ሳኮሎጂስት ወይ ካልእ ክኢላ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ምናልባት መመሓላለፊ ትረኽበሉ’ዩ።”
ኣብ ቢዮንድብሉ ምስ ብባህልን ቋንቋን ፍሉያት ተባሂሎም ዝምደቡ ሰባት ትሰርሕ ሃይፋ ካሳማኒ፡ ምስጢራውነት/ምትእምማን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዓቢይ ስክፍታ ናይ’ቶም ካብ ሕብረባህላዊ ድሕረባይታ ዝመጹ ሰባት’ዩ።
“ገለ ስድራቤታት ብዛዕብኡ ይሻቐሉ’ዮም። ፍርሒ ናይ ሰበስልጣን ኣለዎም፡ ምናልባት እዚ ፍርሒ ዝምንጩ ካብ ገለ ተሞክሮ ኣብ ዓዶም ዘጋጥሞም ይኸውን። ጸገም ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና እንተጋጢምዎም፡ ስድራቤቶም ከይስእንዎም ወይ ከይፈላለዩ ክፈርሑ ይኽእሉ’ዮም።”
ብሕጊ ኣብ ሕግምና ዝተዋፈሩ ሞያተኛታትን ኣስተርጎምትን እቲ ንስኹም ትዛረብዎ/ትብልዎ ብምስጢር ክዕቅብዎ ይጥለቡ’ዮም። ጠርጠራታት እንተሃልይኩም ኣብ’ቲ ቀዳማይ ርክብኩም ምስ’ቲ ክኢላ ጥዕና ኩሉ ግዜ ክትዘራረብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣእምሮኣዊ ኩነታት ናይ ሓደ ሰብ ምግላጽ ንብዙሓት ኣዝዩ ኣብ ውልቃዊ ስምዒት ዘእቱን በዳሂን እንተኾነ ዶክተር ካርቦነ ሓካይም ነቶም ዝሕክምዎም ደገፍ ክህብዎም ደኣምበር ክፈርድዎም ኣይኮኑን ኣብ’ኡ ዘለው ይብል።
“ካብ’ቶም ካልኦት ንላዕሊ ዝያዳ ኣብ ገለ ማሕበረሰባት/ኮሚኒቲታት ሕማም ኣእምሮ ገለ ምስ ከይብሉኒ ወይ ሕፍረት ዝተተሓሓዘ ነገር ክህልዎ ይኽእል’ዩ። ንሕና ንሰባት ከነረጋግጸሎም ንደሊ ክኢላታት ጥዕና/ሞያተኛታት ክፈርድዎም ኣይኮኑን፡ ልክዕ ከም’ቶም ካልኦት ጸገማት ናይ ጥዕና እዚኦም’ውን ከም’ኦም ምዃኖም ይርድኡ’ዮም፡ ክሕሾም፡ ክሓውዩን ናብ ናይ ቀደም ጥዕንኦም ክምለሱን ጥራይ’ዮም ዝፍትኑ ዘለው፡፡ ስለ’ዚ ክትፈርሑ፡ ክትሓፍሩን እምነት ምስጢራውነት ከይጠፍእ ኢልኩም ክትሻቐሉ የብልኩምን።”
ኣማራጺታት ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ከከም’ቲ ዘድልየኩም ዓይነት ዝተፈላለየ ዋጋ ይኽፈሎም።
“ንዜጋታት ኣውስትራልያን ቀወምቲ ነበርትን ስርዓተ መዲኬር ነታ ክንክን ጥዕና ይሽፍነሎም፡ ብመንግስቲ ዝተደጎመ’ዩ፡ ዶክተርኩም ወይ ክኢላ ስነኣእምሮ ክኸውን ይኽእል፡ እቶም ሕክምና ዘድልዮም ከም’ኡ ዓይነት ፈቓድ መንበሪ ወይ ዜግነት ዘይብሎም እንተኾይኖም ካልእ ኣማራጺ ደገፍቲ ማሕበራት ክረኽቡ ከድልዮም’ዩ። ብዙሓት ማእከላት ጥዕና ኮሚኒትን ማሕበራትን ከም በዓል ማእከል መሳለጥያ ንሓተትቲ ዑቕባ/asylum seekers resource centre ኣብ’ቲ ማሕበረሰብ ሓገዝ ንዘድልዮም ሓደስቲ መጻእቲ/ተሰደድቲ ሰባት ግን ከኣ ቀረብ ብሜዲኬር ዝድጎሙ ኣገልግሎታት ዘይብሎም ይሕግዙ።”
እቲ ናይ ቤተሰብ ሓኪምኩም ከመይ ጌርኩም ነጻ ወይ ከኣ ብመንግስቲ ዝድጎም ቀረብ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ክገልጸልኩም ይኽእል፡ ወይ ምስ ሓደ ክኢላ ስነኣእምሮ ወይ ኣማኻሪ ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ 10 ግዜ ክትምርመርሉ ዘኽእለኩም መደብ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ይቕርበልኩም።
“እቶም ጂፒታት/ሓካይም ቤተሰብ ይፈላለዩ’ዮም፡ ገለ ንዝኾነ ዝተመርመርክሞ/ዝተሓከምክሞ ብቐጥታ ንመዲኬር ዘኽፍል ባልክቢል ዝገብሩ ኣለው። ስለ’ዚ ሕሙም ዝኸፍሎ ዋላሓደ የለን፡ እንተዘይኮይኑ ካብ ጁባኹም ትኸፍሉ፡ ዝተረፈ መዲኬር ይሽፍኖ፡ ብተመሳሳሊ ብመንገዲ ሓኪም ኣእምሮ ብሓደ ክኢላ ስነኣእምሮ ክትረኣዩ እንተደሊኹም’ውን ከምኡ።”
ብተወሳኺ ብመንገዲ ትካላት ሓገዝ ላይፍላይን፡ ብዮንድብሉን ማይንድስፖት ክሊኒክን ኣቢልኩም እትረኽብዎም ብኣካል ምርኻብ ዘየድልዮም ስቱራት ኣማራጺታት’ውን ኣለው።
“ኣብ’ዚ እዋን ብዙሓት ብመርበብ ዝወሃቡ መደባት ኦንላይን ጭንቀትን ሻቕሎትን ንዘለዎም ሰባት ዝቐርቡ’ለው፡ ሰባት ብዛዕባ ጭንቀት ወይ ሻቕሎት ከንብቡን ክመሃሩን ዝኽእልሉ፡ ስሩዓት ዝኾኑ መደባት ትምህርቲ ዘለዎም ኣስተምህሮታት/ሞዲዩልስ ወይ ናይ ምኽሪ ክፍለትምህርታት ኦንላይን ባዕሎም ክመሃሩ ይኽእሉ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ሰሙን’ውን ብቴሌፎን ምስ ሓድ ኣማኻሪ ክራኸቡ’ውን ከድልዮም ይኽእል’ዩ።”
ዶክተር ካርቦነ መጠናት ጥዕና ኣእምሮ እተመሓድረሎም ከም በዓል እኹል ድቃስ ምህላው፡ ንጥዕና ዝሕግዝ መግቢ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝኣመሰሉ መንገድታት እንተሃለው’ኳ ክኢላዊ ምኽሪ ምሕታት ሕማም ኣእምሮ ክትስዕር ክሳብ ሕጂ እቲ ዝበለጸ መንገዲ’ዩ።
“እቲ ጭንቀት ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑ፡ እቲ ሻቕሎት’ውን ከምኡ፡ ናይ ሓደ ሰብ ጽባቐ ህይወት፡ መዓልታዊ ናብራን ምስትምቓር ነገራትን የበላሹ እንተሃልዩ፡ ንዕኦም ከይዶም ሞያዊ ምኽሪ ክሓቱ ብሓቂ ዝበለጸ’ዩ፡ ዋላ’ውን ስቱር ኮይኑ ብመንገዲ ቴሌፎን ወይ ሕክምና ዘቕርባ ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ’ውን እንተኾነ። እቲ ውሳነ ሓንሳብ እንተወሲድክሞ ኣብ መንገዲ ሕውየት ኣለኹም ማለት’ዩ።
ተወሳኺ ሓበሬታ:
ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ እንተሃልይኩም ብቑጽሪ ናይ ደገፍ መስመር ቢዮንድብሉ 1300 22 4636 ወይ ላይፍላይን 13 11 14 ኢልኩም ደውሉ።
መርበባት ሓበሬታ beyondblue.org.au ወይ lifeline.org.au ብምብጻሕ ዝያዳ ሓበሬታኦም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ናይ ቋንቋ ደገፍ እንተደሊኹም ብቑጽሪ 131 450 ኢልኩም ፈለማ ደውሉ፡ ድሕሪኡ ነቲ ከተዘራርብዎ ደሊኹም ዘለኹም ማሕበር ትነግርዎም።

