SKIP TO MAIN CONTENT

ንኸሰላ ወሲክካ፣ ኣብ ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ሱዳን ናይ ህጹጽ እዋን ኩነታት ተኣዊጁ።

Umar Al-Bashir
Sudanese president Omar Al-Bashir Source: AAP

1 min read

Published


Skip to article content

ወግዓዊ ወኪል ዜና ሱዳን ብቐዳም ከምዝገለጾ፣ ናይ ሱዳን ፕረሲደንት ኣብ ክልተ ክፍለ ግዝኣታት ኣታ ሃገር ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ኣዊጁ ኣሎ።

ፕረሲደንት ዑመር ኣል በሺር ኣብቲ ምስ ኤርትራ ከምኡውን ምስ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ክፍለ ግዝኣት ከሰላ ከምኡ’ውን ሰሜን ኮርዶፋን’ዩ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ንሽድሽተ ኣዋርሕ ከምዝኣወጀ ወኪል ዜና ሱና ገሊጹ፡፣

 ከሰላ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ትርከብ ምስ ኤርትራ ትዳቦ ክፍለ ግዝኣት’ያ፡፣

ኣብቲ ካብ 2003 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ  ብኩናት ዝሕመስ ከም ዳርፉር ዝበሉን ካልኦት ሸውዓተ ቦታታት ሱዳን ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ድሮ ተኣዊጁ እዩ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ነቲ እቲ ፕረሲደንት ኣዊጅዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ፓርላማ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ከጽድቖ ኣለዎ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now