SKIP TO MAIN CONTENT

ንኽብሪ ኤርምያስ ኣስገዶም ኣብ ደቡብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ 'አደባባይ ኔፕሲ ሃስል' ፈጢርና ኣሎና።

ምምሕዳር ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ብስም መዋቲ ራፐር ኔፕሲ ሃስል ኣብ ደቡብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ንሓደ መስቀላዊ መንገዲ 'አደባባይ ኔፕሲ ሃስል' ኢልና ንምስማይ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዕና ኣለና ክብል ገሊጹ።

Nipsey Hussle family
Source: Twitter

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ምምሕዳር ከተማ ኣብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ጎደናታት ስላውሰንን ክረንሻውን ዝራኸባሉ ቦታ (ኢንተርሰክሽን) 'ኣደባባይ ኔፕሲ ሃስል' ተባሂሉ ብስም'ቲ ኣብዚ ቕንያት ብኽብሪ ዝዝከርን ዝፋነውን ዘሎ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ስነጥበባዊ ቅዲ ራፕ፡ ኣውፋሪ፡ ገባሪ ሰናይን ኣርኣያ መንእሰያትን ኤርምያስ ኣስገዶም ክጽዋዕ ወሲኑ። ኣብ'ቲ ንዝኽሩን ንሬስኡ ንምፍናው ዝተገብረ ስነስርዓት ደቁ፡ ወለዱን ኣሕዋቱን ተረኺቦም ታሪኽ ህይወቱ እናዘከሩ ቃላቶም ኣስሚዖም። ኣብ'ቲ ናይ ስነስርዓት ዝኽሪ ልዕሊ 21000 ሰባት ተረኺቦም።

ኣዲኡ ኣንጀሊክ ስሚዝ ሓያል ዝኾነ ዝኽሪ ወዳን መንፈሳዊ ትርጉም 'ሞት'ን ኣቕሪባ። ሕጽይቱ ሎውረን ላንደን'ውን ብተመሳሳሊ ንዓሚቕ ፍቕሮም ዝገልጽ ዝተለዋወጥዎ መልእኽትታት ብምቕራብ ዓሚቕ ዝኽራ ገሊጻ። ወዶም ክሮስ አስገዶም'ውን ምስኣ ኔሩ። ሓው ሳምኤል ኣስገዶም 'ዓለም ብኣኻ ኮሪዓ'ያ' ክብል ዝተሰመዖ ሓበን ገሊጹ።

ብዙሓት ንኣፍሪቃውያንን ንኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያንን ዘነቓቕሐ ኣርቲስትን ናይ ዝኽሪ ስነስርዓቱን ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ። እቲ ስነስርዓት ብመደበር ቴሌቪዥን ፎክስ11 ብቐጥታ ካብ'ቲ ዝካየደሉ ዝነበረ ስቴፕልስ ሰንተር ተመሓላሊፉ። ፍሉጥ ራፐር ስኑፕ ዶግ ኣብኡ ተረኺቡ ዝኽሩ ሂቡ። ስኑፕ ዶግ ምስ ዘ ገይምን ዶክተር ድረይን ኮይኖም ናይ ክብሪ ደርፊ ክሰርሑሉ'ዮም። ክቡር ሚኒስተር ሉዊስ ፋራካንን ዘ ኔሽን ኦፍ ኢስላምን ኣብ ስፖርታዊ ሜዳ ኩዕሶ ሰኪዔት፡ ስቴፕልስ ሰንተር ንዝኽሩ ሕቋፍ ዕምበባ ኣንቢሮም። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዓብዩ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኮኾብ ተጻዋታይ ጋንታ ኦክላሆማ ሲቲ ታንደር (ኦኬሲ) ዘሎ ራስል ወስትብሩክ ነቲ ኣብ ግጥም ዘመዝገቦ ናይ ብውሑዱ 20/20/20 ውጽኢት ንኒፕሰይ ሃስል ምውፋዩ ሉዊስ ፋራካን ኣመስጊኑ። 

ድሕሪ'ቲ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት ኒፕሰይ ሃስል ኣብ ናይ ብሕቲ ስነስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now