SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ሱዳን ልዕሊ ሰላማዊያን ተቓወምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት 'ነጻ' ምርመራ ክካየድ ናይ ው/ሕ/ሃ ሓላፊት መሰላት ጸዊዓ

ኣብ ሱዳን ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፍታት ፡ ሓደ ቈልዓ ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት ብሓሙስ ተቐቲሎም ፣ ቀንዲ ተሓላቒ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት ድማ ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐተልዎ ቅትለት ናጻ መርመራ ክግበር ተማሕጺና ።

Sudan's protest
Sudan's protest Source: APP

2 min read

Published


Skip to article content

እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት መሰላት ብዓርቢ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ እንተወሓደ ትሽዓተ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም ነጻ ምርመራ ክገብሩ ጸዊዑ ።

 ሚሸል ባቸለት ኣብቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ ቅትለት ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ቀታሊ ነገር ከምዘይጥቀም ዋላ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቈልዓ ዝርከቦም ምቕታሎም "ዘሰምብድ" እዩ ኢላ።

 እቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንጻር ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝወጸን ዘጋጠሞ ናይ ቅትለት ግብረ መልሲ ዛጊት ኣብታ ሃገር ክግበር ካብዝጸንሐ እቲ ዝኸፍአ እዩ።

 እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብጠቕላሊ ሓለቓ ሰራዊት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ  ሰራዊት በትረ መንግስቲ ካብዝቆጻጸር ኣትሒዙ ፡ እቲ ምስ ተቓውሞ ዝተሓሓዝ ቅትለት 113 በጺሑ ኣሎ።

 ባቸለት ፡ ኣብቲ ሓሙስ እተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ "ክሳዕ ሕጂ በዚ ሞት እዚ ተሓታቲ ዝዀነ ሰብ የለን" ኢላ ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ፡ "እቶም ሓይልታት ጸጥታ ፡ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ጠያይት ተጠቒሞም፣ ብዘይካዚ ፡ መድፍዕ ጋዝን ማይን እውን ይጥቀሙ ነበሩ" በለት ።

 ኣስዒባ "ብመሰረት ምንጭታት ሕክምና ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም እተቐትሉ ኣብ ኣፍልብን ርእስን ሕቖን ብጥይት እዮም ተቐቲሎም"

 እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት መሰላት ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ሃገር እንተወሓደ 39 ደቂ ኣንስትዮን "ብዙሓት ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 355 ተቓወምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጻ ።

 "ንሰበ-ስልጣን ሱዳን ክብሎ ዝደሊ፡ ኣድላዪ ኣብዝኾነሉ ጥራይ ሓይሊ ክጥቀም ኣለዎ: እዚውን ምስ ስርዓታት ሕጋውነትን ኣድላይነትን ጥንቃቐን ተመጣጣንን ምሉእ ብምሉእ ኣ ጥራይ ምዃኑ ደጊመ አጕልሕ " በለት ።

 ባቸለት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ሰላማዊ ኣኼባ ናይ ምግባርን መሰል ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝዕቀብ ገሊጻ ።

 "ሰበ-ስልጣን ብመሰረት  ኣህጉራዊ መለክዒታት ፡ ነቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝህብዎ ምላሽ ፡ ብናጻን ግሉጽን ዓሚቝን ብዘይ ኣድልዎ ክምርምሩ እጽውዕ" በለት ።

 "ግዳያት: ካብቲ መዓት ዝወጹን: ከምኡውን ስድራቤቶም ናይ ሓቂ: ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ።"


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now