እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት መሰላት ብዓርቢ ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ እንተወሓደ ትሽዓተ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም ነጻ ምርመራ ክገብሩ ጸዊዑ ።
ሚሸል ባቸለት ኣብቲ ብሓሙስ ዘጋጠመ ቅትለት ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ቀታሊ ነገር ከምዘይጥቀም ዋላ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ቈልዓ ዝርከቦም ምቕታሎም "ዘሰምብድ" እዩ ኢላ።
እቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣንጻር ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝወጸን ዘጋጠሞ ናይ ቅትለት ግብረ መልሲ ዛጊት ኣብታ ሃገር ክግበር ካብዝጸንሐ እቲ ዝኸፍአ እዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ብጠቕላሊ ሓለቓ ሰራዊት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት በትረ መንግስቲ ካብዝቆጻጸር ኣትሒዙ ፡ እቲ ምስ ተቓውሞ ዝተሓሓዝ ቅትለት 113 በጺሑ ኣሎ።
ባቸለት ፡ ኣብቲ ሓሙስ እተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ "ክሳዕ ሕጂ በዚ ሞት እዚ ተሓታቲ ዝዀነ ሰብ የለን" ኢላ ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ፡ "እቶም ሓይልታት ጸጥታ ፡ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ጠያይት ተጠቒሞም፣ ብዘይካዚ ፡ መድፍዕ ጋዝን ማይን እውን ይጥቀሙ ነበሩ" በለት ።
ኣስዒባ "ብመሰረት ምንጭታት ሕክምና ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም እተቐትሉ ኣብ ኣፍልብን ርእስን ሕቖን ብጥይት እዮም ተቐቲሎም"
እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት መሰላት ብተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ሃገር እንተወሓደ 39 ደቂ ኣንስትዮን "ብዙሓት ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 355 ተቓወምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጻ ።
"ንሰበ-ስልጣን ሱዳን ክብሎ ዝደሊ፡ ኣድላዪ ኣብዝኾነሉ ጥራይ ሓይሊ ክጥቀም ኣለዎ: እዚውን ምስ ስርዓታት ሕጋውነትን ኣድላይነትን ጥንቃቐን ተመጣጣንን ምሉእ ብምሉእ ኣ ጥራይ ምዃኑ ደጊመ አጕልሕ " በለት ።
ባቸለት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ሰላማዊ ኣኼባ ናይ ምግባርን መሰል ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ከም ዝዕቀብ ገሊጻ ።
"ሰበ-ስልጣን ብመሰረት ኣህጉራዊ መለክዒታት ፡ ነቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝህብዎ ምላሽ ፡ ብናጻን ግሉጽን ዓሚቝን ብዘይ ኣድልዎ ክምርምሩ እጽውዕ" በለት ።
"ግዳያት: ካብቲ መዓት ዝወጹን: ከምኡውን ስድራቤቶም ናይ ሓቂ: ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም ።"