SKIP TO MAIN CONTENT

ንዑመር ኣልበሺር ኣብ ምዕላው ኣብ ዝተገብረ ስርሒት፡ መሪሕ ተራ ዝነበሮ መራሒ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

News
Source: AAP

1 min read

Published

Updated

Source: BBC


Skip to article content

ሚኒስተር ምክልኻል ዓዋድ ኢብን ኡፍ ኣብ ተለቪዥን ሱዳን ቀሪቡ ንዕኡ ዝትክኦ ለተናን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣብደልራሕማን ቡርሃን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ጀነራል ናብዚ ዉሳነ ክበጽሕ ዝደረኾ፥ ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክእለ  ኣብ ጽርጊያታት ዝወረሐ ህዝቢ ሱዳን፥ ጀነራል ዓዋድ ዘመድ ዑመር ኣልበሺር ብምዃኑ ብእኡ ምምራሕ ማለት ብበሽር ከም ምራሕ እዩ ብምባል ካብ ጽርግያታት ምእላይ ምስ ኣበየ እዩ።

እቲ ንመንግስቲ ሱዳን ናብ ኢዱ ኣእትይዎ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ክልተ ዓመት እቲ ስልጣን ናብ ብህዝቢ  ስልጣን ከምዘረክብ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ  ሕጂ ነዚ መሰጋገሪ መድረኽ ክመርሕ ተሰይሙ ዘሎ ኣልቡርሃን ብሰራዊት ሱዳን ተቐባልነት ዘለዎን ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሱዳን ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጀነራል እዩ።

ነዚ ናይ ምቅይያር መራሕቲ መሰጋገሪ ሱዳን ዝሰምዐ ህዝቢ ሱዳን ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ሓጎሱ ክገልጽ ሓዲሩ።

ጀነራል ኢብን ሓደ ካብቶም ብምጽናት ዐሌት ህዝቢ ዳርፉ ብገበን ኲናት ካብዝድለዩ ሓደ እዩ፣ በዚ ምኽንያት ኣብ ህዝቢ ሱዳን ብዙሕ ተቐባልነት ካብ ዘይብሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት እዩ።

ተቓወቲ ጉጅለታት ሱዳን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ናብ ሓይሊታት ፖለቲካ ክርከብ ይጠልቡ ኣለዉ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now