SKIP TO MAIN CONTENT

ኮሚተ ስልማት ኖቤል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቒፉ፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ናይ’ዚ ዓመት ተሰላሚ ስልማት ሰላም ኖቤልን ኣቢይ ኣሕመድ ዓሊ ቅድሚ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ስነስርዓት ምቕባል ስልማት ኖቤል ጋዜጣዊ መግለጺ ክህብ ብምእባዩ ኮሚተ ስልማት ኖቤል 'ሳሕቲ ጥራይ ዝህቦ' ነቐፌታ ኣውሪድሉ። ዋና ጸሓፊ ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖቤል ኦላቭ ንዮልስታድ ዝሓለፈ ሓሙስ ንሓደ ናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን: ኣቢይ ቀቅድሚ እቲ ስነስርዓት ምዕዳል ኖቤል ምስ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዘይራኸብ ምዃኑ ‘ኣዝዩ ዘይጥዕም ወይ ዘጸገም’ዩ’ ክብል ሓቢሩ። ንሱ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን ነጻ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ወይ መድያን ንሰላም ኣገደስቲ ባእታታት’ዮም ክብል ኣስሚሩ።

Prime Minister Abiy Ahmed unavailable for media engagement at the Nobel Peace Prize ceremony.
Source: BusinessInsider

3 min read

Published


Skip to article content

እቲ ስነስርዓት ምዕዳል ስልማት ኖቤት ኣብ ዋና ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ዝመጽእ ሰሉስ ክካየድ’ዩ። ሓደ ተቐባሊ ስልማት ኖቤል ቅድሚ መዓልቲ ስልማት፡ ሶኑይ፡ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ ብልምዲ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ’ዩ። ኣካየድቲ እቲ ኮሚተ: እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ማዕከናት ዜና ኖርወይን ዓለምን እንተዝራኸብ ደስ ምበለና ኔሩ ኢሎም ገሊጾም። ኦላቭ ንዮልስታድ ዝበዝሑ ተቐበልቲ ስልማት ኖቤል ኣብ’ቶም ዓመታዊ ልሙዳት ወይ ስሩዓት ዝኾኑ ንጥፈታት መስርሕ ስልማት ኖቤል ክሳተፉን ክዋስኡን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት ክምድቡ ጸገም ኣይነበሮምን ኢሉ። ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን ብምኽንያት ‘ህጹጻት ጉዳያት’ ውሽጢ ሃገርን ኣመና ‘ትሕትና’ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣብ’ቲ ብኽፉት ብዙሓት ሕቶታት ክቐርበሉ ዝኽእል መድረኽ ክሳተፍ ኣይክእልን’ዩ ክትብል መልሲ ሂባ። ኦላቭ ንዮልስታድ ግን እዚ መልሲ ቀዳማይ ሚንስተር ንምንታይ ጸገም ዘለዎ ከምዝኾነ ብዙሓት ምኽንያታት ብምቕራብ ንጹር ጌርናዮ ኢና ክብል ሓቢሩ። “ኣነ ከም ዝመስለኒ እቲ ዝወሰዶ ውሳነ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ በዳሂ ኩነታት፡ ምስ እምነቱን ውልቃዊ ትሕትንኡን ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል’ዩ።” ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ብሌነ ስዩም፡ ንኣሶስየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ቀጻሊን ዓቢይን ቆላሕታ ዘድልዮ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግምት የእቲኻ ንሓደ መራሒ ክንድኡ ዝኸውን መዓልታት ‘ነቲ ሰፊሕ ዝኾነ መደብ ስልማት ኖቤል’ ክምድብ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ኢላ። ዶክተር ኣቢይ ግን ምስ’ቲ ኮሚተ ተመኻኺሩ ንልምድታት ኖቤል ክብሪ ንምሃብ ኣብ’ቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ ክፋላት ክሳተፍ’ዩ።

እዚ ተግባር ምሕሳም ንጋዜጣዊ ዋዕላን ሕቶን መልስን ምስ መራኸቢ ብዙሃን ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ 2009 ነቲ ስልማት ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን ብተመሳሳሊ መንገዲ ምስ ጋዜጠኛታት ክራኸብ ኣብዩ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ንደሓር ሳሕቲ’ዩ ቃለመሕትታት ኣካይዱ። ኣፈኝኡ ግን “ሓደ ካብ’ቶም ምስ ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ንምርኻብ ኣዝዩ ቅሩብ ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ዩ።” ክትብል ገሊጻቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እዚ ስልማት ዝተዋህቦ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሰላም ብምግባሩን ንምፍታሕ ፖለቲካውያን እሱራት ወሲኽካ ደሞክራሲያዊ ተሃድሶታት ወይ ምትዕርራያት ኣብ ኢትዮጵያ ብምትእትታውን’ዩ። ኢትዮጵያ ብሄር ተኮር ግጭታትን ናዕብታትን ብቐጻሊ ከጋጥማ ጸኒሑ’ዩ፡ ገለ ወገናት ኣቢይ ኣሕመድ ነዚኦም ዕግርግራት ብቑዕ ዝኾነ ግብረመልሲ ኣይሃበን ክብሉ ከኣ ክነቕፍዎ ቀሲብዎም’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሰሉስ ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ኦስሎ ሰበስልጣን ኖርወይ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን ካልኦት ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ምስጋና መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ቅድሚኡ ግን ናይ 9 ሚልዮን ክሮነር ($945,0000) ጥረ ገንዘብ፡ መዳልያ ወርቅን ምስክር ወረቐት ወይ ከኣ ዲፕሎማን ክቕበል’ዩ። ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ብሕታዊ ስነስርዓት ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኤርና ሶልበርግ ተራኺቡ ስነስርዓት ምርኢት ስልማት ኖቤል ወይ ኤግዚቢሽን ስልማት ኖቤል ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

(ምንጪ፡ ኤንኣርኬ፣ ኤፒ)


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now