ሰሜን ኮርያ ፡ ብሰንበት ሸሞንተ ናይ ሓጺር ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ካብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ ናብ ባሕሪ ተኵሳ። እዚ ዝኾነ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፡ ደቡብ ኮርያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ዝተሳተፋሉ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ልምምድ ምጅማረን እዩ።
እቲ ሚሳይላት ካብ ሱናን ከባቢ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ ፕዮንግያንግ ከም እተተኰሰ ፡ ሓባራዊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ገሊጹ ።
"ሰሜን ኮርያ ፡ ዘይተፈልጠ ባለስቲክ ሚሳይል ናብ ባሕሪ ምብራቕ ከም ዝተኮሰት" ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶል ፡ ሰንበት ንግሆ ንባሕሪ ጃፓን ብምጥቃስ ገሊጹ ።
ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ፡ " ባለስቲክ ሚሳይል (ሚሳይላት) ክኸውን ዝኽእል" ካብ ሰሜን ኮርያ ከም እተወንጨፈ ፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ ገሊጹ ።
ደቡብ ኮርያን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ነቲ USS ሮናልድ ሬገን ዝበሃል 100,000 ቶን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እትሽከም ደርማስ ናይ ውግእ ነፋሪት ዘሳተፈ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐጸለ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዶም ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-የኦል ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ፡ እተን መሻርኽቲ ሃገራት 'ናይ ፈለማ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ "እዩ ነይሩ ፣ ካብ ሕዳር 2017 ኣትሒዙ ድማ ነፈርቲ ውግእ ዘሳተፈ ናይ መጀመርታ ሓባራዊ ስርሒት ኣካዪዶም ።
ፕዮንግያንግ ነቲ ሶልን ዋሽንግተንን ዘካይድኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ፡ ነቲ ስርሒት ከም ልምምድ ንወራር ገይራ ብምጽዋዕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ ።
JCS. ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፡ "እቲ ልምምድ ፡ ነቲ ኣመሪካ ዘለዋ ናይ ምክልኻል መደብ ዘረጋግጽን ዝዀነ ይኹን ሰሜን ኮርያውያን ዘቕርብዎ መጥቃዕቲ ተሪር ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል መደብ እዩ ነይሩ" ኢሉ ።
እቲ መጥቃዕቲ ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ጕዳያት ሰሜን ኮርያ ናይ ኣመሪካ ፡ ፍሉይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ሱንግ ኪም ፡ ብቐዳም ናብ ሶል ዝገበሮ ምብጻሕ እውን እዩ ነይሩ ።
ንሱ ብዓርቢ ምስ ኪም ጉንን ታኪሮ ፉናኮሽን ናይ ደቡብ ኮርያያን ናይ ጃፓናውያን መዘናታቱ ተራኺቡ ኔሩ ። ሰሜን ኮርያ ካብ 2017 ንነጀው ንፈለማ ግዜ ፈተነ ኑክሌር ከተካይድ ትዳሎ ኣብ ዝላትሉ እዋን ፡ "ንዅሉ ተጻብኦ ንምምካት" ንምድላው ምዃኑ ገሊጾም።
ዋሽንግተን ንፕዮንግያንግ ንዲፕሎማሲ ፍታሕ ክፉት ምዃና ብቐጥታ ኣነጺራ እያ ክብል ሚስተር ኪም ክብል ኣብቲ ብሰንበት ናብቲ ዞባ ምብጻሕ ኣብዘጠናቐቐሉ ገሊጹ። ብዛዕባ ንፕዮንግያንግ ዘገድሱ ነገራት ፡ ንኣብነት ብዛዕባ እገዳታት ዝምልከት ክዘራረብ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣገንዚቡ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ባለስቲክ ሚሳይል ብምውንጫፋ ኣብ ልዕሊኣ እገዳታት ክግበር ጸዊዓ ነይራ። ቻይናን ሩስያን ግና ነዚ ሓሳብ "ዚ ብድምጸን ኣውዲቐናኦ እየን። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ፡ ኣብ 2006 ናይ ፈለማ ፈተነ ኑክሌር ምስ ኣካየደት ክቐጽዓ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብዚ ጉዳይ እቲ ዉድብ ተኸፋፊሉ ይርከብ ።
ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ፡ ሰሜን ኮርያ እተፈላለየ ዓይነት ሚሳይላት ፡ እንተላይ እቲ ዝዓበየ ዓለማት ሰንጢቑ ዝውንጨፍ ባለስቲክ ሚሳይል (ICBM) ፈተነ ተካይድ ኣላ ።
ሰሜን ኮርያ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተነኣ ፡ ኣብ 25 ግንቦት ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ መንግስቲ ንምዕጋት ሓድሽ ስጕምቲ ንምውሳድ ኣብ እስያ ዝገበሮ ዑደት ጌሩ ምስወደኣ ፡ ሰለስተ ሚሳይላት ወንጪፋ ።
እቲ ቀዳማይ ሚሳይል ፡ እቲ ናይ ሰሜን ዝዓበየ ICBM. ዝዀነ ህዋስሶንግ-17 ኮይኑ ፣ እቲ ካልኣይ ሚሳይል ግና ፡ እናተወንጨፈ ኣብ መንጎ ከምዝፈሸለ ሰበ ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ገሊጾም ኔሮም ። እቲ ሳልሳይ ሚሳይል ፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይል(SRBM) እዩ ነይሩ ።
ብቐዳም ፡ መራኽብ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ፡ ኣብ ኦኪናዋ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማያት ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ዝተገብረ ልምምድ ዛዚመን። ሓባራዊ ሓለቓ ስታፍ ደቡብ ኮርያ ከም ዝገለጾ ፡ገለ ካብቲ ልምምድ ፡ ምክልኻል ኣየርን ጸረ-መራኽብን ጸረ-ሳብማሪን ማሪታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ ስርሒታትን ክጥቀስ ይከኣል ።
እቲ ልምምድ ፡ እታ 100,000 ቶን ብኑክልየሳዊ ሓይሊ ትውንን ነፋሪት ውግእ USS ሮናልድ ሬገን ፡ ገለ ካብተን ዓበይቲ መራኽብ ውግእ እውን ዘጠቓልል ነበረ ።
ብ10 ግንቦት ስልጣን ዝሓዘ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ-ዮል ፡ ንሰሜን ኮርያ ንምዕጋት ፡ ምስ ምምሕዳር ባይደን ብምስምማዕ ፡ ብ ክልተኣዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም እተኻየደ ገሊጹ ነይሩ ።
ሰሜን ኮርያ ነቲ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ፒዮንግያንግ እተካይዶ ዘላ "ተጻባኢ ፖሊሲታት" ከም ኣብነት ገይራ ቅድሚ ሕጂ እተካይዶ ዝነበረት ሓባራዊ ተመሳሳሊ ተግባር ነቒፋቶ እያ ።