መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ከምተራእየ ናይቲ ሃገር መዲያ ገሊጾም።

ኪም ጆንግ-ኡን ድሕሪ ንሰሙናት ምስዋር ብወግዒ ብህዝቢ ከምተራእየ ናይ ሰሜን ኮርያ መራኸቢ ብዙሃን ድሕሪ ምግላጸን፡ እቲ ሞይቱ ክበሃል ዝቐነየ ዘረባታት መወዳእታ ረኺቡ።

North Korean leader Kim Jong-un on 2 March.

North Korean leader Kim Jong-un on 2 March. Source: KCNA via KNS

ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ጆንግ-ኡን ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ብምኽንያት ጥዕናኡ ሞይቱ ክበሃል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መመረቕታ ናይ ሓደ ፋብሪካ ዱኽዒ ገመድ እናቖረጸ ብወግዒ ተራእዩ።

ሚስተር ኪም "ኣብቲ መመረቕታ ተረኺቡ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ምምራቕ ዝተረኽቡ፡ ምስረኣይዎ በርቃዊ ዝኾነ ናይ ሓጎስ ዋጭታ ኣስሚዖም" ክብል ናይ ኮርያ ትካል ዜና ብቐዳም ኣቃሊሑ።

ንሱ ነቲ ፋብሪካ እናተዘዋወረ ከምተዓዘቦን "መስርሕ ናይቲ ፍርያት ብኪኢላታት ከምተገልጸሉን", እቲ ዜና ጸብጺቡ።

ኣብቲ እዋን ሚስተር ኪም ብዓሚቕ ስምዒት  "ኣባሓጎይ ኪም-ጆንግ-ሳንግን ኣቦይ ኪም-ጆንግ-ኢልን ነዚ ዘመናዊ ናይ ፎስፎሮስ ድዂዒ ዝምስርሕ ፋብሪካ እንተዝርእይዎ ክንደይ ምተሓጎሱ" ከምዝበለ እቲ ዜና ወሲኹ ጸብጺቡ።

ኪም ጆንግ-ኡን ኣብቲ 11 ሚያዝያ ዝተገብረ ናይቲ ሰልፊ ኣኺባ ድሕሪ ምምራሕ ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ ምርኢት ናይ ተዋጋእቲ ጀት ምዕዛቡ ኣይተራእየን ጸኒሑ።
A file photo of North Korean leader Kim Jong-un.
A file photo of North Korean leader Kim Jong-un. Source: KCNA via KNS
ኣብቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ በዓል ዝኾነ ኣብ 15 ምያዚያ ዝበዓል ናይ ኣባሓጎኡ ኪም-ኢል-ሶንግ በዓል ልደት ብዘይምርካቦ፡ ብዛዕባ ህላውነት እቲ መራሒ ከዘራርብ ጸኒሑ።

ናይ ደቡብ ኮርያ ሰበ ስልጣን ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ እንተገለጹኳ፡ Daily NK, ዝተባህለ ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ኣብ ወጻኢ ብዝነጥፉ ናይ ኦንላይን መርበብ ሓበሬታ ግና ሚስተር ኪም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ከምተገብረሉን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎን ኣፍሊጦም ኔሮም።

ካብ ዉሽጢ ዝረኸብክዎ ምንጪ ኢሉ እቲ መርበብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ሚስተር ኪም ብሰንኪ ከቢድ ምትካኽን፡ ሕፍሰት ሰብነትን ድኻምን ኣብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ይርከብ ኢሉ።

በዚ ተበጊሱ ፡ CNN ንዘይግለጽ ምንጪ ጠቒሱ "ድሕሪ መጥባሕቲ ምግባሩ ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ኩነታት ይርከብ" ኢሉ ጸብጺቡ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም እታ ኣዝያ ሚስጢራዊትን ብዛዕባ መራሕታ ንምፍላጥ ኣዚያ ኣጸጋሚት ሃገር እያ።

ኣቦኡ ንኪም ጆንግ-ኡን ን ንሱውን ን ኣቦኡ መርሕነት ዝተቐበለን ኪም-ጆንግ-ኢል ብዘይካ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ሰባት፡ ህዝቢ ሰሜን ኮርያን ዓለምን  ከምዝሞተ ንኽልተ መዓልታት ዝፈልጥ ኣይነበረን።

ኣብ 2014, ኪም ጆንግ-ኡን ን6 ሳምንታት ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ኔሩ እዩ። ኣብቲ እዋን ናይ ደቡብ ኮርያ ትካላት ስለያ ኣብ ብርኩ መጥባሕቲ ከምዝገበረ ገሊጾም።

 


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service