ኣገልግሎት ጸጥታ ነርወይ ፡ ኣብ ማእከላይ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ናይ LGBTQI ለይታዊ ትልሂት ፡ ኣብ ድሮ እቲ ናይ ከተማ ፕራይድ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ሓደ ብጠበንጃ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋቱ ድሕሪ ሰዓታት ፡ እታ ሃገር እቲ ናይ ደረጃ ራዕዲ ተጠንቀቕ ኣልዒላቶ።
ኣስጋኢ ግብረ-ሽበራዊ ስግኣት "ኣዝዩ ፍሉይ" ከም ዝዀነ ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ PST ሓቢሩ ።
ሮጀር በርግ እቲ ኣብ መጀመርታ ቀዳም ዘጋጠመ ተዅሲ ፡ ህይወት ክልተ ሰባት ዝቐዘፈን ብውሕዱ 21 ሰባት ዘቝሰለን ኰይኑ ፡ እተፈጸመ ብ እስላማውያን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ገሊጹ ።
ደረጃ ግብረሽበራ ነርወይ ሰለስተ ዝነበረ ሕጂ ሓሙሽተ ኮይኑ ኣሎ ።
ድሕሪ 'ቲ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ ሓደ ጥርጡር ኣብትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ኣሎ።፡ እቲ ተኹሲ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ማለት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ነርወይ ፡ ናይ ግብረሰዶማውያን ባር ሓዊስካ እዩ ተፈጺሙ ።
እቲ ናይ ኦስሎ ዝርከብ፡ ባር ከምኡ "ውን ለይታዊ ትልሂት ሎንዶን፡ ካብ 1979 ጀሚሩ "ማእከል ግብረሰዶማዊያን" ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ ። ኣብዚ ማእከልን ኣብ ካልእ መአከቢ ቦታታትን እውን ተተኩሱ ።
መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ ቦርሳ ዝሓዘ ሰብኣይ ናብቲ ቦታ መጺኡ፡ ሽጉጥ ኣውጺኡ ተዅሲ ክጅምር ከሎ ከም ዝረኣዩ በዚ ከምዚ ድማ ስንባደ ፈጢሩ ።
ህዝቢ ነቲ ጥርጡር ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ብምሕጋዞም ፣ ፖሊስ ኣመስጊኑ ።
ካብቶም ዝቘሰሉ 21 ሰባት ፡ እቶም 10 ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከቡ ፖሊስ ሓቢሩ ። ሓደ ዝሞተ ሰብኣይ ኣብ 50ታት ዕድሚኡ ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ 60ታት ዕድሚኡ እዩ ።
ናይ ፖሊስ ኢንስፔክተር ቱረ ሶሻል እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኢራናዊ መበቆል ዘለዎ ኖርወጃዊ ዜጋ ምዃኑ ገሊጹ ።ኣብ መንበሪኡ ድሕሪ ዝተገብረ ፈተሻ ዘይተመዝገበ ሓንቲ ፒስቶልን ጠበንጃን ተረኺቡ እዩ ።
ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ፖሊስ ነቲ ፍጻሜታት ከም ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጌሩ ይምርምሮ ኣሎ" ኢሉ ።
ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ፕራይድ ምረሻ ኣብታ ህድኣት ዝሰፈና ከተማ ድሕሪ ዝወረደ መጥቃዕቲ ደው ክብል ተጌሩ ኣሎ ።

Police stand guard at the site of a mass shooting in Oslo, Norway, on Saturday. Source: Javad M. Parsa/AP
እቲ ተኹሲ ኣብ ጥቓ ክለብ ለንደን ናይ ጌይ ባር ፡ ክለብ ሄር ኒልሰን ጃዝ ከምኡ 'ውን ኣብ ውሸጢ መግቢ ተራእዩ ።
ጥይት ዘየሕልፍ ነተጕትን ቍራዕ ርእስን ዝርከቦ ከቢድ ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስ ፡ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ኣለዉ ።