SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኦስሎ ድሮ ናይ ግብረ ሶዶም ሰልፊ ድሕሪ ዘጋጠማ ቀታሊ መጥቃዕቲ ፡ መንግስቲ ኖርወይ ናይ ግብረ ሽበራ ደረጃ መጠንቀቕታ ክብ ኣቢልዎ።

ኣብ ማእከል ኦስሎ ፡ ኖርወይ ኣብ ዝርከብ ሓደ ፍሉጥ ናይ ግብረሰዶማዊያን ባርን ለይታዊ ትልሂትን ተዅሲ ብምኽፋት ብውሕዱ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ 21 ድማ ቈሲሎም ።

News
People lay flowers at the scene of a shooting in Oslo, on Saturday, 25 June 2022. The Norwegian security service PST has raised its terror alert to the highest Source: AAP

2 min read

Published

Updated


Skip to article content

ኣገልግሎት ጸጥታ ነርወይ ፡ ኣብ ማእከላይ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ናይ LGBTQI ለይታዊ ትልሂት ፡ ኣብ ድሮ እቲ ናይ ከተማ ፕራይድ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ሓደ ብጠበንጃ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋቱ ድሕሪ ሰዓታት ፡ እታ ሃገር እቲ ናይ ደረጃ ራዕዲ ተጠንቀቕ ኣልዒላቶ።

ኣስጋኢ ግብረ-ሽበራዊ ስግኣት "ኣዝዩ ፍሉይ" ከም ዝዀነ ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ PST ሓቢሩ ።

ሮጀር በርግ እቲ ኣብ መጀመርታ ቀዳም ዘጋጠመ ተዅሲ ፡ ህይወት ክልተ ሰባት ዝቐዘፈን ብውሕዱ 21 ሰባት ዘቝሰለን ኰይኑ ፡ እተፈጸመ ብ እስላማውያን ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ገሊጹ ።

ደረጃ ግብረሽበራ ነርወይ ሰለስተ ዝነበረ ሕጂ ሓሙሽተ ኮይኑ ኣሎ ።

ድሕሪ 'ቲ መጥቃዕቲ፡ ፖሊስ ሓደ ጥርጡር ኣብትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዩ ኣሎ።፡ እቲ ተኹሲ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ማለት ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ነርወይ ፡ ናይ ግብረሰዶማውያን ባር ሓዊስካ እዩ ተፈጺሙ ።

እቲ ናይ ኦስሎ ዝርከብ፡ ባር ከምኡ "ውን ለይታዊ ትልሂት ሎንዶን፡ ካብ 1979 ጀሚሩ "ማእከል ግብረሰዶማዊያን" ተባሂሉ'ዩ ዝፍለጥ ። ኣብዚ ማእከልን ኣብ ካልእ መአከቢ ቦታታትን እውን ተተኩሱ ።

መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ ቦርሳ ዝሓዘ ሰብኣይ ናብቲ ቦታ መጺኡ፡ ሽጉጥ ኣውጺኡ ተዅሲ ክጅምር ከሎ ከም ዝረኣዩ በዚ ከምዚ ድማ ስንባደ ፈጢሩ ።

ህዝቢ ነቲ ጥርጡር ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ብምሕጋዞም ፣ ፖሊስ ኣመስጊኑ ።

ካብቶም ዝቘሰሉ 21 ሰባት ፡ እቶም 10 ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከቡ ፖሊስ ሓቢሩ ። ሓደ ዝሞተ ሰብኣይ ኣብ 50ታት ዕድሚኡ ፡ እቲ ካልኣይ ኣብ 60ታት ዕድሚኡ እዩ ።

ናይ ፖሊስ ኢንስፔክተር ቱረ ሶሻል እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኢራናዊ መበቆል ዘለዎ ኖርወጃዊ ዜጋ ምዃኑ ገሊጹ ።ኣብ መንበሪኡ ድሕሪ ዝተገብረ ፈተሻ ዘይተመዝገበ ሓንቲ ፒስቶልን ጠበንጃን ተረኺቡ እዩ ።

ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ፖሊስ ነቲ ፍጻሜታት ከም ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ጌሩ ይምርምሮ ኣሎ" ኢሉ ።

ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ፕራይድ ምረሻ ኣብታ ህድኣት ዝሰፈና ከተማ ድሕሪ ዝወረደ መጥቃዕቲ ደው ክብል ተጌሩ ኣሎ ።


News
Police stand guard at the site of a mass shooting in Oslo, Norway, on Saturday. Source: Javad M. Parsa/AP

ፖሊስ Aቲ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ሰዓት 1: 14 ቀሪቡሉ ከም ዝነበረ ፡ እቲ ጥርጡር ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ ።

እቲ ተኹሲ ኣብ ጥቓ ክለብ ለንደን ናይ ጌይ ባር ፡ ክለብ ሄር ኒልሰን ጃዝ ከምኡ 'ውን ኣብ ውሸጢ መግቢ ተራእዩ ።

ጥይት ዘየሕልፍ ነተጕትን ቍራዕ ርእስን ዝርከቦ ከቢድ ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስ ፡ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ኣለዉ ።


 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now