እዚ፡ መንግስቲ ህዝቢ ክጽዕኖ ብህጹጽ ዘተባብዖም ዘሎ ኣፕ፡ ንሓለፍቲ ጥዕና፡ ዝኾነ ምስ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ምልኻፉ ዝተረጋገጸ ሰብ ዝተራኸበ ወይ ዝተቐራረበ ብቕልጡፍ ፈሊኻ ንምፍላጥ ክሕግዝ ዝዓለመ’ዩ።
ነዚ ዝፍጽሞ ብሉቱዝ ቴክኖሎጂ እናተጠቕመ ኮይኑ፡ ዝኾኑ ክልተ ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ኣፕ ኣብ ውሽጢ 1.5 ሜትሮ ተራሓሒቖም ካብ 15 ደቓይቕ ንላዕሊ ኣብ ዝጸንሕሉ መዝገብ ብምሓዝ’ዩ። ሓደ ተጠቃሚ ናይ’ቲ ኣፕ ኮሮናቫይረስ እንተተለኺፉ፡ እቶም ብቐረባ ዝተራኸቦም ወይ ዝተቐራረቦም ሰባት ንሰብመዚ ጥዕና ከፍልጦም ፈቓደኛ ምስ ዝኸውን’ዩ።
እኹላት ኣውስትራልያውያን ነዚ ኣፕ እንተጽዒኖሞ፡ ክኢላታት ጥዕና ኣብ ምድራት ኮሮናቫይረስ ዓቢይ እጃም ክህልዎ ይኽእል’ዩ ይብሉ። እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ፡ ክኢላታት ቴክን ምዕቃበ ውልቃዊ ሓበሬታን ግን ብዛዕባ እቲ ኣፕ ዝእክቦ ውልቃዊ ሓበሬታ ዘለዎም ሻቕሎት ኣልዒሎም ኣለው።
ዝሓለፈ ሰሙን ቅድሚ’ቲ ኣፕ ምዝርግሑ፡ ንሕና እዚ ቴክኖሎጂ ከመይ ክሰርሕ ትጽቢት ይግበረሉን እቶም ቀንዲ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዝምልከቱ ንክኢላታት ዘሻቕልዎም ዘለውንገሊጽናልኩም ኔርና. ሕጂ ኮቪድሰይፍ ንኽጸዓን ተቐሪብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እዚ ኣፕ ከም’ቲ ዝግብኦ ድዩን ክትጽዕንዎ ይግባኣኩም ዶን ክኢላታት ዝብልዎ ዘለው ኣብ’ዚ ኣቕሪብናዮ ኣለና።
ነዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ፈጠርቲ ወይ ኣማዕበልቲ ሶፍትወይር ፈንጢሖም ሰሪሖሞ ኣለው። እቲ ዝረኸብዎ ኸኣ እነሀልኩም።
ቅድሚ ኮቪድሰይፍ ምዝርግሑ፡ ክኢላታት ቴክን ምዕቃብ ውልቃዊ ሓበሬታን ንመንግስቲ ኣውስትራልያ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ምንጪ ኮድ (source code) ክገልጽ ጸዊዖም፡ እዚ ነቶም ነጻ ዝኾኑ ክኢላታት ጸገም እንተሎ ደልዮም ክረኽቡ፡ ፍታሕ ከቕርቡን እቲ ኣፕ ከም’ቲ መንግስቲ ቃል ኣትይዎ ዘሎ ይሰርሕ ምዃኑን ንምርግጋጽ የኽእሎም።
መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ነዚ ምንጪ ኮድ ኣይገለጾን/ኣይዘርገሖን፡ ዋላ’ኳ ፈደራል ሚኒስተር ጥዕና ግሬግ ሃንት ሶኑይ ንኤቢሲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ክዝርግሖ እዩእንተበለ።
ነዚ ምንጪ ኮድ እናተጸበና፡ ፈጠርቲ ሶፍትወይር ኣውስትራልያውያን ነዚ ኣፕ ፈንጢሖም ክሰርሕዎ ጀሚሮም ኣለው፡ እቲ ዝበጽሕዎ መደምደታ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት እናዘርግሑ።
ሰንበት፡ ሶፍትወይር ዝፈጥር ማቲው ሮቢንስ ኣብ ኣንድሮይድ ዝሰርሕ ዓይነት ናይ’ቲ ኣፕ ኣብ ምጽዓኑን ምንጪ ኮዱ ኣብ ምፍንጣሕን ተዓዊቱ።
ሮቢንስ ን10 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ቴክ ክሰርሕ ጸኒሑ፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ምምዕባል ኣፕ ኣትኲሩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ንሱ ክኢላ ምዕቃብ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣይኮነን - ናብኡ ጸኒሕና ክንመጽእ ኢና - ግን ብዛዕባ ምስራሕ/ምፍጣር ኣፕን እዚ ኣፕ ከም’ቲ መንግስቲ ዝብሎ እንተኾይኑ ከመይ ጌርካ ትፍትኖ ኣብ ዝብል ብዙሕ’ዩ ዝፈልጥ። ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ንሱን ካልኦት ሶፍትወይር ዘማዕብሉ ክኢላታትን ነዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ክምርምርዎን ካብ’ቲ ኮዱ ከኣ ክሳብ ዝከኣሎም ክመሃሩን ጸኒሖም።ሽ
ብዙሓት ካብ’ዞም ዝተዓዘብዎም ግን ኣወንታዊ ኔሮም፡ ኣብ ትዊተር፡ ሮቢንስ እዚ ኣፕ ከም’ቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ይሰርሕ ከምዝኾነ፡ ኣብ ሞባይል ናይ’ቶም ተጠቀምቲ ብስቱር ሓበሬታ ከምዝዕቅብ፡ ካብ’ተን እቲ ኣፕ ዝተጻዕነለን ካልኦት ሞባይላት ጥራይ ሲግናል/ምልክት ከምዝቕበልን ዝምዝግብን፡ ድሕሪ 21 መዓልታት ከኣ ባዕሉ ከምዝድምስሶን ነቲ ሓበሬታ ናብ ሰብመዚ ጥዕና ዝጽዕኖ ብፈቓድ ተጠቃሚ ጥራይ ምዃኑን ኣረጋጊጹ።
እዚ ኣፕ ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ዘለውዎ ቦታ ኣይምዝግብን’ዩ (ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ እንተኾንኩምን ክትጽዕንዎ እንከለኹም ቦታኹም ክፈልጥ ዝጠልብ መልእኽቲ እንተመጺኩም፡ እዚ ዘይተሓስበ ክስተት ካብ ኣንድሮይድ ዝፍጠር’ዩ - ነዚ ከም’ዚ ኣፕ ዘድልዮ ዓይነት ብሉቱዝ ክትሓቱ እንከለኹም’ውን ዘለኹሞ ቦታ ክፈልጥ ባዕሉ ይሓተኩም’ዩ። ኮቪድሰይፍ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘለኹሞ ቦታ ኣይምዝግብን’ዩ ኣይጥቀምን’ዩ።
ሮቢንስ ን The Feed ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ትርፊ ግዚኡ እዩ ነቲ ኣፕ ፈንጢሕዎ፡ ምኽንያቱ ህንጡይነት ስለዝሓደሮ፡ ድሕሪኡ ግን በቲ ዝተዓዘቦ ዓጊቡ’ዩ።
“እቲ ዝእክብዎ ዘለው ሓበሬታ፡ ብተዛማዲ ዘይጓዳእ ወይ ዘይሃሲ’ዩ።” ኢሉ። “ኣነ እቲ ኣፕ ከመይ ተሃኒጹ ኣብ ዝብል ብመጠኑ ይተኣማመን እየ።”
ገለ ክልተ ዝኾኑ ነገራት ንሮቢንስ ከም ንኣሽቱ ጌጋታት ጎሊሖም ዝተራእይዎ ኔሮም፡ ነዚኦም ግን ንሱ ምስ’ቲ መንግስቲ ነቲ ኣፕ ክዝርጋሕ ዝደፍኦ ዝነበረ ናህሪ የተሓሕዞ።
ዋላ’ኳ እዚ መንግስቲ ንምሉእ ምንጪ ኮድ - ነቲ ካብ ናይ ኣንዶሮይድ ንልዓሊ ክትፍንጥሖ ዘጸግም ናይ iOS ኣፕ - ክገልጾ ክርኢ ይደሊ እንተኾነ፡ ብሓፈሽኡ ግን ሮቢንስ ዓበይቲ ክበሃሉ ዝኽእሉ ቀያሕቲ መጠንቀቕታታት ኣይረኸብኩን ኢሉ።
“ኣነ እዚ ኣፕ ፈጺሙ ጠቓሚ ዝኾነ ክጸዓን ዘለዎ’ዩ ኢለ ይሓስብ።” ኢሉ።
ካልኦት ብዙሓት ምኩራት ኣማዕበልቲ ሶፍትወይር’ውን ነቲ ኮድ ገምጊሞን፡ ኣውስትራልያውያን ክጽዕንዎ ኣተባቢዖምን።
ኣብ’ቶም ደቀቕቲ ዝርዝራት ትግደሱ እንተኾንኩም፡ ኢንጂኒር ሶፍትወይር ዝኾነ ጂዮፍ ሃንትሊ ነቲ ኣውስትራልያዊ ማሕበረሰብ ቴክ ነቲ ምንጪ ኮድ ዝሰባበርሉ ኩሉ ብዝርዝር ኣብ’ዚመዝገብ ኣቐሚጥዎ’ሎ።.
እዚ ኣፕ ኣብ ኣገልግሎት ካብ ዝውዕል ልዕሊ 24 ሰዓታት ጌሩ’ሎ። እንታይ ዓይነት ጸገማት ተረኺቦም ኣለው፧
ክሳብ ሕጂ ምስ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ዝተኣሳሰሩ ውሑዳት ጸገማት ክኾኑ ዝኽእሉ ተለልዮም ኣለው።
እቲ ቀዳማይ ሻቕሎት ኣብ ዙርያ ተጠቀምቲ ኮይኑ እቲ ኣፕ ኣብ ሞባይሎም ይሰርሕ ከምዘሎ ከመይ የርጋግጹ ይርደኦም ዶ ዝብል’ዩ። እዚ ኣፕ ክሰርሕ ኩሉ ግዜ ክፉት ክግደፍን ቀጻኢ ክሰርሕን ኣለዎ - ካልኦት ኣፓት ኣብ ሞባይልኩም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም፡ ግን ኮቪድሰይፍ ኣብ ዝኸድኩሞ ኩሉ ተኸፊቱ ክሰርሕ ክትገድፍዎ ኣለኩም።
ገለ ክኢላታት ኮቪድሰይፍ ኣብ ኣይፎናት ኣብ ገለ ኩነታት ከይሰርሕ ወይ ደው ክብል ይኽእል’ዩዝብል ሻቕሎት ኣልዒሎም። ሓንቲ ኣይፎን ሞባይል ኣብ ትሑት መጠን ባትሪ ክትኣቱ እንከላ ወይ ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ዝተፈላለዩ ኣፓት ብሉቱዝ ይጥቀምሉ እንተሃልዮም፡ ኮቪድሰይፍ ምስራሕ ደው ከብል ይኽእል’ዩ።
ክሳብ ዕለተ ሎሚ፡ መንግስቲ እዚ ኣፕ ይሰርሕ ከምዘሎ ንምክትታል ተጠቀምቲ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ንዝብል ዝተገራጨወ ምኽሪ’ዩ ሂቡ ዘሎ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ናይ መንግስቲ መርበብ ሓበሬታ ኮቪድሰይፍ ንተጠቀምቲ iOS እቲ ኣፕ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት እንተዘይሰሪሑ፡ ከመይ ዳግማይ ክሰርሕ የበግስዎ መምርሒታት ዝህብ መልእኽቲ ክመጾም ምዃኑ ይሕብር።
ኣብ’ዚ እዋን እቲ ኣፕ ዓቕሚ ባተሪኹም መጽዩ ክውድኦ እዩ ክትብል ኣሸጋሪ’ዩ፡ ክኢላታት ተመቓቒሎም ኣለው፡ ኣብ ዝመጹ መዓልታት ክንርእዮ ኢና።
እዞም ጸገማት ንተጠቀምቲ ኣፕ ሻቕሎት ጸጥታ ኣይፈጥሩን እዮም፡ እንተኾነ ግን እንተዘይተዓርዮም ብቕዓት ናይ’ቲ ኣፕ ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም። ክኢላታት ሕጂ’ውን ደጊሞም ንጸገማት ብቕዓት ክምርምሩን ጸገማት እንተለው ኸኣ መፍትሒ ክህቡን ምንጪ ኮድ iOS ክግለጽ ይጽውዑ ኣለው።
ክኢላታት ጸጥታ ብዛዕባ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ሕጂ ስክፍታታት ኣለዎም ድዩ፧
ክኢላታት ጸጥታ ብዛዕባ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ስክፍታታት ኣለዎም ድዩ፧ እቶም ሻቕሎታት ጸጥታ ነቲ ኣፕ ካብ ምጽዓን ደው ከብልኹም ድዮም ንዝብል ክኢላታት ኣብ ውልቃዊ ኩነታትኩም እዮም ዝምርኮሱ ይብሉ። በዚ ምኽንያት’ዮም ከምኡ ዝብሉ፡
ዝሓለፈ ሰሙን፡ እዚ ኣፕ ቅድሚ ምዝርግሑ፡ The Feed ንክኢላ ድሕነት ውልቃዊ ሓበሬታን ዋና ኣካያዲ ኦፕተስ ማኳሪ ይኒቨርሲቲ ሳይበር ሰኲሪቲ ሃብ ፕሮፈይሰር ዳሊ ካፋር ኣዘራሪብዎ። ፕሮፌሰር ካፋር ሓያሎ ብኸም በዓል ኮቪድሰይፍ ዝኣመሰሉ ኣፓት ዝፍጠር ሻቕሎታት ውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ካብኦም ሎሚ ምስ’ዚ ኣፕ ዝተኣሳሰሩ ዘርዚሩ።
እቲ ሓደ ቀንዲ ሻቕሎት ብካፋርን ካልኦት ክኢላታትን ዝተላዕለ እቲ በዚ ኣፕ ዝተኣከበ ሓበሬታ ናብ ሓደ ማእከላይ ሰርቨር ወይ መኽዘን ክእከብ’ዩ ዝብል’ዩ። ከም’ቲ ፕሮፌሰር ካፋር ን The Feed ዝሓበሮ፡ ናብ ማእከላይ ሰርቨር ናይ ከም’ዚ ዓይነት ኣፕ ክኸፍት ፈቓድ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንሓደ ኣዝዩ ገዚፍ መጠን ሓበሬታ ክኸፍት ይኽእል’ዩ። እዚ ሰርቨር ብዘይፈቓድ እንተተበርቢሩ፡ ወይ ብሓደ ክፋእ ዝሓስብ ሰብ እንተተኸፊቱ፡ ነዚ ሓበሬታ ብዙሕ ነገር ክገብርዎ ይኽእሉ’ዮም።
እዚ ኣፕ ካብ ዝዝርጋሕ ንደሓር፡ ከም በዓል ኣብ ኣውስትራልያ ናሽናል ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ቨነሳ ቲግ ዝኣመሰሉ ካልኦት ክኢላታት ካልኦት ሻቕሎታት ኣብ ልዕሊ’ቲ እዚ ኣፕ ዝኽዝኖን ንኻልእ ዘካፍሎን ሓበሬታታትኣልዒሎም ኣለው። ንኣብነት፡ እዚ ናይ ኣውስትራልያ ኣፕ፡ ነቲ ኣፕ ዝተጠቕማሉ ዓይነትን ሞዴልን ዝተፈላለያ ሞባይላትን ካልኦት መሳርሒታትን፡ ብንጹራት ፊደላት፡ ነተን ሞባይላት ክሕዝወን ወይ ክጥቀሙለን ዝኽእሉን ቁሩብ ኣፋፍኖት ናይ ቴክ ዘለዎምን ሰባት ክንበብ ዝኽእል የቐምጦ።
“ዘይጓዳእ ይመስል’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ልክዕ ሞዴል ቴሌፎን ናይ’ቲ ዝጥቀመሉ ሰብ ኣዝዩ ዘቃልዕ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ክብላ ቲግን መሳርሕታን ሶኑይ ኣብ ሓደ ብሎግ ጽሒፈን።
“ንኣብነት፡ ሓደ ሞባይል ናይ ካልእ ሰብ ኣብ ኢዱ ክሕዝ ዝኸኣለ እቲ ሰብ ናብ ሓደ ብሓባር ዝፈልጥዎ ሰብ ከይዱ ወይ በጺሑ ኔሩ እንተኾይኑ ክርዳእ ምስ ዝደሊ ንበል። እዚ ሰብ ነቲ ብዝርአ ተጻሒፉ ዘሎ ዝርዝራት ኣብ ኮቪድሰይፍ ከንብብ ይኽእልን ምስ’ቲ ዝሓስቦ ዘሎ ዝዛመዳ ሞዴላት ቴሌፎናት ምዃነን ክዕዘብ ይኽእል’ዩ።”
“መንነት ሓደ ሰብ ኣብ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተዘይኮነ’ኳ ንሓደ ዝሓሰብዎ ሓሳብ፡ ምስ ዝፈልጥዎ ሰብ ተራኺቡ ኔሩ ዶ ኣይነበረን፡ ንምርግጋጽ ወይ ንምንጻግ ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።”
ፕሮፌሰር ካፋር ብተወሳኺ እቲ ማእከላይ በዓል መዚ ካብ’ቲ እቲ ተጠቃሚ ዝተረድኦ ንላዕሊ ዝያዳ ሓበሬታ ክቕበል ይኽእል’ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣለዎ። ካፋ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ኤ ዝተባህለ ሰብ ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፈ እንተተረጋጊጹን እቶም ዝተራኸቦም ክሕብር እንተተሰማሚዑን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ቢን ሲን ዝተባህሉ ሰባት ከምዝተራኸቡ ከርኢ ይኽእል። እቲ ነዚ ሓበሬታ ዝከታተል ማእከላይ በዓል መዚ ቢን ሲን ከምዝተራኸቡ ሕጂ ፈሊጡ’ሎ ማለት’ዩ፡ ክልቲኦም ግን እዚ ሓበሬታ ከምዝተዋህበ ከይፈልጡ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ’ዚ እዩ፡ ይብል ፕሮፌሰር ካፋር፡ ውልቃዊ ኩነታት ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ዝመጽእ።
“እዚ ሓበሬታ ንብዙሓት ሰባት ተነቃፊ ከይከውን ይኽእል እዩ፡ ንኻልኦት ግን ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝራኸቡ ፖለቲከኛታት ወይ ከኣ ሓደ ጋዜጠኛን ሓደ ፖለቲከኛን።”
ፕሮፌሰር ካፋር ብዙሓት ካብ’ዞም ጸገማት ድሕነት ሓበሬታ ንኣሽቱ ምቅይያራት ኣብ’ታ ኣፕ ብምግባር ክዕረዩ ዝኽእሉ’ዮም ይብል፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ጥምረት ክኢላታት ናብ ሓደ ማእከላይ በዓል መዚ ፈጺሙ ሓበሬታ ዘየመሓላልፍ ወይ ዘይጽዕን መከታታሊ ኣፕክፍጠር ይከኣል እዩ ክብሉ የመልክቱ።
እዞም ምቅይያራት ክሳብ ዝግበሩ፡ ፕሮፌሰር ካፋር ን The Feed ኣነ ብውልቀይ ነዚ ኣፕ ኣይክጽዕኖን እየ ክብል ሓቢሩ፡ ንኻልኦት ኣውስትራልያውያን ግን እንታይ ኢሉ ክመክር ከምዘለዎ ርግጸኛ ኣይኮነን። እዚ ሕቶ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ረኺበዮ ኢሉ።
"Whether I would be recommending installing it or not, I really don't know -- I actually find it to be a really tricky question," he said.
“ኣነ መንግስቲ ነቶም ንውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ግምት የእትይዎም’ዩ፡ ንገለ ካብ’ቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ግን ኣየእተወኖምን ኢለ ይሓስብ። ገለ ቅኑዕ ተበግሶ ክህልዎ ተፈቲኑ እዩ፡ ንኣብነት፡ ዘለኻዮ ቦታ ከይእክብን ከይሕብርን፡ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ኸኣ ድሕሪ 21 መዓልታት ክድምሰስን።”
“ሓደ ኣገዳሲ ነገር ዝብሎ ግን ውሕስነት ብሕታዊ ኣዝዩ ውልቃዊ እዩ ኢለ ይሓስብ። ገለ ሓበሬታታት ብዛዕባ ብሓባር ዝጽናሓሎም/እንራኸበሎም ቦታታት ንገለ ሰባት ኣዝዮም ተነቀፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም፡ ንኻልኦት ግን ፈጺሞም ዘየገድሱ።”
“ኣነ ኣብ’ዚ ክልተኣዊ (እወ/ኣይፋል) ኢለ ክመክር ኣይክእልን ኢየ፡ ግን ኮፍ ኢለ ክጽበይ እየ። ንሕና ኣብ መዳያት ቴክን ሕግታትን ቁሩብ ዝያዳ ግሉጽነት የድልየና ኣሎ።”
ኮቪድሰይፍ ክጽዕኖ ዶ፧
እዚ’ዩ እቲ ክውንነት፡ እዚ ኮቪድሰይፍ ኣፕ ዝተቐላጠፈሉ ምኽንያት ኣለዎ፡ ኣብ ማእከል ናይ ሓደ ለበዳ ኢና ዘለና። ሕብረተሰብ ደጊምና ክንከፍቶ/ክንፍንዎ ክንጅምር እንተደሊና፡ ዝኾነ ምስ ሓድሽ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ተራኺቡ ወይ ተቓሊዑ ክኸውን ዝኽእል ብቕልጡፍ ኣለሊኻ ክትፈሊ ምኽኣል፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
እኹል ቁጽሪ ዘለዎም ኣውስትራልያውያን ነዚ ኣፕ እንተጽዒኖሞን ብልክዕ እንተጠቒሞምሉን፡ ኣብ’ዚ መዳይ ብሓቂ ክንሕግዝ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣፕ ኣድማዒ ክኸውን፡ መንግስቲ ብውሑዱ 40 ካብ ሚእቲ ኣውስትራልያውያን ክጥቀምሉ ኣለዎም ይብል። እዚ ኸኣ ናብ 10 ሚልዮን ዝጽግዑ ክምዝገቡ ኣለዎም፡ ክሳብ ሶኑይ ምሸት ካብ ክልተ ሚልዮን ቁሩብ ዝትሕቱ ተመዝጊቦም ኣለው።
እዚ ክትጥቀምሉ ዲኹም ኣይፋልን ዝብል ውልቃዊ ውሳነኹም፡ ውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታ እንታይ ትርጉም ይህበኩም ኣብ ዝብል ምናልባት ይምርኮስ ይኸውን – ከም’ቲ ፕሮፌሰር ካፋር ዘስመረሉ ኸኣ እዚ ውልቃዊ ውሳነ እዩ።
“ንዓይ እቲ ብዝለዓለ ዘበሳጭወኒ ኣብ’ዚ ክትዕ ከም’ዚ ኣብ መንጎ ‘ንሰባት ምሕጋዝን’ን ‘ውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታን’ ዘሎ ምርጫ ተባሂሉ ክቐርብ እንከሎ’ዩ፡” ኢሉ። “ከም’ዚ ጌሩ ክቕመጥ ብጣዕሚ ሕማቕ’ዩ፡ እቶም ውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታ ዝደልዩ ከም ፈተውቲ ነብሶም እቶም ካልኦት ከኣ ደሓን ከምዝኾኑ ምምሳል።”
ደይቪድ ቫይል ኣብ ኣለንስ ሃብ ንቴክኖሎጂ፡ ሕጊን ተበላሓትነትን ኣብ ዩኒቨርሲት ኒው ሳውዝ ወይልስ መራሒ ስትሪም ምክልኻል ዳታን ስለያን’ዩ። “ከም መትከል ንሓደ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዝተማእከለ መኽዘን ማሕበራዊ ስእላዊ ሓበሬታ ዝፈጥር፡ ንሓለዋ ኣብ ሕጋዊን ቴክኒካውን ምትዕርራያት ዝምርኮስ፡ ጥንቃቐ ክግበር ኢኻ ትመክር፡” ይብል። “እቲ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ጥዕና በቲ ሓደ ሸነቕ ብጣዕሚ ኣገዳሲ’ዩ፡ በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር ከቢድ ኮይኑ።”
ኣብ መወዳእትኡ ኮቪድሰይፍ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ንዓኹም ልክዕ ኣይኮነን ኢልኩም ወሲንኩም፡ እቲ ኣፕ እናተሓደሰን እናተመሓየሸን ምስ ከደ ዝበዝሐ ካብ’ዚ ክቕየር ተኽእሎታት ከምዘሎ ዘክሩ። እዚ ክኸውን እንከሎ ኸኣ እዋናዊ ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና።
ኣብ ኣውስትራልያ ሰባት ብውሑዱ 1.5 ሜትሮ ካብ ካልኦት ክርሕቁ ኣለዎም፡ ምትእኽኻባት ከኣ ምስ ስድራኹም ወይ ቤተሰብኩም እንተዘይሃሊኹም ናብ ክልተ ሰባት ጥራይ ተደሪቶም ኣለው።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍና ኢልኩም ትኣምኑ እንተኾንኩም ኣብ ዶክተርኩም ደውሉ (ብኣካል ኣይትኺዱ) ወይ ከኣ ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕና ኮሮና ቫይረስ ዝህብ Coronavirus Health Information Hotline ብቁጽሪ 1800 020 080 ደውሉ።
ከተተንፍሱ ትጽገሙ እንተሃሊኹም ወይ ከኣ ህጹጽ ዝኾነ ጸገም ጥዕና እንተጋጢምኩም/እንተተሰሚዕኩም 000 ደውሉ።
ኤስቢኤስ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣውስትራልያ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣሎ።
ዜናታትን ሓበሬታታትን ብ63 ቋንቋታት ኣብ’ዚ ኣለኩም sbs.com.au/coronavirus