ማሕበረሰባት ኒው ሳውዝ ወልስ 'ንህይወት ዘስግእ ኩነታት ኣየር' ፡ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕን ከጋጥሞም ትጽቢት ይግበር።

ብዕልቕልቕ ማይ ኣብ ዝተጠቕዐ ከባቢታት NSW ዝነብሩ ተቐማጦ ፡ ዝኸፍአ ሓደጋ ትጽቢት ዘግብር ውጥን ከውጽኡ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም ኣሎ። እዚ ድማ ኣብገለ ክፋላት እታ ክፍለ-ሃገር ነቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ክመጽእ ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ ፡ ብዝያዳ ከሐይል ትጽቢት ይግበር ።

An aerial view of the flooding at Manning Valley on NSW's mid-north coast.

An aerial view of the flooding at Manning Valley on NSW's mid-north coast. Source: Westpac Rescue Helicopter

ኣብ መላእ NSW ዝርከቡ ማሕበረሰባት ፡ "ንህይወት ዘስግእ ኵነታት ኣየር" የጋጥሞም ኣሎ ፣ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናም ንሓያሎ መዓልታት ኣፍላጋት መሊኡ ወይ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ዘስግእ እዩ ።

ብዙሕ ናይ ምዕልቕላቕ መጠንቀቕታታት ከምዘመልክቶ ፡ ካብቲ ቦታ ናይ ምውጻእን ነቲ ትእዛዝ ናይ ምግዓዝን መስርሕ ኣብ መላእ ኒው ሳውዝ ወልስ ተዋሂቡ ኣሎ። መንግስታትን ፈደራልን ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ፡ ማእከልን ሰሜንን ገማግም ባሕሪ ብዕልቕልቕ እተሃሰየ ቦታታት ባህርያዊ ሓደጋ ከም ዘሎ ክእውጃ ከለዋ ፡ ነቲ ሓደጋ ዝኸውን ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝፍቀድ ምወላ ከምዝፍቀድ ኣግቢሩ ኣሎ።

ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ዝርከቡ ክሳዕ 1,500 ዝዀኑ ወለንተኛታት ፡ ሓገዝ ክወሃቦም ንዚቐርበሎም ናይ 7,000 ጻውኢት ተቐቢሎም ፡ ካብ ሓሙስ ኣትሒዞም ን650 ሰባት ዘዕለቕለቐ ማይ ከም ዘናገፉ ተሓጋጋዚ ኮሚሽነር ዲን ስቶሪ ፡ ብሰንበት ንመራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ከቢድን ህይወት ዝፈታተን ኵነታት ኣየር የጋጥመና ኣሎ ፣ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልትታት እውን እንተ ኰነ ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ግዝኣት ጽልዋ ኣለዎ" ኢሉ።

"ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ፡ ኵሉ ማሕበረ ሰብ ብዛዕባ ሓደጋታቱ ክፈልጥ ከም ዘለዎ ፡ ውጥን ድማ ኣውጺኡ ብእኡ መሰረት ክዳሎ ከም ዘለዎ ዝገልጽ እዩ ።"

[videocard video="1875964483630"]

ሚስተር ድኳን ፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ዘለዎ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ፡ ገዛእ ርእሶም ፡ ስድራ ቤቶምን ካብ ከባቢኦም ክወጹ ንዚኽእሉ እንስሳታትን ከዳልዉ ፡ ወይ ከኣ ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ከምዘሎ ብምግላጽ ፡ "ቀልጢፎም ክወጹ" ፡ መምርሒ ሰበ ስልጣን ክከታተሉ ተማሕጺኑ።

ቤት ፅሕፈት ሜትሮሎጂ ከምዝሓበሮ እቲ ዝናም ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ኣብ ሰሜናዊ ገማግም "ኣዝዩ ከሐይል" ትጽቢት ይግበር።

"እቲ ሎሚ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ዘሎ እንደገና ይሃርም ኣሎ ። ጽባሕ ሰንበትእቲ ኩነታት ከምዝብርትዕን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክጥንቀቑ ኣለዎም። "


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ማሕበረሰባት ኒው ሳውዝ ወልስ 'ንህይወት ዘስግእ ኩነታት ኣየር' ፡ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕን ከጋጥሞም ትጽቢት ይግበር። | SBS Tigrinya