ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ናይ ከባቢ ዝተረኽበ ልዕሊ 98,000 ዝኾኑ መርመራታት ፡ ድሕሪ ምግባር 145 ሓደስቲ ኣብ ኮቪድ-19 ዝተጠርጠሩ ተመዝጊቦም ኣለዉ ።
ፕሪመር ግላዲስ በረጂክልያን ኣብ ከተማ ሲድኒ ብኮቪድ ዝተወቕዐ ከባቢ ፌርፊልድ ዝነበሩ ኣብ ገዛኦም ምጽናሖም ብምንኣድ ፡ እቲ ናይ ደልታ ዓይነት ኮሮና ብዝያዳ ይላብዕ ከም ዘሎ ኣጠንቂቓ ።
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እዚ ከባቢ ተንቀሳቓሲ ከባቢ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና ፣ ቅኑዕ ነገር እውን ይገብሩ ኣለዉ።" በለት።
ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ኬሪ ቻንት ብተወሳኺ ንነበርቲ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ነቲ ናይ ቀይድታት መምርሒ ብምኽባሮም ንኢዳ ።
"ኻብቶም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ዝነብሩ ብትግሃት ዝዓዩ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕበን ጥራይ እየ ክዛረብ ዝኽእል" በለት ።
ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምትእኽኻብ ነቲ ጕዳይ ቊጽርታት ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ዶክተር ቻንት ገሊጻ ።
"ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ዘጋጥመና ዘሎ እዋን ሰባት ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ጥራይ ክጸንሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ኣብ መንጎ ስድራቤታት ከኣ ምትሕውዋስ ዝበሃል ነገር ኣይህልወናን" በለት ።
ክታበት ምውሳድ "ሓደ መፍትሒ እዩ" ብምባል ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሒደት ሰባት ጥራይ ነቲ ናይ ኣስትራዘነካ ክታበት ይወስዱ ምህላዎም "ኣዝዩ ዘጨንቕ" ምዃኑ ገለጸት ።"ካብ 60 ወይ ካብ 70 ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ናብ ሓኪሙ ክኸይድ ኣለዎ" በለት ።
"እኹል ጸቕጢ ክገብር ኣይክእልን እየ ። ተኸቲበ ፡ ሓማተይ ተኸቲባ ፡ በዓል ቤተይ ድማ ኣስትራዘነካ ተኸቲቡ ። [ጽቡቕ ክታበት] እዩ ኢለ እንተ ዘይኣምን ፡ ከምኡ ኣይምገበርኩን ። ኵሉ ሰብ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክጥቀመሉ እምሕጸን "በለት ።
ኒው ሳውዝ ወልስ ብሰንበት ክልተ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት መዝጊባ ፡ ሓንቲ ካብ አን ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ብራዚላዊት እያ ።
With AAP.

