Breaking

NSW ሎሚ 145 ሓደሽቲ ኣብ ዉሽጢ'ታ ግዝኣት ብኮቪድ-19 እተለኽፉ ኣመዝጊባ።

እዚ ሓድሽ ኣሃዛት እዚ ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሲድኒ እተኻየደ ጸረ-ምዕጻው ተቓውሞ ፡ ስዒቡ " ብዙሕ ምልባዕ" ክህሉ ምዃኑ ኣተሓሳሲብሉ ኣብዘሎ እዋን እዩ ።

Gladys Berejiklian has urged residents of Greater Sydney to follow the lockdown rules as NSW's COVID-19 case numbers continue to rise.

Gladys Berejiklian has urged residents of Greater Sydney to follow the lockdown rules as NSW's COVID-19 case numbers continue to rise. Source: AAP

ኒው ሳውዝ ዌልስ ካብ ናይ ከባቢ ዝተረኽበ ልዕሊ 98,000 ዝኾኑ መርመራታት ፡ ድሕሪ ምግባር 145 ሓደስቲ ኣብ ኮቪድ-19 ዝተጠርጠሩ ተመዝጊቦም ኣለዉ ።

ፕሪመር ግላዲስ በረጂክልያን ኣብ ከተማ ሲድኒ ብኮቪድ ዝተወቕዐ ከባቢ ፌርፊልድ ዝነበሩ ኣብ ገዛኦም ምጽናሖም ብምንኣድ ፡ እቲ ናይ ደልታ ዓይነት ኮሮና ብዝያዳ ይላብዕ ከም ዘሎ ኣጠንቂቓ ።

ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እዚ ከባቢ ተንቀሳቓሲ ከባቢ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና ፣ ቅኑዕ ነገር እውን ይገብሩ ኣለዉ።" በለት።
ሓላፊት ሓለዋ ጥዕና ኬሪ ቻንት ብተወሳኺ ንነበርቲ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ነቲ ናይ ቀይድታት መምርሒ ብምኽባሮም ንኢዳ ።

"ኻብቶም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሲድኒ ዝነብሩ ብትግሃት ዝዓዩ ዝነበሩ ማሕበረሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕበን ጥራይ እየ ክዛረብ ዝኽእል" በለት ።

ኣብ ስድራቤት ዝግበር ምትእኽኻብ ነቲ ጕዳይ ቊጽርታት ንኽውስኽ ኣበርክቶ ዝገብር ቀንዲ ረቛሒ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ዶክተር ቻንት ገሊጻ ።

"ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ዘጋጥመና ዘሎ እዋን ሰባት ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ጥራይ ክጸንሑ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ኣብ መንጎ ስድራቤታት ከኣ ምትሕውዋስ ዝበሃል ነገር ኣይህልወናን" በለት ።
ክታበት ምውሳድ "ሓደ መፍትሒ እዩ" ብምባል ፡ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሒደት ሰባት ጥራይ ነቲ ናይ ኣስትራዘነካ ክታበት ይወስዱ ምህላዎም "ኣዝዩ ዘጨንቕ" ምዃኑ ገለጸት ።

"ካብ 60 ወይ ካብ 70 ንላዕሊ ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ናብ ሓኪሙ ክኸይድ ኣለዎ" በለት ።

"እኹል ጸቕጢ ክገብር ኣይክእልን እየ ። ተኸቲበ ፡ ሓማተይ ተኸቲባ ፡ በዓል ቤተይ ድማ ኣስትራዘነካ ተኸቲቡ ። [ጽቡቕ ክታበት] እዩ ኢለ እንተ ዘይኣምን ፡ ከምኡ ኣይምገበርኩን ። ኵሉ ሰብ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክጥቀመሉ እምሕጸን "በለት ።

ኒው ሳውዝ ወልስ ብሰንበት ክልተ ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት መዝጊባ ፡ ሓንቲ ካብ አን ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ብራዚላዊት እያ ።

With AAP.


Share

Published

Updated

By SBS News
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service