ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ንያዶል ኒውዮን፡ ኣብ ናይ ተለቪዥን ክትዕ "ባህሊ ጸዓዱ ዝበሃል የለን" ዝብል ዝሃበቶ መግለጺ ሰፊሕ ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ንዝበለቶ ተኸላኺላ።
ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ።
እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ።
ንኣውስትራልያ "ባህሊ ኣንግሎ-ሴልቲክ" ኢልካ ምግላጽ፡ ስደተኛታት ክቕበልዎ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓደ "ባህሊ ጸዓዱ" ከምዘሎ ዝገልጽ ሓሳብ ንምፍጣር ሓደጋ ከምዘለዎ ተማጒታ።
ኒውዮን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ባህሊ ጥልያን ኣሎ፡ ባህሊ ፈረንሳ ኣሎ፡ ባህሊ ኣርጀንቲና ኣሎ፡ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ዓይነት ባህሊ ጸዓዱ ዝብል ኣተሓሳስባ ግን የለን" ኢሉ።
እቲ ዘተ፡ ብዛዕባ ስደት፡ ሕብረ-ባህላውነትን ኣውስትራልያዊ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑን ሰፊሕ ሃገራዊ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተኻይዱ።
ድሕሪ ነቐፌታ ናይቲ ዘረባኣ፡ ኒውዮን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ ኣብ ሊንክድይን ኣካውንታ ነቲ ክትዕ ኣስፊሓቶ።
'ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን'
"ብግልጺ፡ ባህሊ ጸዓዱ የለን ምባለይ ንገለ ሰባት ኣቖጢዕዎም'ዩ" ክትብል ብሰሉስ ጽሒፋ።
"ከምቲ ጸሊም ባህሊ ዘየለ ባህሊ ጻዕዳ'ውን የለን።"
ኒውዮን፡ ኣብ መንጎ እቶም ብኻልእ ኣገባብ ብመሰረት ሕብሪ ቆርበት ክጥርነፉ ዝደልዩ ሰባት ዘሎ ባህላዊ ፍልልያት ብምምልካት፡ ዓሌትን ባህልን ከም ተለዋዋጢ ክሕሰቡ የብሎምን ክትብል ተማጒታ።
"ጸሊም ሕብሪ እምበር ባህሊ ኣይኮነን። ጸለምቲ ኣለዉ። ኢትዮጵያዊ ባህሊ ዝበሃል ኣሎ" ኢላ ጽሒፋ።
ኒውዮን ብተወሳኺ ኣውስትራልያ ኣሃዳዊት ባህሊ (monocultural) ኮይና ኣይትፈልጥን ዝብል ስነ-ሞጎታ ተኸላኺላ፡ ቅድሚ መግዛእቲ ዝነበሩ ኣማኢት ቀዳሞት ኣህዛብ ከምኡ’ውን ነዊሕ ታሪኽ ቻይናውያን ስደተኛታትን ኣፍጋኒስታናውያን ካሜለሪታት ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝነበሩ ኣመልኪታ።
ብዛዕባ ናተይነት ዝግበር ክትዕ
ኣብቲ መድረኽ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ጆን ኣንደርሰን ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያውያን ብዛዕባ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ገለ ጉጅለታት ባህልን ክብርታትን ኣውስትራልያ የኽብሩ ድዮም ዝብል ሕጋዊ ስክፍታታት ከምዘሎ ተማጒቱ።
ኣንደርሰን ነቶም ክብርታት ውልቃዊ ክብሪ፡ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊን ምፍላይ ዓለማውን ሃይማኖታውን ዘጠቓልሉ እዮም ክብል ገሊጽዎም።
ኒውዮን ኣውስትራሊያውያን ብዛዕባ ማሕበራዊ ምትእስሳር ዝህልዉ ስግኣታት ክጭነቑ መሰል ከምዘለዎም እኳ እንተኣመነት፡ እቲ ጉዳይ ዝቕረጸሉ ኣገባብ ግን በዲሃ።
ንሳ፡ እቲ ናይ ስደት ክትዕ ብዛዕባ ዓሌት ንዝግበር ዝርርባት ዝውክል ክኸውን ከምዝኽእል ብምምጓት፡ ንምንታይ መልክዕ ወይ ሕብሪ ሓደ ሰብ ኣብ ኣረኣእያታት ንዋንነቱ ክጸልዎ ከምዘለዎ ኣብ ሕቶ ኣእትያ።
"ንናተይነትና ከመይ ክመስል ከምዝኽእል ክንዛረብ ኣብ እንፍትነሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ የጋጥመካ፡ ዝበዝሕ ግዜ ድማ እቲ ተቓውሞ ድማ ካብ ከመይ ትመስል'ዩ ዝብገስ" ክትብል ትማሊ ሶኑይ ገሊጻ።
'ነዛ ሃገር አፍቅራ እየ'
ኒዩን ብዛዕባ ምስ ኣውስትራልያ ዘለዋ ዝተሓላለኸ ዝምድናን ኣቐዲማ ዝገለጸቶ መስርሕ ምስራዝ ዜግነት ኣውስትራልያውነታ ክትጅምር ምዃናን እውን ተዛሪባ።
ስድራኣ ካብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ሃዲሞም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝተወልደት ጠበቓ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነታ'ያ ናብ ኣውስትራልያ መጺኣ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኒውዮን፡ ነቲ ኣብ 2022 ብ"ኣገልግሎት ሰብኣዊ መሰላትን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታትን" ዝተዋህባ መዳልያ the Medal of the Order of Australia ምምላስ ክትጅምር ናብ ቤት ጽሕፈት ጋቨርነር ጀነራል ከምዝጸሓፈት ኣፍሊጣ።
"እዚ ካብቲ ካብ ኣውስትራልያ ወጺአ ምስዛ ሃገር ዘለኒ ርክብ ንምፍታሕ ዝወሰደኒ ቀስ ዝበለን ርግጸኛን መስርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ'ዩ" ክትብል ኣብቲ እዋን ጽሒፋ ነይራ።
ኒውዮን ንኣውስትራልያ "ኣዝያ ከም ተመስግናን" "ኩሉ ግዜ ዕዳ ከም ዘለዋን" እኳ እንተገለጸት፡ ውሳነኣ ግን ምስቲ ምስ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶርያን ወርክሴፍ (WorkSafe Victoria) ዘሕለፈቶ ተመኩሮታት ኣተሓሒዛቶ።
ኒውዮን ኣብ 2025 ካብ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶርያ ካብ ስርሓ ዝተኣልየት፡ ናይቲ ብ800 ሽሕ ዶላር ዝዋግኡ ፕሮጀክት ወርክሴፍ ቪክቶርያ፡ ኣብ ስራሕ ቦታ ንዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻል ዝዓለመ ትከታተል ኣብዝነበረትሉ እዋን፡ እቲ ፕሮጀክት ብሰንኪ ምድንጓያት፡ ዉጥረት ዝምድናታትን ጉዳያት ጸጋታትን ምስተሃስየ ካብቲ ፕሮጀክት ክትወጽእ ተገዲዳ።
ድሒሩ ሓደ ነጻ ገምጋሚ ኣብቲ ፕሮጀክት ዘይምርግጋእን ዘይግቡእ ምሕደራን ንዕውትነት እቲ መደብ ብግቡእ ክግምግም ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።
ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንኣውስትራልያ ከም እተፍቅራ፡ ንሳን ደቃን ኣብዚ ሃገር ንክጸንሑ ግን ፖለቲካዊ ኩነታት እዛ ሃገር ክጸልዎ ከም ዝኽእል ገሊጻ።
"ብዙሓት ስደተኛታት ነዛ ሃገር ብዕምቆት፡ ብዕምቆት ይፈትውዋ። ኣነ'ውን ነዛ ሃገር አፍቅራ እየ።ዋ" ትብል።
ኒውዮን ኣብቲ ድሕሪኡ ኣብ ሊንክድኢን ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ባህሊ ዝሃበቶ ርእይቶ ንጸርፊ ዝተሓሰበ ከምዘይኮነ ኣቐሚጣ።
For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

