ዋጋታት ግሮሰሪ ሰማይ ይዓርግ ፡ ክብሪ መንበሪ ገዛ ይወርድ - ኣብ እዋን ምውርራድ ግብሪ ከፈልቲ ግብሪ ክጥንቀቑ ቤ/ጽ ግብሪ ኣውስትራሊያ (ATO) የጠንቅቕ።

እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ ገንዘብ ዝተኣሳሰር ዝወጽእ ቀንዲ ዜናታትን ንዓኹም ዘለዎ ትርጉምን ።

A person browses products at a supermarket aisle with another person seen with a shopping basket in the background

Supermarket giants say they’re under pressure to raise grocery prices. Source: AAP / Con Chronis

ሰሉስ መጠን ወለድ ክውስኽ ከምዝኽእል ትጽቢት ምግባር፡

ኣብዚ ሰሙን "ዚ ዝወጸ ናይ መጠንቐቕታ ሓበሬታ ክብሪ ዋጋታት ወይ ዝቕባበ ልዕሊ ትጽቢት ሪሰርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ (RBA) ዝገብሮ ዒላማ እዩ ዘሎ ። ምስቲ ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ዘለና ነገራት ተደሚሩ ፡ ተወሳኺ ናይ ኤሌትሪክን ነዳዲን ክፍሊት ንኸፍል ኣለና ።

እዚ ዝለዓለ ወጻኢታት ኣብ ነዳዲ ድማ ነቶም ናብ ሱፐር ማርኬታት ዘቕርቡ ዝያዳ ወጻኢታት ስለዝሓተቶም ዋጋታት ናይቶም ኣብ ከብሕታት እዞም ዕዳጋታት ዝርከቡ ሸቐጣት ክውስኹ ደሪኹ ኣሎ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ፡ ንወጻኢታት ህንጻ እውን ይጸልዎ እዩ ዘሎ ፣ እዚ ከኣ ፡ ዋጋ መህነጺ ኣባይቲ ኣኽቢርዎ ይርከብ። በዚ ድማ ሓደስቲ ኣባይቲ ምህናጽ ኣዝዩ ክቡር ይገብሮ ።

ኣብ እዋን ምውርራድ ግብሪ ካብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራሊያ / ATO መጠንቀቕታ ቀሪቡ ኣሎ።

ብምኽንያት ዓቢ ምድያብ ዝቕባበ፡ ሪሰርቭ ባንክ (RBA) መጠን ወለድ ክውስኽ ክድርኾ እዩ፡

ኣብ ወርሒ መጋቢት ዋጋታቱ ብ4.6 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ወግዓዊ ሓበሬታ ምስወጸ ፡ ዝቕባበ ገንዘብ ብኡ ንብኡ እዩ ሰማይ ዓሪጉ ። ዕላማ RBA ዝቕባበ ካብ 2 ክሳብ 3 ሚኢታዊ ክኸውን እዩ ዝደሊ ።

ብዓቢ መጠን ነዚ ዝደረኸ ዋጋ ነዳዲ እዩ ነይሩ: ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዋጋ ነዳዲ ብ 33 ሚእታዊ እዩ ወሲኹ: እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2017 ምምዝጋብ ካብ ዝጀመረሉ እቲ ዝዓበየ ወሰኽ እዩ ። ዋጋታት ኤሌትሪክ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ 25 ሚእታዊት ደይቡ እዩ: እዚ ድማ ንመንበሪ ኣባይቲ እቲ ዝዓበየ ኣበርክቶ ብምግባር ኣብ ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዓቢ ረቛሒ ኮይኑ እዩ ።

እቲ መንግስቲ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዝነበረ ዝለዓለ ዋጋታት ነዳዲ ንምንካይ ዝገበሮ ምጉዳል ዋጋ ግብሪ (fuel excise) ፡ ኣብቲ ሓበሬታ ኣይተኻተተን ፣ እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ 1 ሚያዝያ እዩ ጀሚሩ ፣ ከም ሓቂ ግና ፡ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ፡ እቲ ወሰኽ ድሮ ዓቢ ነይሩ እዩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካልኦት ዓለምለኻዊ ባንክታት ከም፡ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፡ ዩናይትድ ኪንግደም ፡ ኤውሮጳን ጃፓንን ዝኣመሰላ ሃገራት መጠን ሸርፊ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዘይኰነስ ፡ ክኢላታት ነቲ ዝለዓለ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ንምግታእ ፡ ሪሰርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ኣብ ሰሉስ ንሳልሳይ ግዜ መጠን ወለድ ከልዕሎ ምዃኑ ኪኢላታት ይጫበጡ ኣለዉ ።

A graph showing the increase in the annual inflation rate, which has climbed to 4.6 per cent in March.
Growth in housing (6.5 per cent) and clothing (7.0 per cent) have also driven monthly inflation.

ዋጋታት ሸቐጥ ክውስኹ ኣብ ጥሕቲ ጸቕጢ ከምዝርከቡ ሱፐርማርኬታት ይገልጹ፡

ዓርሞሸሽ ሱፐርማርኬታት ፡ ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኽ ዋጋ ነቲ ኣቕሓ ንምጕዕዓዝ ዝለዓለ ወጻኢታት ዘውጽኡ ዘለዉ ኣቕረብቲ ነዚ ንምትካእ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ክውስካ ይግደዳ ምህላወን ይገልጻ ።

ኮልስን ዉልወርዝን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ርብዒ ዓመት ኣብ አቕረብዎ ናይ መሸጣ ውጽኢት ንገለ ወጻኢታቶም ክጾርዎ ይፍትኑ ምህላዎም ይገልጹ ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዋጋታት ዝግበር ናይ ምቁጽጻር መርመራታት ከምኡ ክገብሩ ትጽቢት ዝግበር እዩ ።

ዋጋ ሱፐርማርኬት ኣብ ዉልወርዝ ክሳዕ መጋቢት ኣብ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ ብ 1 ሚእታዊት ክጎድል ከሎ፡ ኣብ ኮለስ ግን 0.8 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ወሪዱ ፡ ይኹን እምበር ፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ክብርታት ዋጋ ምግቢ ንምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም እዮም ።

ምልክታት ምርግጋእ ዕዳጋ ገዛውቲ፡

ዕዳጋ ገዛ ኣውስትራሊያ ክቕየር ምጅማሩ ሓድሽ መሐበሪታት ኣለው ።

ካብ Cotality ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዋጋ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ሲድኒን መልበርንን ብ 0.6 ሚኢታዊ ክጎድል ከሎ ብ ሃገር ደረጃ ዋጋታት ግን ዕብየቱ ናብ 0.3 ሚኢታዊ ከምዝዘሓለ ይሕብር ።

እዚ ድማ ገምጋም ዋጋ ናብ ከባቢ 940,000 ዶላር ከም ዝበጽሕ ገይርዎ ኣሎ: ፍጥነት ዕቤት ግን ፈዂሱ እዩ ።

ገሊኦም ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ መጠን ወለድ ክውስኽ ትጽቢት ኣብዝግበረሉ እዋን ፡ ምጅማር ሓፈሻዊ ቁጠባዊ እዩ ።

ብኻልእ ወገን ናይቲ ገጽ፡ ዝለዓለ ወጻኢታት ምህናጽ ኣባይቲ ፡ንምህናጽ ኣባይቲ ኬደናጕዮን ዋጋታት ከይወርድ ጸቕጢ ኺገብር ይኽእል እዩ ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዘውጽኦ ሓበሬታ ፡ ንሓደስቲ ኣባይቲ ዝኸውን ዋጋታት ናይ ነሓሲ (ኮፐር) ቱቦታትን መላገቢታትን ንኣብነት ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክሳብ መጋቢት ፡ ብ 14.5 ሚእታዊት ወሲኹ ።

A chart showing median house prices
Source: SBS

ምውርራድ ግብሪ ኣብዝመጸሉ፡ ዘይተገልጸ ኣታዊታት ከይህሉ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራሊያ ATO ዒላማ ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ፡

መወዳእታ ናይ ፊናንሲያዊ ዓመት ኣብዝቕርበሉ ዘሎ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራሊያ ፡ ኣብቶም ልሙዳት ጌጋታት ብደቂቕ ክምርምር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቲ ጠመተ ኣብ ዘይቅኑዕ ምስ ስራሕ ዝተሓሓዙ ምጉዳል ኣታዊታትን ዘይግለጽ ወይ ሪፖርት ዘይግበር ኣታዊታትን ክኸውን እዩ ፣ ከም ካብ ጎድናዊ ኣታዊታትን ፡ ብካሽ ዝርከብ ኣታዊ ስራሕን ወፍርን ዝርከብ ኣታዊታት ብፍሉይ ትኹረት ክግበረሎም ምዃኑ መጠንቀቕታ ቀሪቡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ግብሪ ኣውስትራሊያ ( ATO ) ሰለስተ ኣገደስቲ ሕግታት ንሰባት የዘኻኽር ኣሎ ፡ ወጻኢታት ምስ ኣታዊኻ ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ ፡ ብውልቂ ክኽፈል ኣለዎ ከምኡ 'ውን ከም ቅብሊት ዝኣመሰለ መዝገብ ክምላእ ኣለዎ ።

ብዛዕባ ብ ኦንላይን ዝዝርጋሕ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ዘሎ ሻቕሎት እውን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ ። እቲ ተቘጻጻሪ ከምዘጠንቅቖ ኣብ ዙርያ እቲ ካብ AI ብ 'finfluencers' ተባሒሉ ዝጽዋዕ ዘይተጻረየ ማዕዳ ሓደገኛ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ: እዚ ድማ ሰባት ዘይቅኑዕ ጠለብ ከም ዘቕርቡ ክገብሮም ይኽእል እዩ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


4 min read

Published

By Ricardo Goncalves

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now