ብኸቢድ ህዝባዊ ተቓዉሞን ናዕብን ዝተገብረ ምርጫ ትንዛንያ፡ ፕረሲደንት ሳምያ ሓሰን ብገፊሕ ከምዝተዓወተት ተነጊሩ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ታንዛንያ እተፈጥረ ጎንጺ "ዓሚቝን ዘይሻራውን መርመራ" ክግበር ጸዊዑ ኣሎ ።

People protest in the streets of Arusha, Tanzania

The first death toll from an international body came early Friday when the United Nations said it had "credible reports" of 10 people killed during the election campaign, while Amnesty International said it had information of at least 100 killed. Source: AP / AP

ኮሚሽን ምርጫ ታንዛንያ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: 98 ካብ ሚእቲ ድምጺ ብምርካብ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ከም እተዓወተት ገሊጹ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓያል ተቓውሞታት ዘለዓዓለ ምርጫ ከም እተኻየደ ይፍለጥ ።
ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እታ ኣብ 2021 ስልጣን ካብቲ ቅድሚኣ ዝነበረ ብሞት ምስ ተፈለየ: ስልጣን ሒዛ ዝጸሐት ሳምያ ሓሰን ነታ 68 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩላ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሓሙሽተ ዓመት ክትመርሕ ክገብር እዩ።
ኣብቲ ረቡዕ ንፕረዚደንትን ንፓርላማ "ታ ሃገርን ድምጺ ዝወሃበሉ ዝነበረ፡ ተቓውሞታት ተላዒሉ ፣ ገለ ሰልፈኛታት ነቲ ናይ ሳሚያ ሓሰን ባነራት ቀዳዲዶም ፡ ንመንግስታዊ ህንጻታት ሓዊ ኣጒዶም ፡ ፖሊስ ድማ ዘንብዕ ጋዝን ተዅስን ከም ዝተኮሰን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ።
እቶም ሰልፈኛታት ንክልተ ዓበይቲ ን ሳሚያ ሓሰን ብድህዋ ዝኽእሉ ተወዳደርቲ ካብቲ ምርጫ ምስራዙ ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ምርጫ ሓርቖቶም ክገልጹ ቀንዮም ።
ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ታንዛንያ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብቲ ተቓውሞ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉ ክገልጽ ከሎ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣብ ሰለስተ ከተማታት ብውሕዱ 10 ሰባት ከም እተቐትሉ ዝሕብር ዘተኣማምን ጸብጻብ ከም ዘሎ ሓቢሩ ።
እቲ መንግስቲ ንብሰልፊ ተቓዋሚ ዝተገልጸ ብዝሒ ምዉታት "ዝተጋነነ" ብምባል ነጺግዎ እዩ: ነቲ ብብ ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዘሎ ነቐፌታ እውን ነጺግዎ እዩ ።
ኮሚሽን ምርጫ ፡ ፕረሲደንት ሓሰን ልዕሊ 31.9 ሚልዮን ድምጺ ወይ 97.66 ሚእታዊት ድምጺ ከም ዝረኸበት ፡ እዚ ድማ ካብቶም 37.6 ሚልዮን ምዝጉባት ኣድመጽቲ እታ ሃገር 87 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ገሊጹ ።
ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድምጹ ክህብ ዝወጸ ህዝቢ ትሑት ከም ዝነበረን ገለ ነቚጣታት መድመጺ ብተቓወምቲ ከም እተበተነን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ ።
ሰበ-ስልጣን ታንዛንያ ፡ ን ሰለስተ መዓልቲ ፡ ብደረጃ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ፡ መስመር ኢንተርነት እውን ኣጊዶም ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ታቢት ኮምቦ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ኣገልግሎት ጸጥታ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ይጥቀም ነይሩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ እዩ ፡ ብሰንኪ ገበናዊ ባእታታት ዝሰዓበ "ኣዝዩ ውሑድ ፍጻመታት" ጥራይ እዩ ክብ ኣቃሊልዎ።
ዋና ጸሓፊ ው.ሕ.ሃ. ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዓርቢ ብወሃቢ ቃሉ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ንዅሉ እቲ ምጥቃም ሓይሊ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ምሉእ መርመራ ብነጻ ኣካል ክግበር " ድሕሪ ምጽውዑ ነቲ ዝጠፍአ ህይወት ድማ ሓዘኑ ገሊጹ ።
ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ታንዛንያ CHADEMA ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉ ገሊጹ ኣሎ ።
"ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና እዋን ፡ ኣብ ዳር ኤሰላም ጥራይ ፡ ብዝሒ ዝተቐትሉ ኣስታት 350 ክኸውን ከሎ ፡ ኣብ ሚዋንዛ ድማ ልዕሊ 200 ይበጽሕ። ኣብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር ዝርከብ ኣሃዛት ምስተወሰኾ ፡ እቲ ቝጽሪ ኣስታት 700 " ከም ዝዀነ ኣፈኛ ቻድማ ጆን ኪቶካ ንማዕከናት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ።

ብዛዕባ ሳምያ ሓሰን ዝቐርብ ዘሎ ክስታት

ጓል 65 ዓመት ሳምያ ሓሰን ፡ ኣብ 2021 ካብት ቅድሚኣ ዝነበረ ፕረአሲደንት ጆን ማጉፉሊ ስልጣን ድሕሪ ምሓዛ ፡ነቲ ቅድሚኣ ዝነበረ መራሒ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ስልጣኑ ዝወርድ ዝነአረ ግፍዒ ከምዘቕለለቶ ክትነኣድ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግና ብተኸታታሊ ንዝቃወሙዋ ኣባላት ሰልፍታትን ነጠፍትን ብተኸታታሊ ብምእሳርን ምጭዋይን ክትውቀስ ጸኒሓ ኣላ።
ነቲ ሰፊሕ ናይ መሰላት ግህሰታት ኣለዋ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ ኣላ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ብዛዕባ ኣሰቃቒ ተግባራት ዝገልጽ ጸብጻብ መርመራ ክካየድ ከም ዝኣዘዘት እኳ እንተገለጸት ፡ ዛጊት ግን ዝዀነ ወግዓዊ ርኽበታት ኣይተገልጸን ።
ኣብ እዋን እቲ ጎስጓሳት ምርጫ ፡ ነቲ ኣብ ምስፋሕ መርበባት መገዲ ባቡርን ፡ ናይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዓቕሚ ክብ ክብል ዝፈጸመቶ ዕማማት ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ ።

ሰልፊ ቻዴማ (CHADEMA ) ኣብቲ እዋን ምርጫ ተቓውሞ ክግበር ከም ዝጸውዐ ይፍለጥ ።
ሰልፊ ቻዴማ (CHADEMA ) ን ስርዓተ ኣካይዳ ምርጫ ምፍራም ምስ ኣበየ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብቲ ምርጫ ከይሳተፍ ተኣጊዱ፡ መራሒ እቲ ሰልፊ ቱንዱ ሊሱ ብኽሕደት ሃገር ተኸሲሱ ።
እቲ ኮሚሽን ነቲ ሕጹይ ተወዳዳሪ ናይ ተቓዋሚ ፓርቲ ACT-Wazalendo, እውን ብምእጋዱ: ንኣሽቱ ፓርትታት ጥራይ እዮም ኣንጻር ሳምያ ሃሰን ተወዳዲሮም ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

Source: Reuters

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service