ሚሊዮናት ኣውስትራሊያዊያን ብሰንኪ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንቡር ምንቅስቓሳቶም ተጸልዩ፡ ኣቕራቢ ኢንተርነት ኦፕተስ ነቲ ጸገም ክፈልጦ ይምርምር።

ኦፕተስ ነቲ ንዓማዊል ጸልዩ ዝርከብ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኢንጂኔራት ይምርምርዎ ኣለዉ ኢሉ።

An Optus logo and 'Yes' sign amidst black balloons.

ኣብ ምሉእ ሃገር ብ ኦፕተስ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምቁራጹ ኣገልግሎታት ሞባይልን ኢንተርነትን ተጸልዩ። Source: Getty / Brendon Thorne

ኦፕቱስ ብደረጃ ሃገር ኣገልግሎቱ ስለ ዘቋረጸ ፡ ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ናይ ኣውስትራልያ ዓማዊልን ትካላትን ኣገልግሎት ሞባይልን ኢንተርነትን ክረኽቡ ተጸጊሞም ።

ኦፕቱስ ብረቡዕ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ፡ መሃንድሳቱ ንዓማዊል ጸልዩ ዝርከብ ምቁራጽ ኣገል፡ግሎት ኢንተርኔት ናይ መርበብ ብልሽት እንተጋጢሙ የጻርዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ ።

ተጠቀምቲ ብተንቀሳቓሲ ተለፎንክድውሉ ኮነ ጻዊዒት ክቕበሉ ኣይከኣሉን ዘለዉ። ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎታት'ውን ተቛሪጹ ይርከብ።

እቲ ምቁራጽ፡ ሆስፒታላትን ኣገልግሎታት ባቡር ቪክቶሪያን ጸልዩ ይርከብ።

ኣገልግሎት ባቡር መልቦርን ብምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኦፕቱስ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ናይ ረቡዕ ከምዝተቛረጸ ተፈሊጡ ።

ብሰንኪ ኣብ መስመር ባቡር ዘጋጥም ናይ መራኸቢ ምቁራጽ ፡ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ዝውሃብ ኣገልግሎት ባቡር ካብ ከባቢ ሰዓት 4.30 ቅ.ቀ ደው ኢሉ ።

ናይ ሜትሮ ባቡራት ሰዓት 6 ንግሆ ክቕጽል ጀሚሩ ፡ እንተኾነ ግን ናይ ንግሆ ደው ኢሉ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ምምዝባላት ኣገልግሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ክፍሊ መጓዓዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣገልግሎት ብዙሕ ምድንጓያት ክህሉ እዩ: ጉዕዞታት ብባቡር ናብቲ ስሩዕ መደብ ክምለስ ዕንቅፋታት ኣሎ" ።

"ንተሳፈርቲ ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎት ለውጥታትን ምስራዝ ኣገልግሎታትን ሓበሬታ ንምርካብ ፡ ነቲ ናይ PTV ኣፕሊኬሽን ወይ ዌብሳይት ክርእዩ ንሓትቶም ኢና ።"

ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሆስፒታላት ናይ ጥዕና ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍልን መስመራት ቴሌፎን ብሰንኪ ምቁራጽ ኦፕቱስ ተዓጽዩ እዩ።


Share

1 min read

Published

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now