Explainer

ፓነቶነ፡ ኣብ ቅነ ልደት ከም ዉህብቶ ዝወሃብ ምቁር ሕብስቲ።

ፓነቶነ ኣብ ኢጣልያን ኣብ ብዙሕ ክፋል ዓለም ኣብ በዓል ልደት ብዙሕ ሰብ ዘፍቅሮን ናይ ዉህበትን ሕብስቲ እዩ: ብዛዕባ'ዚ ሕብስቲ እንታይ ንፈልጥ፧

Capture.JPG

The Milanese panettone is loved world over. Source: PaRi Pasticceria Credit: PaRi Pasticceria

ኢጣልያውያን ነዚ ካብ ሚላኖ ዝመበቆሉ ድሕሪ ቀንዲ መግቢ ወይ ዲሰርት ዝቐርብ ምቁር ሕብስቲ ፓናቶነ ንዘመናት ዝፈትውዎ ኣካል ባህሎ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ ። ካብ ጠስሚ ፡ ጸባ ፡ እንቋቑሖን ዝነቐጸ ፍሩታታትን እዩ ዝስራሕ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ኣብ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይብላዕ ። ይኹን እምበር ፡ በዓል ልደት ካብ ምምልካት ንላዕሊ ፡ ኣካል ባህሊ ኢጣልያ እዩ ።

ታሪኽ ፓነትነ

ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ታሪኽ ፓናቶነ ዝምልከት ብዙሕ ኣብ ሓቂ ዝምርኮስን ኣፈ-ታሪኽን ኣሎ ።

 ሓደ እዋን ፡ ስርናይ ከም ብሉጽን ናይ ርኹባትን እኽሊ ጌርካ እዩ ዝርአ ነይሩ ። ኣብ ሚላኖ ኣብ መበል 14ን 15ን ዘመን በዓል ልደት ብፍሉይ ቅጫ ስርናይ ይበዓል ነበረ ። ብ1395 ኣብ በዓል ልደት ዝቐርብ ምቁር ሕብስቲ ስርናይ ኩሉ ምእንቲ ኸስተማቕሮ ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕቲ ሕብስቲ ወይ እንዳ ፎርኖ ኣብ ሚላኖ pan de ton (ሕብስቲ ምሾት) ክስንክቱ ተኣዚዞም ነበሩ ።

ዛንታ ናይ ኡጌቶን ኣዳልጊሳን ዝተባህሉ መንእሰያት ፍቑራት ዝምልከት ታሪኽ እውን ኣሎ ፣ እዞም ፍቑራት እዚኣቶም ፡ ብሰንኪ ስድራ ቤት ኣዳልጊሳ ምስንካት ባኒ ዘይምኽኣሎም፡ ፍቕሮም ተኸልከለ ። ብድሕርዚ ኡግሀቶ ኣብቲ እንዳ ፎርኖ ባኒ ክሰርሕ ጀመረ ፣ ኣብኡ ከኣ ነቲ ሕጂ ከም ፓናቶነ እንፈልጦ ፍሉይ ምቁር ሕብስቲ ሰንከተ ። እቲ ምቁር ሕብስቲ ዕዉት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኸይጸንሐ: ናይ ፍቕሪ ሕብስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕን እቶም ፍቑራት ክምርዓዉ ተፈቕደሎምን።

ይኹን እምበር ፡ እቲ ኣዝዩ ዘዘናግዕ ታሪኽ ፡ ቶኒ ዝስሙ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ሉዶቪኮ ኢል ሞራ ኣብ ክሽነ ዝሰርሕ ቆልዓ፡ ሉዶቪኮ ማሪያ ሶፎዛ ፡ መስፍን ሚላኖ ተባሒሉ እውን ዝፍለጥ እዩ ። ቶኒ ነቲ ኣብ እዋን ልደት መስፍን ዝነበረ ድግስ ድሕሪ ክሓርቕ ምግባሩ ፡ ብሃንደበት በቲ ዝነበሮ ሓርጭ ፡ እንቋቑሖ ፡ ሽኮርን ሱልታንን ካልእ ነገር ፍልይ ዝበለ ሕብስቲ ክስንክት ከኣለ ። ከም ውጽኢቱ ድማ ፡ ነቲ መስፍን ባህ ኣቢሉ ዝረኣዮ ልስሉስን ጥዑምን ቅጫ ፡ ካብቲ ዝቐረበ ምግቢታት እቲ ዝተመርጸ ምቁር እንጌራ ኰነ ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ዓይነት ምቁር ሕብስቲ ፡ "ፓን ዴ ቶኒ" ወይ ፓናቶነ ዝብል ስም ወጾ ።

 ክሳብ ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ፡ ሰንካቲ ሕብስቲ ኣንጀሎ ሞታ ካብ ሰሜናዊት ከተማ ኢጣልያ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ ዓለም ምፍላጡ ፓናቶነ ናይ ሚላኖ ፍሉይ ሕብስቲ ኮይኑ ጸኒሑ ። ብ1919 ፡ ሞታ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ቪያ ደላ ቺየሳ ፡ እንንዳ ሕብስቲ ምስ ከፈተ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብኸመይ ነቲ ሕብስቲ ከም ዝሰፍሕ ፈለጠ ። ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ፓናቶነ ብብዝሒ ክፈሪ ጀመረ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓሊፍይ ኣብ መላእ ዓለም ተፈታዊ ኮነ ።

ፓንዴቶነ ኣብ በዓል ልደት ክብላዕ ከሎ ዝዝውተር እኳ እንተኾነ ፡ ናይ ሚላኖ ፌስታ ግና ነቲ ፓንዴቶነ ክሳብ 3 ለካቲት የጽንሕዎ ። ፌስታ ዲ ሳን ባያጂዮ ማለት ፌስታ ናይ ቅዱስ ብሌዝ ማለት እዩ ። ብዙሓት ሰባት ንኽብሪ እቲ ሓላዊ ናይ ጎሮሮ ሕማም ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ብሌዝ ፡ ካብ እዋን በዓል ልደት ፓናቶነ ከምዝጸንሕ ይግበር ።

ቅዲ ፓነት

ንዘመናት ዝኣክል ፡ ነቲ ተረፍ መረፍ ዝጥቀሙሉ ሓዊስካ ፡ በብዓይነቱ ፓናቶነ ይፈሪዕ ኣሎ ።
ነቲ ኣብ በዓል ልደት ዝዳሎ ብዙሕ ዘመናዊ ሕብስቲ ጠስምን ካልእ ነገራት ዝተሓወሶ ውቁብ ቅጫ ተወሳኺ ዘመናዊ ጣዕሚ ኣልቢስዎ ይርከብ ።


Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ፓነቶነ፡ ኣብ ቅነ ልደት ከም ዉህብቶ ዝወሃብ ምቁር ሕብስቲ። | SBS Tigrinya