ኢጣልያውያን ነዚ ካብ ሚላኖ ዝመበቆሉ ድሕሪ ቀንዲ መግቢ ወይ ዲሰርት ዝቐርብ ምቁር ሕብስቲ ፓናቶነ ንዘመናት ዝፈትውዎ ኣካል ባህሎ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ ። ካብ ጠስሚ ፡ ጸባ ፡ እንቋቑሖን ዝነቐጸ ፍሩታታትን እዩ ዝስራሕ ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ኣብ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይብላዕ ። ይኹን እምበር ፡ በዓል ልደት ካብ ምምልካት ንላዕሊ ፡ ኣካል ባህሊ ኢጣልያ እዩ ።
ታሪኽ ፓነትነ
ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ታሪኽ ፓናቶነ ዝምልከት ብዙሕ ኣብ ሓቂ ዝምርኮስን ኣፈ-ታሪኽን ኣሎ ።
ሓደ እዋን ፡ ስርናይ ከም ብሉጽን ናይ ርኹባትን እኽሊ ጌርካ እዩ ዝርአ ነይሩ ። ኣብ ሚላኖ ኣብ መበል 14ን 15ን ዘመን በዓል ልደት ብፍሉይ ቅጫ ስርናይ ይበዓል ነበረ ። ብ1395 ኣብ በዓል ልደት ዝቐርብ ምቁር ሕብስቲ ስርናይ ኩሉ ምእንቲ ኸስተማቕሮ ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕቲ ሕብስቲ ወይ እንዳ ፎርኖ ኣብ ሚላኖ pan de ton (ሕብስቲ ምሾት) ክስንክቱ ተኣዚዞም ነበሩ ።
ዛንታ ናይ ኡጌቶን ኣዳልጊሳን ዝተባህሉ መንእሰያት ፍቑራት ዝምልከት ታሪኽ እውን ኣሎ ፣ እዞም ፍቑራት እዚኣቶም ፡ ብሰንኪ ስድራ ቤት ኣዳልጊሳ ምስንካት ባኒ ዘይምኽኣሎም፡ ፍቕሮም ተኸልከለ ። ብድሕርዚ ኡግሀቶ ኣብቲ እንዳ ፎርኖ ባኒ ክሰርሕ ጀመረ ፣ ኣብኡ ከኣ ነቲ ሕጂ ከም ፓናቶነ እንፈልጦ ፍሉይ ምቁር ሕብስቲ ሰንከተ ። እቲ ምቁር ሕብስቲ ዕዉት ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኸይጸንሐ: ናይ ፍቕሪ ሕብስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕን እቶም ፍቑራት ክምርዓዉ ተፈቕደሎምን።
ይኹን እምበር ፡ እቲ ኣዝዩ ዘዘናግዕ ታሪኽ ፡ ቶኒ ዝስሙ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ቤተ መንግስቲ ሉዶቪኮ ኢል ሞራ ኣብ ክሽነ ዝሰርሕ ቆልዓ፡ ሉዶቪኮ ማሪያ ሶፎዛ ፡ መስፍን ሚላኖ ተባሒሉ እውን ዝፍለጥ እዩ ። ቶኒ ነቲ ኣብ እዋን ልደት መስፍን ዝነበረ ድግስ ድሕሪ ክሓርቕ ምግባሩ ፡ ብሃንደበት በቲ ዝነበሮ ሓርጭ ፡ እንቋቑሖ ፡ ሽኮርን ሱልታንን ካልእ ነገር ፍልይ ዝበለ ሕብስቲ ክስንክት ከኣለ ። ከም ውጽኢቱ ድማ ፡ ነቲ መስፍን ባህ ኣቢሉ ዝረኣዮ ልስሉስን ጥዑምን ቅጫ ፡ ካብቲ ዝቐረበ ምግቢታት እቲ ዝተመርጸ ምቁር እንጌራ ኰነ ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ዓይነት ምቁር ሕብስቲ ፡ "ፓን ዴ ቶኒ" ወይ ፓናቶነ ዝብል ስም ወጾ ።
ክሳብ ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ፡ ሰንካቲ ሕብስቲ ኣንጀሎ ሞታ ካብ ሰሜናዊት ከተማ ኢጣልያ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ ዓለም ምፍላጡ ፓናቶነ ናይ ሚላኖ ፍሉይ ሕብስቲ ኮይኑ ጸኒሑ ። ብ1919 ፡ ሞታ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ቪያ ደላ ቺየሳ ፡ እንንዳ ሕብስቲ ምስ ከፈተ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብኸመይ ነቲ ሕብስቲ ከም ዝሰፍሕ ፈለጠ ። ነዊሕ ኸይጸንሐ ፡ ፓናቶነ ብብዝሒ ክፈሪ ጀመረ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓሊፍይ ኣብ መላእ ዓለም ተፈታዊ ኮነ ።
ፓንዴቶነ ኣብ በዓል ልደት ክብላዕ ከሎ ዝዝውተር እኳ እንተኾነ ፡ ናይ ሚላኖ ፌስታ ግና ነቲ ፓንዴቶነ ክሳብ 3 ለካቲት የጽንሕዎ ። ፌስታ ዲ ሳን ባያጂዮ ማለት ፌስታ ናይ ቅዱስ ብሌዝ ማለት እዩ ። ብዙሓት ሰባት ንኽብሪ እቲ ሓላዊ ናይ ጎሮሮ ሕማም ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ብሌዝ ፡ ካብ እዋን በዓል ልደት ፓናቶነ ከምዝጸንሕ ይግበር ።
ቅዲ ፓነት
ንዘመናት ዝኣክል ፡ ነቲ ተረፍ መረፍ ዝጥቀሙሉ ሓዊስካ ፡ በብዓይነቱ ፓናቶነ ይፈሪዕ ኣሎ ።
ነቲ ኣብ በዓል ልደት ዝዳሎ ብዙሕ ዘመናዊ ሕብስቲ ጠስምን ካልእ ነገራት ዝተሓወሶ ውቁብ ቅጫ ተወሳኺ ዘመናዊ ጣዕሚ ኣልቢስዎ ይርከብ ።