'መዘና ዘይርከቦ ጀግና': -ሊቀ-ጳጳሳት ደዝሞን ቱቱ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

ዜና ዕረፍቶም ብፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ሎሚ ተነጊሩ።

Desmond Tutu

Desmond Tutu, who died on Sunday. Source: EPA

ሊቀ-ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቱ ፡ ተሸላሚ ሽልማት ኖበል ፡ ከምኡ 'ውን ገዲም ተቓላሳይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር መንግስቲ ንኡሳን ጸዓዱ ፡ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኦም ብሰንበት ከም ዓረፉ ተገሊጹ።

ብ1984 ሊቀ ጳጳስ ቱቱ ኣንጻር ኣፓርታይድ ብዝገበርዎ ሓያል ተቓውሞ ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ተዓዊቶም'ዮም።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመት ቃልሲ፡ መወዳእታ ናይቲ ስርዓት ብዓይኖም ዝረኣዩን ፣ ድሕሪ ውድቀት ኣፓርታይድ ኣብቲ እዋን እቲ ንዚፍጸም ዝነበረ ዘይጽወር ግፍዒ ዘቘመ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝመርሑ'ዮም።

ቱቱ ብግህዶ ዝዛረቡ ፡ ብጸሊምን ጻዕዳን ናይታ ሃገር ከም ሕልና ዝቑጸሩ፡ ነታ ዝተኸፋፈለት ሃገር ብእምነትን መንፈስን ዕርቂ ንኽወርድ ዝሰርሑ'ዮም።
ኣብ መወዳእታ 1990ታት መንሽሮ ጽኪ ከም ዘለዎም ተፈልጠ: ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከኣ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ሕክምና መንሽሮ ንዝጸንሖም ረኽሲታት ንምሕካም ኣብ ሆስፒታል ጸኒሖም'ዮም።

ፕረዚደንት ስይሪል ራማፎሳ ፡ "ሊቀ ጳጳሳት ደዝሞንድ ቱቱ ምሕላፉ ፡ ነቶም ሓራ ዝወጸት ደቡብ ኣፍሪቃ ክውን ካብዝገበሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ፡ ኣብ ሃገርና ካልእ ምዕራፍ ሓዘን እዩ" በለ ።

"ደዝሞንድ ቱቱ መዳርግቲ ዘይነበሮ ሓርበኛ እዩ ነይሩ ።"
Former South African president Nelson Mandela holding hands with former Bishop Desmond Tutu
Desmond Tutu and Nelson Mandela. Source: The Star Tribune


እቲ ፕረዚደንት ፡ ጠንቂ ሞት ናይ ዴዞምን ቱቱ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝር ኣይገለጸን ።

ድሕሪ ምዝዛሙ እውን ከይተረፈ ሚስተር ቱቱ ኣንጻር እቶም ጸዓዱ ውሑዳን ይሰብኩ ነበሩ: ፍትሓዊ ዝዀነ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ቃልሶም ኣየቋረጸን: ነቶም ጸለምቲ ፖለቲካውያን ከይተረፈ ከምቲ ነቶም ጸዓዱ ዝነበሮም ዓይነት ድኻም ገይሮም ተቓሊሶሞም እዮም።

ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ዕድሚኦም ፡ እቲ "ቀስተ ደመናዊት ሃገር" ንኽትህሉ ዝነበሮም ሕልሚ ክፍጸም ብዘይምኽኣሉ ሕጉስ ኣይነበሩን ።

"ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መበል 90 ዓመት ሎሚ ንግሆ ኣብ ኬፕ ታውን ኣብ ዝርከብ ናይ ኦኣሲስ ፍሪል ኬር ማእከል ብሰላም ዓሪፉ" ብምባል ዶ/ር ራምፌላ ማምፌሌ ኣቦ ወንበር ናይቲ ሊቀ-ጳጳስ ደዝሞንድ ቱቱ ኣይፓውልን ናይቲ ሊቀ-ጳጳስ ኮ-ኦፌን ኣብ ክንዲ ስድራቤት ቱቱ መግለጺ ሂቦም ።

ሊቀ ጳጳስ ቱቱ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብቲ ኣብ ኬፕ ታውን ዝርከብ ናይ ቀደም ቤተ-ክርስትያኑ ፡ ቤተ-ክርስትያን ስቲ ጆርጅ ፡ ኣብ ካቴድራል ኬፕ ታውን ዝርከብ ብተሽከርካሪ ዓረቢያ ተራእዮም ኔሮም።

Desmond Tutu with an End Apartheid t-shirt
Bishop Desmond Tutu displaying an "End Apartheid" T-shirt at New York's City Hall in 1986. Source: AP
"ናይ ሃገር ሞራል ኮምፓስ" ተባሂሎም ዝጽውዑ ቱቱ ፡ ትብዓቶምን ንማሕበራዊ ፍትሒ ምጥባቖምን ቅድምን ድሕሪን ኣፓርታይድ ስም ዘትረፉ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም መቓልስቱ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ዘሎ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ ድኽነትን ዘይማዕርነትን ንምጥፋእ እተማባጽዑሉ መብጽዓ ብዘይምፍጻሞም ጉሁይ ኔሮም።
ብ1980ታት ደኺመ ኸይበሉ ይዛረቡን ይጓዓዙን ነበሩ ፣ ከም ኔልሰን ማንዴላ ዝኣመሰሉ ብዙሓት መራሕቲ ANC ኣብ ማእሰርቲ ኣብዝነበርሉ እዋን፡ ኣንጻር ኣፓርታይድ ኣብዝግበር ዝነበረ ቃልሲ መርኣያ ናይቲ ቃልሲ ነበሩ ።

'ዘሕዝን ሞት'

ናይ ሓዘን መልእኽቲታት ካብ መላእ ዓለም ይፈስስ ኣሎ።

ሊቀ-ጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ወልቢ ንሚስተር ቱቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ፡ "ነብይን ኻህንን ፡ ናይ ቃላትን ተግባርን ሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ከሎ ፡ ብሪጣንያዊ ቢልዮነር ሪቻርድ ብራንሰን ድማ ኣብ ብሎግ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፡ "ዓለም ሓደ ዓቢ ሰብ ስኢና ኣላ ። ተባዕ መራሒ ፡ ዘደንቕ ደስታን ዓሚቝ ሓሳባትን ናይ ቀረባ ዓርክን እዩ ነይሩ "በለ ።

Archbishop Desmond Tutu addressing the Nelson Mandela Freedom Rally in Hyde Park, London.
Archbishop Desmond Tutu addressing the Nelson Mandela Freedom Rally in Hyde Park, London. Source: Press Association
ንነዊኅ እዋን ዓርኪ ሚስተር ማንዴላ ዝነበሩ ጳጳስ ቱቱ: ክልቲኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ከተማ ሶዌቶ ኣብ ዝርከብ ሓደ ጐደና ይነብሩ ነበሩ: በዚ ከምዚ ድማ ቪላካዚ ስትሪት ኣብ ዓለም ክልተ ናይ ሰላም ኖበል ዝኾኑ ሰባት ኣአንጊዱ ነበረ።

ሓደ እዋን ሚስተር ማንዴላ ብዛዕባ ሊቀ ጳጳስ ቱቱ ክዛረብ ከሎ ፡ "እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ባህርዩ ፡ ብዘይ ፍርሒ ፡ ብብዙሓት ዘይፍቶ ቦታ ክሕዝ ድሉው ምዃኑ እዩ" በለ ። "ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣእምሮ ናጽነት: ነቲ እናሰሰነ ዝኸይድ ዘሎ ደሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ ።"

ወዲ 39 ዓመት ጠበቓ ኣብ ኬፕ ታውን ኣንጊሁ እናገስገሰ ነቲ ዜና ዕረፍቲ ቱቱ ምስሰምዐ፡ " ኣሪጉ ንሃገሩ ብጽቡቕ ኣገልጊሉ እዩ ሓሊፉ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ገጠርን ዓለምን ጸገም መሪሕነት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን ምሕላፉ ኣዝዩ ዘሕስብ ሞት እዩ" በለ ።


Share

Published

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service