መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብናጻ ዝውሕዘሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ” ምኽንያት ኢሉ ምስ ሓይሊታት ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ።
እቲ መግለጺ “ተቐናቐንቲ ትግራይ” ዝበሎም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ ኔሩ።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ትግራይ “ብምኽንያት ጊዝያዊ ተጻብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ።
ፖለቲካዊ ጸገማት ብሰላም ክፍትሑ ከምዘለዉ ካብ ፈለማ ከምዝደሊን “ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ቁሩባትን ድሉዋትን ምዃኖም፥ ኣፍቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።” ብምባል ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኲናት ዝተጸገመ ህዝብና ንምሕጋዝ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተልኣኸሉ ድጋፍ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበጽሖ ካብ ሎሚ ጀሚርና ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ኣሎ።” ኢሉ።
ንተግባራዊነቱ ከምዝተሓባበር’ውን እቲ ናይ ትግራይ መንግስቲ ዘጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።