መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያን ናይ ትግራይ ክልል መንግስቲን ተጻብኦ ደው ከምዘብሉ ኣፍሊጦም።

News

Source: Getty Images

መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ትማሊ  ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ሓገዝ ዘድልዮም ብናጻ ዝውሕዘሉ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ” ምኽንያት ኢሉ ምስ ሓይሊታት ትግራይ  ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጁ ።

እቲ መግለጺ “ተቐናቐንቲ ትግራይ” ዝበሎም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዑ ኔሩ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ትግራይ  “ብምኽንያት ጊዝያዊ ተጻብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ኢሉ መግለጺ ኣውጺኡ።

ፖለቲካዊ ጸገማት ብሰላም ክፍትሑ ከምዘለዉ ካብ ፈለማ ከምዝደሊን “ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ቁሩባትን ድሉዋትን ምዃኖም፥ ኣፍቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።” ብምባል  ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኲናት ዝተጸገመ ህዝብና ንምሕጋዝ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተልኣኸሉ ድጋፍ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበጽሖ ካብ ሎሚ ጀሚርና ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ኣሎ።” ኢሉ።

 ንተግባራዊነቱ ከምዝተሓባበር’ውን እቲ ናይ ትግራይ መንግስቲ ዘጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service