"ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ተንቀሳቒሱ ኣብ ህዝብና ዝገብሮም ዝኾነ ይኹን በደል ዝግለጽ ብዝኾነ መገዲ ኣይንቕበሎን ኢና።" ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ፓርላማ ሃገሩ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ፡ ብዛዕባ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝምልከት ካብዝሃቦ መልስቲታት ጽሟቑ ቀሪቡ ኣሎ።

News

Source: EBC

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ካብ ዝሃቦ መልሲ:-

• ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብገዛእ ወገኑ ምስተኻሕደ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ናብ ኦም ዝመጾም ወተሃደር ኢትዮጵያ ዝገበሮ ደገፍ ወትሩ በዓል ዉዕለቱ ኮይኑ ክነብር እዩ ፡

• እዚ ዝኾነ ኣክቲቪስት እየ ዝበሎ ዝበላሾ ነገር ኣይኮነን፡፡

• ኣብግዜ ጸገሞም ወተሃደራትና ብ ኤርትራ ዝተገብረሎም ሓልዮት ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኣይክርስዖን’ዩ።

• ኮይኑ ግና ብድሕርዚ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ተንቀሳቒሱ ኣብ ህዝብና ብጥፍኣት ዝግለጽ ዝገብሮም ዝኾነ ይኹን በደል ብዝኾነ መገዲ ኣይንቕበሎን ኢና።

• ነዚ ዘይንቕበሎ ናይ ኤርትራ ስለዝኾነ ዘይኮነስ ናትና ወተሃደር እንተኾነውን በደል እንተፈጺሙ ኣይንቕበሎን ኢና።

• እቲ ወፍሪ ብቅሉዕ ዝተፈልዩ ጸላእቲ እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን።

• ብዛዕባዚ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዜ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናብቲን ናብዝን እናለኣኽና ክንዘራረብ ጸኒሕና ኣለና።

• ናይ ኤርትራ ወታደር  ዶብ ኢትዮጰጵያ ሓሊፉ ዘለዎ ከባቢታት ብዝምልከት መንግስቲ ኤርትራ ዘልዕሎ ሓሳብ ኣብዝሓለፉ  20 ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ወታደር ዝነበሮ ድፋዕ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበረ ዶብ ገዲፍኩሞ ኬድኩም ኢኹም፡  ናይ ህወሓት ሓይሊ ኣብ ዝሓለፉ  20 ዓመታት ኣብ ልዕሌና ካብ ዝፈጸሞ በደል ከይኣክል  ሎሚ ናብዚ ኲናት ንኽንኣቱ  ሮኬት ተኩሱ ጋቢዙና እዩ። ሕጂ ንስኻትኩም ነቲ ዶብ ገዲፍኩም ናብ ማእከላይ ትግራይ ከይድኩም ነቲ ጸላኢ ኣብተጥቅዕሉ እዋን  ተገልቢጡ ናባና ክመጽእ ይኽእል እዩ። ናይ ሃገራዊ ድሕነት ጉዳይ ኣለና እዮም ዝብሉ።  ነዚ ክንብል ኣብ ዶብ ዘለዉ ከባቢታት ሒዝናዮም ኣለና። እንተኾነ ናትኩም  ሰራዊት ስርሑ ገዲፉ ነቲ ዶብ ዝቆጻጸሮ እንተኾይኑ ንጽባሒቱ ኣብቲ ቦታ የለናን እዮም ዝብሉ።

• ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ብዝፍጽምዎም በደላት ይሕመዩ እዮም ዝበሃል፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቕሪብናሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብዓቢ ኩነታትዩ ኮኒንዎ፡ ዝኾነ ኣብዚ ከምዚ ዝሳተፍ ናተይ ወተሃደር እንተልዩ ስጉምቲ ክወስድየ ኢሉና ኣሎ።

• እቲ ወፍሪ ወዲእና፡ ዶባትና ክንሕሉ ኣብንኽእለሉ ደረጃ ምስበጻሕና እዚ ጉዳይ ክጠፍእዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

• ብዛዕባ በደል ዝምልከት ዝለዓሉ ጉዳያት ኣብዚቀረባ እዋን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሓባር መድረኽ ክንከፍት ንሰርሕ ኣለና።

• መንግስቲ ኤርትራ ዝበሎ ነገር እንተልዩ፡ ናተይ ዕድል ምስ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሉ ኣሎ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service