ኣብዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ፍልስፍና “መደምር” ሒዙ ንዝጸንሐ ግንባር ኢህወደግ ኣፍሪሱ ሓዲሽ ሰልፊ ብልጽግና ክምስርት ዝጓየየሉ ዘሎ እዋን፥ እቲ ቀንዲ መማኽርቱ ዝኾነ ሚኒስተር ምክልኻል ለማ መገርሳ ነቲ”መደመር” ዝብል ፍልስፍና ኮነ ነቲ ዝቐውም ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ ከምዘይድግፎ ከምዝገለጸ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብዘውጽኦ ጽሑፍ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ጽሑፍ ናይ ኦርሞ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ምክትል ኣቦ ወምበር ዝኾነ ኣቶ ለማ መገርሳ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ኦሮምኛ (VOA Afaan Oromoo,) ጌርዎ ዝበሎ ቃለ መሕትት ጠቒሱ፥ ካብ ፈለማ በቲ ዝኸይድ ዘሎ ስራሕ ስለዘይተሰማማዕኩ ድምጸይ ከስምዕ እየ ጸኒሐ ከምዝበለ ገሊጹ ኣሎ።
ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ናይ ኣቦ ለማ ምሉእ መልእኽቲ ኢሉ ኣብዘቕረቦ ጽሑፍ:
“ብሓፈሻ ካብ ብዓንተቡኡ፡ ነቲ ፈጻሚ ኮሚቴን ንኹሎም ነቲ ዝርዝር ነገራት ዝፈልጡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ከምዘይሰማምዓሉ ሓቢረዮም እየ። ምኽንያቱ አዚ ምሕዋስ እዚ ሰልፊ ጌጋ ምዃኑ ስለዝ ኣመንኩን ዋላ ልክዕ እንተኾነውን ግዚኡ ኣይኮነን፡ ኣካል ናይዚ ከይዲ ከምዘይኮንኩውን ኣፍሊጠ እየ።”
ናይ VOA Afaan Oromo ነቲ ምሉእ ቃለ መሕትት ካብ መሪሕነት ኦዲፒ መግለጺ ምስረኸበ ከምዝዝርግሖ ከምዝሓበረውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ዜና ካብ ካልእ ምንጪ ክረጋገጽ ግና ኣይከኣለን።

