ኣብ ግምባር ወሎ ዝተገብረ ዉግእ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ምስቲ ናይ “ራዕዲ ጉጅለ” ዝበሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሚንስተራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣኪቡ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ዉግእ ኢትዮጵያውያንን ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይኮኑ ጸዓዱን ጸለምቲን ምስቲ ጸላኢና ዝብልዎ ህወሓት ተሰሊፎም ከምዝወግእዎምን መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ሰብ መዚ ገሊጽሎም።
“ብጎስጓስ ዝመጸ ናይ ህዝቢ ሓይሊ ንምውህሃድ ብመንግስቲ እኹል ምድላው ኣይነበረን።” ክብልውን ድኽመት ናይ መንግስቱ ተኣሚኑ።
መላእ ህዝቢ ንሰራዊቱ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ደገፍ ክህብ ዶክተር ኣቢይ ብምግላጽ “ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጸላኢ እያ ኣብ ኲናት ተጸሚዳ ዘላ” ኢሉ።
“ነዚ ዉግእ ዝሰዓር ሓደ ኮይንካ ለይቲን መዓልቲን ብምስራሕን ዋጋ ንምኽፋል ድሉው ምዃንን” ኢሉ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝተቖጻጸሩ ምስ ኣፍለጡ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ናይ ክተት ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ።
“ንምምካት ንምስዓርን ንምቕባርን ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ኣለዎ'' ክብል ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ጸዊዑ።