SKIP TO MAIN CONTENT

“ኣብ ግንባር ወሎ ኣብ ዝነበረ ዉግእ ኢትዮጵያዊያን ዘይኮኑ ‘ጸለምቲን ጸዓዱን’ ሓይሊታት ተሳቲፎም’ዮም።” ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተማ ደሴ ብሓይልታት ትግራይ ከምዘይተትሓዘት ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ስትራተጂካዊ ምዝላቕ’’ ከምዝገበረ ተዛሪቡ ኣማስያኡ ተዛሪቡ ኣሎ፡፡

News
Source: Ethiopia News

1 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ግምባር ወሎ ዝተገብረ ዉግእ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ምስቲ ናይ “ራዕዲ ጉጅለ” ዝበሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሚንስተራትን ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣኪቡ ተዛሪቡ።

 

ኣብቲ ዉግእ  ኢትዮጵያውያንን ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይኮኑ ጸዓዱን ጸለምቲን ምስቲ ጸላኢና ዝብልዎ ህወሓት ተሰሊፎም ከምዝወግእዎምን መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ሰብ መዚ ገሊጽሎም።

 

“ብጎስጓስ ዝመጸ ናይ ህዝቢ ሓይሊ ንምውህሃድ ብመንግስቲ እኹል ምድላው ኣይነበረን።” ክብልውን ድኽመት ናይ መንግስቱ ተኣሚኑ።

መላእ ህዝቢ ንሰራዊቱ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ደገፍ ክህብ  ዶክተር ኣቢይ ብምግላጽ “ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጸላኢ እያ ኣብ ኲናት ተጸሚዳ ዘላ” ኢሉ።

 

“ነዚ ዉግእ ዝሰዓር ሓደ ኮይንካ ለይቲን መዓልቲን ብምስራሕን ዋጋ ንምኽፋል ድሉው ምዃንን” ኢሉ።

 

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝተቖጻጸሩ ምስ ኣፍለጡ እዩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ናይ ክተት ጻውዒት ዘቕርብ ዘሎ።

“ንምምካት ንምስዓርን ንምቕባርን ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ኣለዎ'' ክብል ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ጸዊዑ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now