ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ነቲ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ (Uluru Statement From the Heart.) ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ፈለማ ስጉምቲታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃል ፡ መንግስቱ ብናይ ረፈረንደም ዕዉት ክኸውን ተስፋ ኣለዎ ።
ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ኣብ ጉልኩላ ዝግበር ዘሎ ፈስቲቫል ጋርማ ኣብዘስምዖ መደረ ህዝቢ ደው ብምባል ቅቡል ተገብረሉ ፡ ንህዝቢ ኣውስትራልያ ዝቐርበሉ ሕቶታት ክዘራረበሉ ድማ ኣቕሪቡ።
"ን ኣቦሪጂናዊያንን መጻብቦ ቶረስ ኣይላንደራዊያንን ድምጺ ዝህብ ንምቛም ኣብ ቅዋም ኣውስትራሊያ ለውጢ ክግበር ትድግፍዶ?"" በለ ።
ሚስተር ኣልባነሰ ምስ NITV ክዛረብ ከሎ ፡ እቲ መግለጺ ኡሉሩ "ንሃገርና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ድሕሪ ምባል ፡ ነቶም እዚ ንምልክት እዩ ኢሎም ዝነቕፉ እውን ምላሽ ሂቡሎም እዩ ።
"ዝሓሸ ግብራዊ ውጽኢት ምእንቲ ክንረክብ ፡ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ እዩ" በለ ።
"ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ፓርላማ ኣይኮነን እዚ ናይ ውሳኔ ኣካል ከምዘይኮነ ንጹር እዩ ።
ን121 ዓመታት ኣብ ካንቤራ ዘሎ መንግስቲ ንቀዳሞት ህዝቢታት ዝሓይሽ እንታይ ምዃኑ ዝውስነሉ ኣገባብ ፈጢሩልና እዩ ። እቲ ዝበለጸ ክንሰርሕ ኣለና ከምኡውን ቀዳሞት ህዝቢ ኣብ ዝመኸረሉ እዋን ዝሓሸ ውጽኢት ንረክብ ኢና ። ሰባት ናይ ዋንነት ስምዒት ምስ ዝህልዎም ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ንረክብ ኢና "
ሚስተር ኣልባነስ ኣብ መደረኡ ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክውሰኽ ዝኽእል ሰለስተ ምሉእ ሓሳባት ኣቕረበ ።
1. ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንድ ድምጺ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሓደ ኣካል ይቐውም።
2. ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንድ ድምጺ ምስ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ መጻብቦ ደሴት ህዝብታት ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ናብ ፓርላማን ፈጻሚ ኣካል መንግስትን ውክልና ይገብርን መልእኽቲ የመሓላልፍ ።
3. እቲ ፓርላማ ነዚ ቅዋም "ዚ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ንኣቀዋውማ ፡ ኣሰራርሓ ፡ ስልጣንን ኣገባባትን ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትረንቲ ኣይላንድ ድምጺ ዝምልከት ሕጊ ናይ ምውጻእ ስልጣን ክህልዎ ይግባእ ።

Anthony Albanese shakes the hand of Galarrwuy Yunupingu following his speech at Garma. Source: Getty Source: Getty Images
"ብዛዕባ እቲ ኣውስትራሊያዊያን ዝኣምኑሉ ናይ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዘለኒ እየ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘሎኒ" ይብል ኣቶ ኣልባነሰ ።
"ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን እዮም ዝኣምኑ ። እዚ ልሙድ ርዱእ ናይ ትርጉም ለውጢ ኮይኑ ፡ ጉዳያት ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደርን ኣብ ዝጸልዉሉ ፡ ክንውከሶም ይግባእ ዝብል እዩ ። እዚ ጽቡቕ ጠባይ እዩ ። ገለ እኳ ኣይጐድልን ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጐድልን "በለ ።