ቀ/ሚ፡ ቀዳማይ ስጕምትታት ድሕሪ ምግላጹ 'ኣብ ረፈረንደም ብዝወሃብ ድምጺ ከምዝዕወት' እተኣማመን ኢሉ።

ኣንቶኒ ኣልባኔስ እቲ ድምጺ ሳልሳይ ክፍሊ ባይቶ ከም ዘይከውንን ናብ ግብራዊ ውጺኢት ከም ዝመርሕን ክገልጽ ከሎ: ሰልፊ ተቓውሞ ግን ጥንቁቕ ኰይኑከምዝጸንሕን: ዝያዳ ዝርዝር ነገራት ይሓትት ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ነቲ መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ (Uluru Statement From the Heart.) ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ፈለማ ስጉምቲታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃል ፡ መንግስቱ ብናይ ረፈረንደም ዕዉት ክኸውን ተስፋ ኣለዎ ።

ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ኣብ ጉልኩላ ዝግበር ዘሎ ፈስቲቫል ጋርማ ኣብዘስምዖ መደረ ህዝቢ ደው ብምባል ቅቡል ተገብረሉ ፡ ንህዝቢ ኣውስትራልያ ዝቐርበሉ ሕቶታት ክዘራረበሉ ድማ ኣቕሪቡ።

"ን ኣቦሪጂናዊያንን መጻብቦ ቶረስ ኣይላንደራዊያንን ድምጺ ዝህብ ንምቛም ኣብ ቅዋም ኣውስትራሊያ ለውጢ ክግበር ትድግፍዶ?"" በለ ።

ሚስተር ኣልባነሰ ምስ NITV ክዛረብ ከሎ ፡ እቲ መግለጺ ኡሉሩ "ንሃገርና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ" ድሕሪ ምባል ፡ ነቶም እዚ ንምልክት እዩ ኢሎም ዝነቕፉ እውን ምላሽ ሂቡሎም እዩ ።

"ዝሓሸ ግብራዊ ውጽኢት ምእንቲ ክንረክብ ፡ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ እዩ" በለ ።

"ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ፓርላማ ኣይኮነን እዚ ናይ ውሳኔ ኣካል ከምዘይኮነ ንጹር እዩ ።

ን121 ዓመታት ኣብ ካንቤራ ዘሎ መንግስቲ ንቀዳሞት ህዝቢታት ዝሓይሽ እንታይ ምዃኑ ዝውስነሉ ኣገባብ ፈጢሩልና እዩ ። እቲ ዝበለጸ ክንሰርሕ ኣለና ከምኡውን ቀዳሞት ህዝቢ ኣብ ዝመኸረሉ እዋን ዝሓሸ ውጽኢት ንረክብ ኢና ። ሰባት ናይ ዋንነት ስምዒት ምስ ዝህልዎም ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ንረክብ ኢና "

ሚስተር ኣልባነስ ኣብ መደረኡ ፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክውሰኽ ዝኽእል ሰለስተ ምሉእ ሓሳባት ኣቕረበ ።


1. ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንድ ድምጺ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሓደ ኣካል ይቐውም።
2. ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትሬት ኣይላንድ ድምጺ ምስ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ መጻብቦ ደሴት ህዝብታት ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ናብ ፓርላማን ፈጻሚ ኣካል መንግስትን ውክልና ይገብርን መልእኽቲ የመሓላልፍ ።
3. እቲ ፓርላማ ነዚ ቅዋም "ዚ ዝግዛእ ኮይኑ፡ ንኣቀዋውማ ፡ ኣሰራርሓ ፡ ስልጣንን ኣገባባትን ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትረንቲ ኣይላንድ ድምጺ ዝምልከት ሕጊ ናይ ምውጻእ ስልጣን ክህልዎ ይግባእ ።


News
Anthony Albanese shakes the hand of Galarrwuy Yunupingu following his speech at Garma. Source: Getty Source: Getty Images
እቲ መንግስቲ ረፈረንደም ብዓወት ንምሕላፍ ብድሆ የጋጥሞ ኣሎ - ካብ 1906 ኣትሒዙ ኣብ ኣውስትራልያ ሸሞንተ ካብ 44 ጥራይ እዩ ተኻይዱ ። እቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ብ1977 እዩ ፣ ብድሕሪኡ ዝተሓስበ ሸሞንተ ረፈረንደም ፈሺሎም እዮም ።

"ብዛዕባ እቲ ኣውስትራሊያዊያን ዝኣምኑሉ ናይ ኣውስትራሊያ ባህሊ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለ ዘለኒ እየ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘሎኒ" ይብል ኣቶ ኣልባነሰ ።

"ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን እዮም ዝኣምኑ ። እዚ ልሙድ ርዱእ ናይ ትርጉም ለውጢ ኮይኑ ፡ ጉዳያት ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደርን ኣብ ዝጸልዉሉ ፡ ክንውከሶም ይግባእ ዝብል እዩ ። እዚ ጽቡቕ ጠባይ እዩ ። ገለ እኳ ኣይጐድልን ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጐድልን "በለ ።


 


 

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service