'እቲ ዝበለጸ ገጽ ናይ ፖሊስ': ክልተ ኣባላት ፖሊስ ናብ ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃ ዝፈጠርዎ ሓጎስ

ኣብ ኣደላይድ ኣብ ዝካየድ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ደቡብ ኣውስትራልያ ኣብ ትልሂት ብምስታፎም ናእዳ ረኺቦም ።

Two uniformed police officers dance at a community event in Adelaide

Australian police officers were praised for killing it on the dance floor at the African Nations Cup football tournament in Adelaide. Credit: African Communities Council of South Australia

ኣብ ኣደላይድ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስፖርታዊ ውድድር ፡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ፡ ብርቱዕ ናይ ሳዕስዒት ምንቅስቓስ ክገብሩ ከለዉ ተራእዮም ።

እቲ ህሞት ፡ ኣብቲ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ኮሚኒቲ ቤት ምኽሪ ደቡብ ኣውስትራልያ (ACCSA) ዝወጸ ቪድዮ ዝተዘርግሐ ኰይኑ ፡ ናይቲ ማሕበረሰብ ኮንስታብል ጆርጅ ፎምባ ምስ መሳርሕቱ በንጃሚን ስቲቨንስ ብምዃን ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅጽበታዊ ሳዕስዒት ብምጽንባር ነቲ ህዝቢ ኣዘናጊዖሞ ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ ኣብ እተገብረ ምርኢት ካርኒቫል ኵዕሶ እግሪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ፡ ክልቲኦም ኣብ ስራሕ እዮም ነይሮም ።

ህዝቢ ነዚ ምር ኣዮ ብሓጎስ ስሚዒቱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ከኣ ምስቶም ዩኒፎርም ዝለበሱ ፖላይስ ኰይና ብሳዕስዒት ክትብድሆም ጀመረት ።

ኣቦ-መንበር ACCSA ዴኒስ የንጊ "ጽብቕ" ከምኡ "ውን" ዘበራብር "ህሞት ከምዝነበረ ገሊጹ ።

ብፍላይ ድሕሪ ኮቪድ ብሰንኪ ተነጽሎ ብዙሕ ናይ ምትእኽኻብ ዕድል ዘይምርካቦም ንናይ ማሕበረሰብ መንፈስ ዝያዳ ከምዘድለዮም ገሊጹ ።

"ነታ ቪድዮ ኽትርእያ ከለኻ ፡ ብሓቂ ፖሊስ ፡ ኣብኡ ምሳና ከም ዘለዉ እያ እተርኢ" በለ ።

"ሓደ ካብቶም ፖሊስ [ጆርጅ ፎምባ] ምክትለይ እዩ: ምስ ማሕበረሰብ ብምዝርራብን ብምትሕብባርን ብሓቂ ብኣብነት ይመርሓኒ ኣሎ: እዚ ናይቲ ውድድር መንፈስ"።

Crowds cheering and smiling at the camera in night time at a stadium.
እቲ ኣጋጣሚ ፡ ሓደ ክፋል እቲ ኣብ ደቡብ ኣውስትራልያ እተኻየደ ሃገራዊ ዋንጫ ኣፍሪቃ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ውድድር ኩዕሶ እግሪ እዚ ፡ ኣብ 2001 እዩ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣደላይድ ጀሚሩ ። Credit: Denis Yengi

‘ዝበለጸ ገጽ ፖሊስ’

እቲ ቪድዮ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ፡ ክሳዕ ሕጂ ድማ ልዕሊ 55,000 ሰብ ርእይዎ ።

ሚስተር የንጊ እቲ ቤት ምኽሪ ኣወንታዊ ምላሽ ረኺቡ እዩ ኢሉ ። ሓደ ሰብ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ መንጎ ፖሊስን ማሕበረሰብን ዘሎ ርክብ ንምምሕያሽ ይሕግዙ ኣለው ኢሉ ።

"ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ፖሊስ ዘሎ ዝምድና ፍዅስ ኢልዎ ነበረ ። ንሳቶም ዘይከም ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ጭካነ ፖሊስ ዝረኣናሉ ቦታታት ዘይኮነ፡ ንኹሉ ሰብ ምቕሉላት እዮም ነይሮም "በለ ።

"ከም ዝመስለኒ ፡ እዚ እቲ ዝበለጸ ጎድኒ ናይ ዘር ኣየኒ ፍጻመ እዩ ኔሩ።"


Share

2 min read

Published

By Pranjali Sehgal

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now