ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።

ቫቲካን ፡ ነቶም ወዲ 88 ዓመት ሊቀ ጳጳስ፡ ኵነታቶም "ኣተሓሳሳቢ" ከም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸት ፡ ንቑሕ ከምዘለዉን ፡ ተወሳኺ መተንፈሲ ጸገም'ውን የብሎምን ።

Peoplegather around a statue to pray outside a hospital building.

People pray near the statue of John Paul II outside the Gemelli Hospital where Pope Francis is hospitalised for pneumonia. Source: ABACA / Vandeville Eric

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዓስራይ መዓልቱ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዘሕልፍሉ ዘለዉ ፡ ምእንቲ ኽሓውዩ ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ይርከቡ ። 
ቫቲካን ፡ ነቶም ወዲ 88 ዓመት ሊቀ ጳጳስ፡  ኵነታቶም "ኣተሓሳሳቢ" ከም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸት ፡ ንቑሕ ከምዘለዉን ፡ ተወሳኺ መተንፈሲ ጸገምውን የብሎምን ።
እቶም ኣቡን ድርብ ሕማም ኒሞኒያ ምስሓመሙ እዮም  ፡ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ  ሆስፒታል ገመሊ ኣትዮም ።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም ፡ ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ከምኡውን ነቶም መልእኽቲ ዝሰደዱ ሕሙማትን ኣመስጊኖም እዮም ።
ኣመንቲ  ብዘይ እቶም ኣቡን፡ ብብዝሒ ተኣኪቦም እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥዕናኦም ክምለስ ክጽልዩ ሓዲሮም ። 

ኤልቪራ ሮማና ሓንቲ ካባታቶም ኮይና ንሳ ብሻቕሎት ከም ዝሓመመት ትገልጽ ።

" ብጣዕሚ እየ ሓዚነ ። ኣብዚ ግዜ 'ዚ ከመይ ጌርኩም ንቡር ክትቕጽሉ ከምእትኽእሉ ኣይፈልጥን እየ ። ኣብ ጸሎት ጥራይ እየ ዘለኹ ፣ ኵላትና ምእንታኡ  ንጽሊ ኣለና ። ንዓይ ፍሉይ ሰብ እዩም ። ብሓቂ ቃላት የብለይን ።"]]


Share

Published

Source: Reuters, AFP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ። | SBS Tigrinya