ሊቀ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ "ተኣፋፊ" ኩነታት ከምዘለዉ ቫቲካን ትገልጽ።

ቫቲካን ፡ ነቶም ወዲ 88 ዓመት ሊቀ ጳጳስ፡ ኵነታቶም "ኣተሓሳሳቢ" ከም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸት ፡ ንቑሕ ከምዘለዉን ፡ ተወሳኺ መተንፈሲ ጸገም'ውን የብሎምን ።

Peoplegather around a statue to pray outside a hospital building.

People pray near the statue of John Paul II outside the Gemelli Hospital where Pope Francis is hospitalised for pneumonia. Source: ABACA / Vandeville Eric

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዓስራይ መዓልቱ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዘሕልፍሉ ዘለዉ ፡ ምእንቲ ኽሓውዩ ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም ይርከቡ ። 

ቫቲካን ፡ ነቶም ወዲ 88 ዓመት ሊቀ ጳጳስ፡  ኵነታቶም "ኣተሓሳሳቢ" ከም ዝዀነ እኳ እንተ ገለጸት ፡ ንቑሕ ከምዘለዉን ፡ ተወሳኺ መተንፈሲ ጸገምውን የብሎምን ።

እቶም ኣቡን ድርብ ሕማም ኒሞኒያ ምስሓመሙ እዮም  ፡ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ  ሆስፒታል ገመሊ ኣትዮም ።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም ፡ ነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ከምኡውን ነቶም መልእኽቲ ዝሰደዱ ሕሙማትን ኣመስጊኖም እዮም ።

ኣመንቲ  ብዘይ እቶም ኣቡን፡ ብብዝሒ ተኣኪቦም እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥዕናኦም ክምለስ ክጽልዩ ሓዲሮም ። 

ኤልቪራ ሮማና ሓንቲ ካባታቶም ኮይና ንሳ ብሻቕሎት ከም ዝሓመመት ትገልጽ ።

" ብጣዕሚ እየ ሓዚነ ። ኣብዚ ግዜ 'ዚ ከመይ ጌርኩም ንቡር ክትቕጽሉ ከምእትኽእሉ ኣይፈልጥን እየ ። ኣብ ጸሎት ጥራይ እየ ዘለኹ ፣ ኵላትና ምእንታኡ  ንጽሊ ኣለና ። ንዓይ ፍሉይ ሰብ እዩም ። ብሓቂ ቃላት የብለይን ።"]]


Share

1 min read

Published

Source: Reuters, AFP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now