ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ኣብ ካናዳ ብቕትለት 215 ደቀባት ፡ 'ቃንዛ "ከምዝተሰምዖም እንተ ገለጹኳ ፡ ይቕረታ ግና ኣይሓተቱን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ይቕሬታ ኣይሓተቱን ፣ ኣብ ካናዳ ሬሳ ናይ 215 ደቀባት ተማሃሮ ብምርካቡ ግን "መሪር" ምዃኑ ገሊጾም።

20210606001547779925-original.jpg

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ኣብ ካናዳ ሬሳ ናይቶም 215 ደቀባት ተመሃሮ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያንተመሓድሮ ኣሕዳሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ምርካቡ ከም እተሰምዖምን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሰበ-ስልጣን ነቲ "ዘሕዝን ነገር" ዝያዳ መብርሂ ክህብሉ ሓቲቶም።

ይኹን እምበር ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ይቕሬታ ክሓቱ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃብሉን።

ፍራንሲስ ብሰንበት ኣብ ኣደባባይ ሰይንት ፒተር ንዝተኣከቡ ኣመንቲ ኣብዘስምዕዎ ቃል ፡ እቶም ሰበ-ስልጣን ሕውየት ከማዕብሉ እኳ እንተ ጸውዑ ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ፡ ቫቲካን ይቕረታ ከም እትሓትትን ሓላፍነት ከም እትወስድን ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ግና ኣይጠቐሱን ።

ካብ መበል 19 ዘመን ክሳዕ 1970ታት ፡ ልዕሊ 150,000 ደቀባት ብመንግስቲ ኣብ ዚምወል ክርስትያናዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኽካፈሉ ይግደዱ ነበሩ ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ብናይ ሮማ ካቶሊክ ሚስዮናውያን ጉባኤታት ዝምራሕ ዝነበረ ኮይኑ ፣ ዕላማ ናይዚ ድማ ደቀባት ምስ ሕብረተሰብ ካናዳንምጽንባር ብዝብል መደብ እዩ ።

መንግስቲ ካናዳ ፡ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣካላውን ጾታውን ማህሰይቲ ኣስፋሕፊሑ ከምዝነበረን ፡ ተመሃሮ ድማ ቋንቋኦም ብምዝራቦም ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞም ተኣሚኑ ኣሎ ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ኣብ ካምሎፕስ ቤት ትምህርቲ ህንዳዊያን ፡ ብሪትሽ ኮሎምብያ ፡ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መንበሪ ኣባይቲ ካምሎፕስ ፡ ናይ ህጻናት ዓስከሬን ምርካቡ ዘረጋገጸ ኮይኑ። እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ካናዳ ዝተረኽበ ግና እቲ ዝዓበየ ጋህሲ ኰይኑ ፡ ካብ 1890 ክሳዕ 1969 ኣብ ዝነበረ እዋን ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ይካየድ ዝነበር እዩ ።

A woman mourns over 215 pairs of kids shoes  outside Vancouver Art Gallery during a memorial on 29 May, 2021 in Vancouver, British Columbia, Canada.
A woman mourns over 215 pairs of kids shoes outside Vancouver Art Gallery during a memorial on 29 May, 2021 in Vancouver, British Columbia, Canada. Source: Getty

ፖፕ ፍራንሲስ ኣብቲ ልሙድ ናይ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ንህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ፡ "ነቲ 215 ቈልዑ እተረኽብሉ ዘሕዝን ሬሳታት ካብ ካናዳ ዝመጸ ወረ እከታተሎ ኣለኹ" ።

ፍራንሲስ ፡ "ምስ ጳጳሳት ካናዳን ምስ ምልእቲ ካቶሊኻዊት ቤተ-ክርስትያን ካናዳን ኰይነ ፡ በቲ ስምብራት ዝገደፈ ኩነታት ዝተጸልዉ ካናዳዊያን ሓዘነይ ክገልጽ እፈቱ ።"

ወሲኾም ድማ ፡ "እዚ ዘሕዝን ርኽበት እዚ ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ሓዘንን መከራን ብዝያዳ ንኽንርድኦ ሓጊዙና እዩ" ኢሎም ።

Part of a small Toronto memorial honouring the recently discovered mass grave at the Kamloops Residential School.
Part of a small Toronto memorial honouring the recently discovered mass grave at the Kamloops Residential School. Source: Getty

ብዓርቢ ሚስተር ጥሩዶ ነታ ቤተ-ክርስትያን "ስቕ" ብምባላን "ስጉምቲ ብዘይምውሳዳን" ነቒፉ ፣ ብወግዒ ይቕረታ ኺትሓትትን ጸዊዑ።

ፖፕ ፍራንሲስ ዝሃብዎ ሓሳባት ብዛዕባ ምፍዋስ ደኣ እምበር ብዛዕባ ይቕረታ ኣይኰነን ዝገልጽ ነይሩ ።

"ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ሰበ-ስልጣን ነዚ ዘሕዝን ነገር እዚ ንምብራህን ናብ መገዲ ዕርቅን ምሕዋይን ብትሕትና ንምግስጋስን ቈራጽነት ብምግባር ይተሓባበሩ" ኢሎም ።


Share

2 min read

Published

Source: AAP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now