ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ቀዳማይ ስብከት ልደት ንኩነታት ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ነቒፎም

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሰገነት (ባልኮኒ) ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ዩክሬን፡ ሱዳን፡ ታይላንድን ካምቦድያን ዝካየዱ ዘለዉ ግጭታት'ውን ደው ክብሉ ጸዊዖም።

Pope Leo speaking from a balcony at St Peter's Basilica. There are two priests standing on either side of him.

It was Pope Leo's first Christmas address after being elected in May by the world's cardinals to succeed the late Pope Francis. Source: SIPA USA / Claudio Asquin

ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፣ ኣብ'ቲ ከም ልምዲ ህድእ ዝበለ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣመንቲ ክርስና መላእ ዓለም ልደት ኢየሱስ ዘብዕልሉ መዓልቲ፣ ዘይተለምደ ቀጥታዊ ምሕጽንታ ዘቕረብሉ ናይ በዓል ልደት ስብከቶም፣ ኩነታት ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ነቒፎም።

ቀዳማይ ጳጳስ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾኑ ሊዮ፣ ዛንታ ልደት የሱስ ኣብ ሓደ መብልዕ ማል (ደምበ) ዘመልክት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዓለም ነቲ "ስቡር ድንኳኑ (ቴንድኡ) ከምዘቖመ" እዩ ኢሎም።

"ከመይ ደኣ በቶም ንሰሙናት ናብ ዝናብ፣ ንፋስን ዛሕልን ዝተቓልዑ ድንኳናት ኣብ ቓዛ ክንሓስብ ዘይንኽእል፧" ክብሉ ሓቲቶም።

ንነብስሄር ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ተኪኦም ብጳጳሳት ዓለም ኣብ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምምራጾም ቀዳማይ ልደቶም ዘብዕሉ ዘለዉ ሊዮ፣ ካብ'ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሊቃነጳጳስ ንላዕሊ ዝሃድአን ዝያዳ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ ዘለዎም'ዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ'ቲ ስብከቶም ፖለቲካዊ መልእኽታት ካብ ምምሕልላፍ ይቑጠቡ።

ድሒሮም ኣብ መዓልቲ ልደት ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፣ እቶም ምእላይ መጻእትን ስደተኛታትን ቀንዲ ሕመረት ቀዳሞት እዋናት ጳጳስነቶም ዝገበሩ እዞም ጳጳስ ንኩነታት'ቶም "ንኣህጉር ኣሜሪካ ቆራሪጾም ዝመጹ" መጻእትን ስደተኛታትን'ውን ኮኒኖም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ኢሚግሬሽን ምግፋፍ፣ ምቕያድን ምጥራዝን ዝነቐፉ ሊዮ፡ ንትራምፕ ኣይጠቐስዎን። እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ድሮ ልደት ኣብ ዝሃብዎ ስብከት ንድኻታትን ጓኖትን ምሕጋዝ ምእባይ ንባዕሉ ንኣምላኽ ከም ምንጻግ እዩ ዝቑጸር ክብሉ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ፍርስራስን ክፉት ቁስልን' ኲናት ይነቕፉ

ሊዮ ብኹነታት ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ግዜ ሓዘኖም ገሊጾም'ዮም፣ ንጋዜጠኛታት ዝሓለፈ ወርሒ እቲ እንኮ ፍታሕ ነዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ግጭት ሓንቲ ፍልስጤማዊት ሃገርት ከካትት ኣለዎ ክብሉ ገሊጾምሎም።
An aerial shot of rows of makeshift tents pitched on dirt roads amid the rubble.
Displaced Palestinians living in makeshift tents amid the rubble in the al Maghazi refugee camp in central Gaza. Source: Anadolu, Getty / Moiz Salhi
እስራኤልን ሓማስን፣ ነቶም ብሓማስ ዝተመርሑ ተቓለስቲ ሞት ዘኸተለ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት እስራኤል ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዘካየድዎ ተኸቲሉ፣ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ጽዑቕ ደብዳብን ወተሃደራዊ ስርሒትን እስራኤል፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምቁራጽ ተዂሲ ክገብሩ ተሰማሚዖም። ብምሉኡ'ቲ ህዝቢ ግዳምሓደር ወይ መዕቆቢ ዘይብሉ ተሪፍሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ዘሎ ረድኤታዊ ሓገዝ ሕጂ'ውን ብጣዕሚ ውሑድ'ዩ ይብላ።

ኣብ'ቲ ኣሽሓት ዝተሳተፍዎ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ናይ ሓሙስ ኣገልግሎት፣ ሊዮ ብተወሳኺ ንኩነታት ግዳም ሓደር ሰባት ኣብ መላእ ዓለምን ብሓፈሽኡ ድማ ብኲናት ዝስዕብ ዘሎ ዕንወትን ሓዘኖም ገሊጾም።

"ተሰባሪ እቲ ዝከላኸለሉ ዘይብሉ ህዝቢ፣ ብኣዝዮም ብዙሓት ውግኣት ዝተፈተነ፣ ዘብቅዑ ይኹኑ ዝቕጽሉ፣ ድሕሪኡ ፍርስራስን ክፉታት ቁስልታትን ዝገድፉ፣" ክብሉ ገሊጾም።
"ተሰበርቲ ዝበሃሉ፣ ናይ'ቶም ብረት ከልዕሉ ዝተገደዱ ኣእምሮታትን ህይወታትን መንእሰያት'ዮም፣ ኣብ'ቶም ግንባራት ትርጉም ኣልቦነት ናይ'ቶም ዝሕተትዎም ዘለዉን ነቶም ታህዲድ ዝበዝሖም መደረታት ናይ'ቶም ናብ ሞት ዝልእክዎም ሰባት ዝመልእዎም ሓሶታትን ዝስመዖም'ዩ፣" ኢሎም ሊዮ።

ግጭታት ኣብ ዩክረይን፣ ሱዳንን ማሊን ከብቅዑ ዝጠልብ መጸዋዕታ

ኣብ ምሕጽንቶኦም ኣብ ግዜ'ቲ በቶም ሊቃነ ጳጳስ ኣብ ግዜ ልደትን ፋሲካን ዝወሃብ መልእኽትን ቡራኼን "Urbi et Orbi" (ንከተማን ዓለምን)፣ ሊዮ ኩሎም ውግኣት ዓለም ከብቅዑ ጸዊዖም።

ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ ወይ ወተሃደራዊ ግጭታት ኣብ ዩክረይን፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ምያንማር፣ ታይላንድን ካምቦድያን ካብ'ቶም ዘሕዘንዎም ካልኦት ምዃኖም'ውን ወሲኾም ገሊጾም።

ሊዮ ሰባት ኣብ ዩክረይን ብዕግርግርን ኲናትን "ክሳቐዩ" ጸኒሖም'ዮም ኢሎም።

"ጫውጫውታ መሳርሒታት ኲናት ደው የብሎ፣ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት፣ ብደገፍን ተወፋይነትን ማሕበረሰብ ዓለም፣ ቅንዕና ዘለዎ፣ ቀጥታውን ምክብባር ዝመልኦን ዘተ ከካይዱ ትብዓት ዝረኽቡ ይግበሮም።"


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

3 min read

Published

By Reuters

Presented by SBS Tigrinya

Source: Reuters




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service