ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፣ ኣብ'ቲ ከም ልምዲ ህድእ ዝበለ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣመንቲ ክርስና መላእ ዓለም ልደት ኢየሱስ ዘብዕልሉ መዓልቲ፣ ዘይተለምደ ቀጥታዊ ምሕጽንታ ዘቕረብሉ ናይ በዓል ልደት ስብከቶም፣ ኩነታት ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ነቒፎም።
ቀዳማይ ጳጳስ ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾኑ ሊዮ፣ ዛንታ ልደት የሱስ ኣብ ሓደ መብልዕ ማል (ደምበ) ዘመልክት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዓለም ነቲ "ስቡር ድንኳኑ (ቴንድኡ) ከምዘቖመ" እዩ ኢሎም።
"ከመይ ደኣ በቶም ንሰሙናት ናብ ዝናብ፣ ንፋስን ዛሕልን ዝተቓልዑ ድንኳናት ኣብ ቓዛ ክንሓስብ ዘይንኽእል፧" ክብሉ ሓቲቶም።
ንነብስሄር ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ተኪኦም ብጳጳሳት ዓለም ኣብ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ምምራጾም ቀዳማይ ልደቶም ዘብዕሉ ዘለዉ ሊዮ፣ ካብ'ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሊቃነጳጳስ ንላዕሊ ዝሃድአን ዝያዳ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ ዘለዎም'ዮም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ'ቲ ስብከቶም ፖለቲካዊ መልእኽታት ካብ ምምሕልላፍ ይቑጠቡ።
ድሒሮም ኣብ መዓልቲ ልደት ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፣ እቶም ምእላይ መጻእትን ስደተኛታትን ቀንዲ ሕመረት ቀዳሞት እዋናት ጳጳስነቶም ዝገበሩ እዞም ጳጳስ ንኩነታት'ቶም "ንኣህጉር ኣሜሪካ ቆራሪጾም ዝመጹ" መጻእትን ስደተኛታትን'ውን ኮኒኖም።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝገብሮ ዘሎ ናይ ኢሚግሬሽን ምግፋፍ፣ ምቕያድን ምጥራዝን ዝነቐፉ ሊዮ፡ ንትራምፕ ኣይጠቐስዎን። እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ድሮ ልደት ኣብ ዝሃብዎ ስብከት ንድኻታትን ጓኖትን ምሕጋዝ ምእባይ ንባዕሉ ንኣምላኽ ከም ምንጻግ እዩ ዝቑጸር ክብሉ ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ፍርስራስን ክፉት ቁስልን' ኲናት ይነቕፉ
ሊዮ ብኹነታት ፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ግዜ ሓዘኖም ገሊጾም'ዮም፣ ንጋዜጠኛታት ዝሓለፈ ወርሒ እቲ እንኮ ፍታሕ ነዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ግጭት ሓንቲ ፍልስጤማዊት ሃገርት ከካትት ኣለዎ ክብሉ ገሊጾምሎም።

Displaced Palestinians living in makeshift tents amid the rubble in the al Maghazi refugee camp in central Gaza. Source: Anadolu, Getty / Moiz Salhi
ኣብ'ቲ ኣሽሓት ዝተሳተፍዎ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ናይ ሓሙስ ኣገልግሎት፣ ሊዮ ብተወሳኺ ንኩነታት ግዳም ሓደር ሰባት ኣብ መላእ ዓለምን ብሓፈሽኡ ድማ ብኲናት ዝስዕብ ዘሎ ዕንወትን ሓዘኖም ገሊጾም።
"ተሰባሪ እቲ ዝከላኸለሉ ዘይብሉ ህዝቢ፣ ብኣዝዮም ብዙሓት ውግኣት ዝተፈተነ፣ ዘብቅዑ ይኹኑ ዝቕጽሉ፣ ድሕሪኡ ፍርስራስን ክፉታት ቁስልታትን ዝገድፉ፣" ክብሉ ገሊጾም።
"ተሰበርቲ ዝበሃሉ፣ ናይ'ቶም ብረት ከልዕሉ ዝተገደዱ ኣእምሮታትን ህይወታትን መንእሰያት'ዮም፣ ኣብ'ቶም ግንባራት ትርጉም ኣልቦነት ናይ'ቶም ዝሕተትዎም ዘለዉን ነቶም ታህዲድ ዝበዝሖም መደረታት ናይ'ቶም ናብ ሞት ዝልእክዎም ሰባት ዝመልእዎም ሓሶታትን ዝስመዖም'ዩ፣" ኢሎም ሊዮ።
ግጭታት ኣብ ዩክረይን፣ ሱዳንን ማሊን ከብቅዑ ዝጠልብ መጸዋዕታ
ኣብ ምሕጽንቶኦም ኣብ ግዜ'ቲ በቶም ሊቃነ ጳጳስ ኣብ ግዜ ልደትን ፋሲካን ዝወሃብ መልእኽትን ቡራኼን "Urbi et Orbi" (ንከተማን ዓለምን)፣ ሊዮ ኩሎም ውግኣት ዓለም ከብቅዑ ጸዊዖም።
ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ ወይ ወተሃደራዊ ግጭታት ኣብ ዩክረይን፣ ሱዳን፣ ማሊ፣ ምያንማር፣ ታይላንድን ካምቦድያን ካብ'ቶም ዘሕዘንዎም ካልኦት ምዃኖም'ውን ወሲኾም ገሊጾም።
ሊዮ ሰባት ኣብ ዩክረይን ብዕግርግርን ኲናትን "ክሳቐዩ" ጸኒሖም'ዮም ኢሎም።
"ጫውጫውታ መሳርሒታት ኲናት ደው የብሎ፣ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት፣ ብደገፍን ተወፋይነትን ማሕበረሰብ ዓለም፣ ቅንዕና ዘለዎ፣ ቀጥታውን ምክብባር ዝመልኦን ዘተ ከካይዱ ትብዓት ዝረኽቡ ይግበሮም።"
Share



