ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ (RSF) ዝበሃል ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሟጎት በቲ ኣብ ስዊድን ዝርከb ጨንፈሩን ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ብሓባር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ስዊድናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቅ ፣ ብመንግስቲ ኤርትራን ብጥሕሰት ሰብኣዊ መንግስቲ ከሲሱ።
እቲ ትካል ምስ ዓቀብቲ ሕጊ ዘቕረቦ ክሲ ብቐጥታ ንናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ አፈወርቂን ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከብዎ ካልኦት 7 ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ዝምልከት ምዃኑ ወኪል ዜና ኣገልግሎት ፈረንሳ ዝኾነ AFP ጸብጺቡ።
እዚ ንፖሊስ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ እቶም ሰበስልጣናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ኣገዲድካ ምስዋር ሰባት፡ ብምስቓይን ብምዕፋንን ነቶም ሰብ መዚ ዝኸስስ ምልክታ እዩ። ኣብቲ ክሲ ክታሞም ካብዘንበሩ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚ ሽሪን ኤባዲን ናይ ቀደም ኮሚሽነት ሰብ ኣዊ መሰላት ናቪ ፒላይ ይርከብዎም። ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቅ ዝተኣስረ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 23 መስከረም ፣2001 ዓም እዩ።
RSF ከምዝሓበሮ ዳዊት ይስሃቕን ምስኡ ዝተኣስሩ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት እዮም።

