ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ እዩ።
"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝንሳፈፉ ዲስኩራት – ጭቡጥን ግምታዊን – ብዛዕባ ማይ፡ ምብጻሕ ባሕሪን ተዛመድቲ ኣርእስታትን፡ ዓቀኑ ዝሓለፈን፡ ካብ መጠን ንላዕሊን ኢዩ። እቲ ጉዳይ ንኹሎም ዝምልከቶም ተዓዘብቲ ወገናት ከይተረፈ ዘየስደመመ ኣይነበረን።
ስለ'ዝኮነ መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀደሙ ናብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጸበብቲ መሽጎራጉራትን መድረኻትን ከም'ዘይዕደም ብተደጋጋሚ ይገልጽ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት፡ በዚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ምትኹታኽ፡ ካብ ቀንዲ ዕላምኡን ተልእኽኡን ተኣልዩ፡ ከይድህለል ይላቦ።"