SKIP TO MAIN CONTENT

መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ብ ኢትዮጵያ ክበሃል ዝቐነየ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ መደረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወግዒ ን ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ዝሃቦ መግለጺ ስዒቡ እዩ እዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ መግለጺ ዝወጸ።

MOA.jpg

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ እዩ።

"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝንሳፈፉ ዲስኩራት – ጭቡጥን ግምታዊን – ብዛዕባ ማይ፡ ምብጻሕ ባሕሪን ተዛመድቲ ኣርእስታትን፡ ዓቀኑ ዝሓለፈን፡ ካብ መጠን ንላዕሊን ኢዩ። እቲ ጉዳይ ንኹሎም ዝምልከቶም ተዓዘብቲ ወገናት ከይተረፈ ዘየስደመመ ኣይነበረን።

ስለ'ዝኮነ መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀደሙ ናብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጸበብቲ መሽጎራጉራትን መድረኻትን ከም'ዘይዕደም ብተደጋጋሚ ይገልጽ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት፡ በዚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ምትኹታኽ፡ ካብ ቀንዲ ዕላምኡን ተልእኽኡን ተኣልዩ፡ ከይድህለል ይላቦ።"


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now