ቀዳም ኣብ ከተማ መልበርን ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ተቓውሞታትን ኣንጻር ዓሌትነት ዝቃወሙ ተቓወምትን ፡ ፖሊስ ነቶም ጕጅለታት ከም ዝፈላለዩ ክገብር እኳ እንተ ጸዓረ ፡ ጽዑቕ ግጭታት ተራእዩ እዩ ።
ቀዳም ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ከምኡውን ኣብ ገለ ከባቢታት ተጻራሪ ክልተ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ተኻይዱ ።
ገሊኦም ንካምፕ ሉኣላውነት ጽኑዕ ሓድነት ከምዘለዎም ዘርእይ ምረሻ ክገብሩ ተራእዮም ፡ እቲ ሉኧላዊ ካምፕ ዝበሃል መቕበሪ ደቀባትን ከምቅዱስ ቦታ ዝበሃል ኣብ ከተማ መልበርን ዝርከብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብ ኒዮ ናዚ ሰባት ተጠቒዑ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ን ኣውስትራልያ ኣድሕን፡ ኣውስትራልያ ትሓብር ዝብል ጭርሖ መሪሾም ፡ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ክመሓየሽን ኣንጻር "ብልሽው መንግስቲ" ድማ ጽዊዖም ።
ከምቲ ፖሊስ እተነበዮ ፡ ነገራት ኣብ መልበርን ኣዝዩ ወጥሪ ዝበዝሖ ግጭት ዝነበረ ኮይኑ ፡ ካብ እተፈላለየ ጕጅለታት ዝመጹ 2,500 ዝዀኑ ሰባት ኣብታ ከተማ ከም ዝተሳተፉ ፖሊስ ገሚቱ ።
ካብቲ ኣብ ቪክቶርያ ዝርከብ ህንጻ ፓርላማ ወጻኢ ኣብ 50 ሜትሮ ርሕቀት ተቐናቐንቲ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ዉዒሎም: ኣብኡ ድማ ብዙሓት ተኸላኸልቲ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ጕጅለታት ንኸይጋጨዉ ክፈላልይዎ ኪኢሎም።
ድሕሪ ገለ ግዜ ንኣሽቱ ጕጅለታት ሰልፈኛታት ኣብ ጥቓ ፍሊንደርስ ስትሪት: ኣብ በርከን ስዋንስቶን ስትሪታትን ግጭት ፈጢሮም: ፖሊስ ኣንጻር እቶም ን ፍልስጤማውያን ደጊፎም ተቓውሞ ዝገብሩ ዝነበሩ ብበርበረ ነጺጉሎም።
ኣብ ሲድኒ ፡ ፖሊስ ዝተገብረ ሰልፊ፡ ኣስታት 3,500 ሰባት ከም እተረኽቡ ገሚቱ ፣ እዚ ከኣ ፡ 3,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣውስትራሊያ ኣድሕ (Save Australia)፡ ኣውስትራሊያ ሓድነታ ተረጋግጽ ( Australia Unites) ዝብል ዝተሰለፉ ኮይኖም ፡ ከምኡ ድማ 500ን 600ን ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ዘውሕስ ስርዓት ይተኸል ዝብል ተሰሊፎም ።
ባንዴራታት ኣውስትራሊያን ደገፍ ንቻርሊ ክሪክ
እቶም ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣውስትራልያ ኣድሕን ኣውስትራልያ ትሕበርን ፡ ብዝብል ሰንደቕ ዕላማ ኣውስትራልያ ሒዞም ዝመጹ ፡ "ጃምላዊ ስደት" ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ዝፈጥሮ ብልሽውና ኪበታተንን እኳ እንተ ተማሕጸኑ ፡ እቲ ፖስተራት ግን ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ ።
ኣብ መልበርን ካብ ዝነበረ ሓደ ጽሑፍ ፡ "ስደተኛታት ጸገሞም ኣይኰነን ። መንግስቲ እዩ እቲ ጸገም። " ዝብል ነበረ።
ካልእ "ኣውስትራልያ ንየሱስ" ዝብል ጽሑፍ ከንብብ ከሎ: ካልእ ፖስተር ከኣ "ፖሊን ትኽክል እያ" ኢሉ ተጻሒፉሉ ነበረ ፣ እዚ ፖሊን ሃንሰን ትበሃል መራሒት ዋን ኔሽን ብ31 ነሓሰ ኣብ ሃገራዊ ተቓዉሞ ኣንጻር እቲ ንኣውስትራሊያ ተእትዎ መጠን ስደት ኣመልኪታ ዘረባ ዘስምዐት እያ።

In Melbourne, the Save Australia and Australia Unites rallies began at state parliament around midday. Source: SBS
ገሊኦም ተሳተፍቲ ከም ዋልትሚንግ ማቲልዳ ዝኣመሰለ መዝሙራት ብምዝማር ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዝ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም ።
ሓላፊ Turning Point Australia, ን ዓቃባዊ ተንታኒ ጆኤል ጃማል: ኣብ ዘዳለዎ ቪድዮ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ክብሪ መነባብሮ: ዘይውስኽ ደሞዝ: ከምኡውን ብሰንኪ "መጠነ ሰፊሕ ምቕባል ስደተኛታት" ሕጽረት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከም ዝዀነ ሓበረ ።
ገሊኦም ሰልፈኛታት እውን ነቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዩታህ እተቐትለ ቻርሊ ኪርኽ ዝበሃል ፍሉጥ ናይ ኣመሪካ ሕሉፍ የማናዊ ወሃብ ርእይቶ ሓዘኖም ገሊጾም።
ኣብ ኣደላይድ ንኪርክ ናይ ደቒቕ ስነ ስርዓት ዝክሪ ተገይሩ ።
Source: SBS