'ታሪኻዊ ባህርያዊ ሓደጋ': ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ጫካ ዛጊት ክልተ ሰባት ቀቲሉ።

ኣብ ጥቓ ሎስ ኣንጀለስ ብቕልጡፍ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነን ባርዕ ጫካ ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባይቲ እውን ዓንዩ ኣሎ ።

A road with trees burning down the sides

The biggest blaze has consumed more than 2,000 acres in Pacific Palisades. Source: AAP / Ethan Swope

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ ብርቱዕ ንፋስ ነቲ ሰሉስ ዝጀመረ ሓዊ የጋድዶ ከም ዘሎን ካብ ሽዑ ንነጀው ከኣ እቲ ሓዊ ኣብ ሰፊሕ ቦታታት ከም ዘስፋሕፍሕን እዮም ዝገልጹ ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ክወጹ ተገዲዶም : ጽርግያታት ኣዝዩ ስለ እተጨናነቐ ከኣ ገሊኣቶም ብእግሮም ንምህዳም ማካይኖም ጠንጢኖም ክኸዱ መሪጾም ኣለዉ ።

ሰበ ስልጣን ፡ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ምሉእ መዓልቲ ከምዝቕጽል ኣጠንቂቖም ኣለዉ ።

"ታሪኻዊ ባህርያዊ ሓደጋ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ ። ከም ዝመስለኒ ካብዚ ሓሳብ እዚ ንላዕሊ ሓያል እዩ "ይብል ዳይረክተር ህጹጽ ምሕደራ ሎስ ኣንጀለስ ካውንቲ ኬቨን ማክጎዋን ።

ህንጻታት ዓንዩን 'ልዑል ቍጽሪ መጕዳእትን " ኣጋጢሙ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ ዝተገብረሉ መሳለጥያታት ፡ እቲ ናይ ኢቶን ባርዕ ኣብ ኣልታዴና ጥቓ ፓሳዴና ኮይኑ ፡ ልዕሊ 800 ሄክታር ኣቢሉ ዝኸውን እዩ ።

እቶም ካብቲ ቦታ ክወጹ ትእዛዝ ዘይሰምዑ ተቐማጦ ፡ "ቍጽሮም ዓብዪ ኣብዝኾኑ" ጕድኣት ከም ዝወረደ ሓለቓ ስታፍ ሎስ ኣንቶኒ ማርሮን ገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ዝዓበየ ባርዕ ፡ ኣብ ፓሲፊክ ፓሊስደስ እዩ ዝነድድ ዘሎ፣ ልዕሊ 2000 ሄክታር ከም ዝበልዕን ልዕሊ 1,000 ህንጻታት ከም ዝዓነወን ድማ ማሪሮን ሓቢሩ ።

A house on fire
The Palisades fire has forced widespread thousands of evacuations in the Los Angeles area. Source: AAP / Caroline Brehman

ፓሲፊክ ፓላደስ ሓደ ካብ "ቶም ኣብ ኣመሪካ ዝኸበሩ ወረዳታት እዩ ፡ እዚ ቦታ እዚ ኣብ መንጎ ገማግም ባሕሪ ከተማታት ሳንታ ሞኒካን ማሊቡን ይርከብ ።

ብዙሓት ናይ ፊልምን ተለቪዥንን ናይ ሙዚቃን ከዋኽብቲ ይርከቡዋ ፡ ካብታ ከተማ ውጽእ ኣብ ዝብሉ ከባቢታት ህቡባት ናይ ሆሊዉድ ውሩያት ሰባት ከም ጀሚ ሊ ኩርቲስ ፡ ማንዲ ሙር ፡ ማርክ ሃሚል ይርከብዋ ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ከምዝሕብርዎ ፡ ኣጥፋእቲ ሓዊ ብ ኣየር ከይድገፉ እቲ ብርቱዕ ንፋስ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ምምሕዳር ማያት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ከም ዝኣቱ ገይርዎ እዩ ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ማይን ሓይሊ ምድርን እታ ከተማ ጃኒስ ኲንዮንስ ፡ "ምስ ናይ ከተማታት ምጥፋእ ባርዕ ሓዊ ኮይና ንቃለስ ኣለና ፣ እዚ ከኣ ብሓቂ በዳሂ እዩ" በለ ።

A man with a bike standing in a street surrounded by burnt cars and buildings.
People were forced to abandon their cars as the fires spread. Source: AAP / Damian Dovarganes

ኣዋጅ ህጹጽ እዋን

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒዮም ብሰሉስ ህጹጽ ድንጋገ ኣዊጁ ።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ከምዝገለጾ ድማ ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ሰበ ስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ መግለጺ ንኽሰምዕ ፡ ረቡዕ ናብ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ሳንታ ሞኒካ ክበጽሕ መደብ ኣለዎ ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ስልጣን ዝርከብ ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብቲ ናቱ ማሕበራዊ መራኸቢ "Truth" እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ፡ ብሰንኪ ፖሊሲታት ኣከባቢ ፡ ኒውሶም ምዃኑ ወቒሱ ።


Share

2 min read

Published

Updated

Source: Reuters




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now