ራፋአል ዋርኖክ ኣብ ጆርጂያ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ፡ በዚ ድማ ደሞክራሲያዊያን ንናይ ኣመሪካ ሰነት ንኽቆጻጸርዎ ቀሪቦም።

ናይ ደሞክራሲያዊያን ሕጹይ ጆን ኦሶፍ ኣብዚ ውድድር እንተተዓዊቱ እቲ ሰልፊ ንኮንግረስ ክቆጻጸሮ ይኽእል እዩ።

gettyimages-1229686848_0.jpg

ራፋአል ዋርኖክ ናይ ፈለማ ጸሊም ሰናቶር ኮይኑ ተመሪጹ ናይ ግዝኣት ጆርጂያ ወኪሉ ብምምራጹ ታሪኽ ሰሪሑ። ንሱ ነዚ  ዓወት ዘመዝገበ ካብተን ክልተ ወሰንቲ ዉድድራት ኣብ ሓንቲ እዩ።

በዚ ድማ ሰልፊ ደሞክራሲያዊያን ንናይ ኣመሪካ ሰነት ክቆጻጸርዎ ቀሪቦም ኣለዉ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ሓደ ወንበር እንተተዓዊቶሙሉ እቲ መገዲ ጣጢሕሎም ኣሎ ማለትዩ።

ኣብዚ እዋን ሪፑብሊካዊያን 50 ወናብር ናይ ሰነት ሒዞም ዘለዉ ኮይኖም ደሞክራሲያዊያን 48 ሒዞማለዉ። እቲ ካልኣይ ሪፑብሊካዊ  ዝኾነ ተነሓናሒ ሚስተር ፐርዱ እንተተዓዊቱ ግና እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ዓብላልነት ክቕጽልዎ እዮም።

ይኹን እምበር ደሞክራሲያዊ ሕጹይ ሚስተር ኦሶፍ እንተተዓዊቱ ነቲ ሰነት 50-50, ስለዝሕዝዎ ምክትል ፕረሲደንት ካመላ ሃሪስ ፍሉይ ድምጺ ስለዝህልዋ ነቲ ናይ ፈደራል ሰነት ደሞክራሲያዊያን ክቆጻጸርዎ እዮም።

እምበኣር ደሞክራሲያዊያን ኣብ ልዕሊ ሪፑብሊካዊያን ንሰነት ክዕብልልዎ እንተኾይኖም ንኽልቲኡ ናይቲ ጆርጂያ ክስዕርዎ ኣለዎም።  እንተዘይኮይኑ ጆ ባይደን ንዝደልዮ ሕጊታት ኣብ ኮንግረስ ከጽድቕ ክጽገም'ዩ።

 


Share

1 min read

Published

By Gavin Fernando




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now