ራፋአል ዋርኖክ ኣብ ጆርጂያ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ፡ በዚ ድማ ደሞክራሲያዊያን ንናይ ኣመሪካ ሰነት ንኽቆጻጸርዎ ቀሪቦም።

ናይ ደሞክራሲያዊያን ሕጹይ ጆን ኦሶፍ ኣብዚ ውድድር እንተተዓዊቱ እቲ ሰልፊ ንኮንግረስ ክቆጻጸሮ ይኽእል እዩ።

gettyimages-1229686848_0.jpg
ራፋአል ዋርኖክ ናይ ፈለማ ጸሊም ሰናቶር ኮይኑ ተመሪጹ ናይ ግዝኣት ጆርጂያ ወኪሉ ብምምራጹ ታሪኽ ሰሪሑ። ንሱ ነዚ  ዓወት ዘመዝገበ ካብተን ክልተ ወሰንቲ ዉድድራት ኣብ ሓንቲ እዩ።

በዚ ድማ ሰልፊ ደሞክራሲያዊያን ንናይ ኣመሪካ ሰነት ክቆጻጸርዎ ቀሪቦም ኣለዉ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ሓደ ወንበር እንተተዓዊቶሙሉ እቲ መገዲ ጣጢሕሎም ኣሎ ማለትዩ።

ኣብዚ እዋን ሪፑብሊካዊያን 50 ወናብር ናይ ሰነት ሒዞም ዘለዉ ኮይኖም ደሞክራሲያዊያን 48 ሒዞማለዉ። እቲ ካልኣይ ሪፑብሊካዊ  ዝኾነ ተነሓናሒ ሚስተር ፐርዱ እንተተዓዊቱ ግና እቲ ሒዞሞ ዘለዉ ዓብላልነት ክቕጽልዎ እዮም።

ይኹን እምበር ደሞክራሲያዊ ሕጹይ ሚስተር ኦሶፍ እንተተዓዊቱ ነቲ ሰነት 50-50, ስለዝሕዝዎ ምክትል ፕረሲደንት ካመላ ሃሪስ ፍሉይ ድምጺ ስለዝህልዋ ነቲ ናይ ፈደራል ሰነት ደሞክራሲያዊያን ክቆጻጸርዎ እዮም።

እምበኣር ደሞክራሲያዊያን ኣብ ልዕሊ ሪፑብሊካዊያን ንሰነት ክዕብልልዎ እንተኾይኖም ንኽልቲኡ ናይቲ ጆርጂያ ክስዕርዎ ኣለዎም።  እንተዘይኮይኑ ጆ ባይደን ንዝደልዮ ሕጊታት ኣብ ኮንግረስ ከጽድቕ ክጽገም'ዩ።

 


Share

Published

By Gavin Fernando

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service