SKIP TO MAIN CONTENT

ራሻ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሱዳን ክትተክል ምዃና ተገሊጹ::

Rusia and Sudan
Putin and Al-Bashir Source: AAP

1 min read

Published

Source: AP


Skip to article content

አቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ናብ ራሻ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝገበረ ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣል-በሺር ምስ Sputnik ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብቐዳም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ምስ ፕረሲደንት ቪላድሚር ፑቲንን ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌ ሾይጊ ብዛዕባ ተኽእሎ ምድኳን ወተሃደራዊ ማዓስከር ራሻ ኣብ ሱዳን ከምዝዘተየ ገሊጹ።

ሱዳን ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝድኮን ወተሃደራዊ መዓስከር ራሻ ድልውቲ ከምዘላን እቲ ዝድኮን መዓስከር፡ ሱዳን ኣንጻር ኣሰጋገርቲ ሰባትን ንግዲ ባርነትን ኣብ ትገብሮ ቃልሲ ከምዝሕግዛ ሓልፊ ኮሚቴ ምክልኻልን ጸጥታን ፓርላማ ሱዳን ኣልሓዲ ሓሚድ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ከምዝሓበሮ፡ "መሪሕነት ራሻ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዓስከር እንተሃኒጹ ምኽኑይ አዩ። እዚ ኣብ ቁጠባዊን ወተሃደራዊን ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ዝቃዶ እዩ” ብምባል ሓሚድ ይገልጽ

ኣብ እዋን’ቲ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሺር ምስ ፕረሲደንት ፑቲን  ብዛዕባ ምድኳን ወተሃደራዊ መዓስከር ራሻ ኣብ ሱዳን ዝዘተየሉ እዋን፥ ካብ ራሻ Su-30 ን Su-35ን ተዋጋእቲ ጀት፡ብተወሳኺ S-300 ዝበሃል ናይ ኣየር መከላኸሊ ክትዕድግ ስምምዕ ከምተገብረ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብቲ እዋን ምስምማዕ ኣልበሺር ከምዝገለጾ “ሱዳን ኣንጻር ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝዓለመ ናይ ዕንደራ መደብ የብላን፡ ንሕና ንሃገርና ክንከላኸል ኢና ንደሊ።” ኢሉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now