ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ፕሪሜር ኮይኑ ዝተመርጸ ማርክ ማክጎወን "እቲ ዉጽኢት ምርጫ ፍረ ከቢድ ጻዕሪን ኢድካ ዘይምሃብን'ዩ።" ኢሉ።

ፕሪሜር ማርክ ማጎወን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመት ንግዝኣት ወስት ኣውስትራሊያ ንምምራሕ ተመሪጹ። ሰልፉ ሰልፊ ለበር 53 ካብ 59 ወናብር ፓርላማ ናይታ ግዝኣት ብምሓዝ ዓብላሊ ቦታ ሒዙ።

Mark McGowan says he is humbled to be re-elected as WA Premier.

Mark McGowan says he is humbled to be re-elected as WA Premier. Source: AAP

ሰልፊ ለበር ንሰልፊ ለበር ኣብታሪኹ ዘይተራእየ ስዕረት ብምስዓር፡ ፕሪሜር ማርክ ማክጎወን ነቲ ናይ ወስተርን ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዓብላሊነት ክመርሖ እዩ። 

ኣብቲ ብቐዳም ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ነቲ ሰልፊ ሊብራል ሒዝዎ ዝነበረ ወናብር ተወሳኺ 13 ሚእታዊ ብምውሳድ፡ ካብ 59 ወናብር ታሕተዋይ ፓርላማ ነቲ 53 ወናብርዩ ተዓዊትሉ።

እዚ ንሰልፊ ሊብራል ዘባህርር ሕልሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ፓርላማ ክልተ ወናብር ሒዞም ምትራፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ስልጣኖም ብሰልፊ ናሽናልስ ምሕዳጎም እንኮላይ እዩ።

ሚስተር ማክጎዋን ድሕሪ ዓወቱ ኣብዝገበሮ መደረ፡ " ኣብዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንነፍሲወከፍ ወስት ኣውስትራሊያዊ ከገልግል እመባጻዕ።"

"ኣብቲ ናተይ መንግስቲ እምነት ኣሕዲርኩም ንሕና ድማ ህዝቢ ወስት ኣውስትራሊኣ ከምዘይነሕፍሮ ቃል ንኣቱ።"
Labor supporters celebrate at the Gary Holland Community Centre in Rockingham.
هواداران حزب کارگر در حال جشن گرفتن پیروزی آقای مک‌گون Source: AAP
እቲ ውጺኢት ናይቲ ምርጫ ድሕሪ ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝተኸስተ ለበዳ ድሕሪ ብምዃኑ ዓቕሊ ዘሸልም ምዃኑ ምስክርዩ ኢሉ።

"ሎሚ ዝተረኽበ ነገር፡ ትዕግስቲ፡ ፍረ ትዕግስቲ፡ ከቢድ ስራሕ፥ ተስፋን ኢድካ ዘይምሃብን እዩ።" ኢሉ።

ሚስተር ማክጎዋን ብተወሳኺ፡ ናብ ስራሕ ንምምላስ ግዜ ከምዘይወስድ ገሊጹ።

መራሒ ተቓዋሚ ዛክ ኪርካፕ መንበሩ ብኻልእ ድሕሪ ምውሳዱ ብወግዒ ከምተሳዕረ ተኣሚኑ።

"ብርግጽ ኣብ ዳውንስቪልን ኣብ መላእ እዛ ግዝ ኣት ዝተራእየ ነገር ኣዚዩ ዘሕዝን ነገርዩ።"ኢሉ

"እዚ ስዕረት ንኽትጸሮ ዝኸብድ ነገር እዩ።" 

"እዚ ስዕረን ንኹላትና ተሰሚዑናዩ፡ እንተኾነ 2021 ናይ መወዳእታ እዋን ዘይኮነትሲ መፈለሚ ዓመትያ፣"

ሚስተር ኪርኩፕ ከም በዓል ጆን ሃዋርድ ዝበሉ መራሕቲ ሰልፊ ሊብራልስ መንበሩ ጥራይ ኣይኮነን ተወሲድዎ፡ እቲ ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ መሪሕነት ናብ ሰልፊ ናሽናልስ ከሰጋገር እዩ።
Zak Kirkup is the first major party leader to lose his seat at an election in about 88 years.
زک کرکب در ٨٨ سال گذشته نخستین رهبر حزب لیبرال در آسترالیای غربی است که کرسی خود را می‌بازد. Source: AAP
ወዲ 34 ዓመት ሚስተር ኪርኩፕ ንደገፍቱ ኣብዘስምዖ ዘረባ "እቲ ዕድል ንሓዲሽ ወለዶ ንምግዳፍ ድሕሪ ደጊም ኣብውድድር ናይ ሊብራልስ ኣይኣቱንየ።" ኢሉ።

"ኩላትና ክንገብሮ ንኽእል ክንገብር ኣለና። ብሰንኪ ወሪዱና ዘሎ፡ እዚ ዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ንሰልፊ ሊብራል እቲ ዝኸበደ ጉዕዞ ክኸውን እዩ።" እንተኾነ ህዝቢ ወስት ኣውስትራሊያ ኣብ ኡ ስለዝምርኮስ ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕዮ ክንቦኩር የብልናን።" ኢሉ።

 


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ፕሪሜር ኮይኑ ዝተመርጸ ማርክ ማክጎወን "እቲ ዉጽኢት ምርጫ ፍረ ከቢድ ጻዕሪን ኢድካ ዘይምሃብን'ዩ።" ኢሉ። | SBS Tigrinya