ኣብ ቱርክየ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ዕውት ስለ ዘይተረኽበ፡ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ናብ ዳግማይ ድምጺ ምውሃብ ይኣቱ።

እቲ ንቱርኪየ ትጽቢት ክግበረ ዝጸንሐ ዝግበር ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፡ ኣብ መወዳእታኡ ብዳግማይ ድምጺ ምሃብ ክዛዘም እዩ ፣ እዚ ዝኾነሉ፡ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋንን መራሒ ተቓዋሚ ከማል ኪሊክዳሮግሉን ክዕወቱ ዘኽእሎም ናይ 50 ሚእታዊ ድምጺ ብዘይምርካቦም እዩ ።

ኣድመጽቲ ኣብ ቱርኪየ ኣብ ህዝባዊ ከባቢታት ባንዴራ እናውለብለቡ ይጭድሩ።

ቱርኪየ ኣብ ሓደ ዘመን ዘይተራእየ ሳዕቤን ዝህልዎ ኣገዳሲ ምርጫ ፡ ን20 ዓመት ክመርሕ ዝጸንሐ ኣካታዒ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶጋን ካብ ስልጣኑ ከወግድ ይኽእል'ዶ ይኸውን ? Credit: Jeff J Mitchell / Getty Images

ቱርኪየ ፡ ነቲ ን20 ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣትን ምልካዊ መገዲ ፍርዲ ዝህብ እዩ ዝተባህለሉ ምርጫ፡ ኤርዶጋን ኰነ ተቐናቓኒኡ ከማል ኪሊክዳሮግሉ ኣብቲ ብሰንበት ዝተገብረ ምውሃብ ድምጺ ከዐውቶም ዝኽእል ድርኩኺት ብዘይምብቃዖም ፡ ናብ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ገጹ ኣምሪሑ ኣሎ ።
ዳርጋ 91 ሚእታዊ ዝኸውን ሳጹናት ድምጺ ምስ ተቘጽረ ፡ ክልቲኦም ወገናት ቐዲሞም ከም ዘለዉን ነቲ ኣሃዛት ነፍሲ ወከፎም ይመርሑ ከምዘለዉ ይዛረቡ፣ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ዓሙቕ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብዛዕባ'ቲ ዝግበር ዘሎ ምሃብ ድምጺ መደምደምታ ከይወሃብ ብክልቲኦም ወገናት መጠንቀቕታ ሂቦም ኣሎ ።
እቲ ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ ፡ እቲ ርእይቶታት ናብ ኣዝዩ ጸቢብ ውድድር እኳ እንተ ኣመልከተ ፡ ነቲ ሽዱሽተ ሰልፊ ዝሓቘፈ ኪዳን ዝመርሕ ንሚስተር ኪሊክዳርዶግሉ ግና ቍሩብ ከም ዝመርሕ የመላኽት ። ብዓርቢ ኣብ እተገብረ ክልተ ገምጋማት ግና ፡ ንመራሒ ተቓዋሚ ካብ 50 ሚእታዊ ንላዕሊ ከምዝረክብ ተተንብየን ነይረን ።

እቲ ፕረዚደንታዊ ድምጺ ፡ ነታ 85 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ኣባል ኔቶ ዝዀነት ቱርኪየ መን ከም ዝመርሓ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ናብ ዝያዳ ዓለማውን ደሞክራስያውን መገዲ ዝመርሕ እንተ ኰይኑ እውን ክውስን እዩ። ከምኡ'ውን እዚ ምርጫ ነቲ ከቢድ ናይ መነባብሮ ቅልውላው ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ፡ ከምኡውን ነቲ ምስ ሩስያ ፡ ማእከላይ ምብራቕን ምዕራብን ዘለዋ ርክብ ብኸመይ ከም ዝቃነ ዝውስን እዩ ።
ብመሰረት እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ፡ ዳርጋ 91 ሚእታዊ ሳጹናት ድምጺ ዝተቖጽረ ኰይኑ ፡ ኤርዶጋን 49.86 ሚእታዊት ፡ ኪሊክዳሮግሉ ድማ 44.38 ሚእታዊት ሒዞም ወዲኦም ኣለዉ ።
እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ፡ እዚ ውጽኢት ብስርዓተ መትረብ ገይሩ ንኣርዶጋን ምእንቲ ክረብሕ ዝተገብረ መናውራ እዩ ኢሉ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን እቲ ተቓዋሚ ኪዳን ፡ "ኣብ ቀዳማይ ዙር ፡ ተዓዋቲ ኣይክህሉን እዩ ። ይኹን እምበር ፡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ፡ ኪሊክዳሮግሉ ክመርሕ እዩ ። "

ኢሮጋን ኣብዚ ምርጫ እንተ ተሳዒሩ እንታይ ክኸውን እዩ?

ዝቕጽል ፕረዚደንት ቱርኪየ ምምራጽ ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር 100 ዓመት ዝገበረ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ውሳነታት እዩ ፣ እቲ ዉጽኢት ክንዮ ዶባት እታ ሃገር እውን ጽቡቕ ጌርካ እዩ ዝርአ ።
እቲ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መሻርኽቲ እቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኤርዶጋን እንተ ተሳዒሩ ንክረምሊን ጽቡቕ ኣይክኸውንን እዩ። ንምምሕዳር ባይደንን ነቶም ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጽቡቕ ርክብ ዘይነበሮም ብዙሓት መራሕቲ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ግና እፎይታ ዝህቦም እዩ ።
እቲ ዝነውሐ ዓመታት ፕረሲደንት ኮይኑ ዝጸንሐ መራሒ ቱርኪየ ፡ እታ ኣባል ኔቶ ዝኾነትን ኣብ ኣውሮጳ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ኩነታት ቀንዲ ተዋሳኢት ቀይርዋ እዩ ፣ ነታ ሃገር ዘመናዊት ፡ ከም ሓድሽ ድልድላትን ሆስፒታላትን መዓርፎ ነፈርትን ዝኣመሰለ ሜጋ-ፕሮጀክታት ሃኒጹን ፡ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ሃገራት ተደላዪ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪ'ውን ሃኒጹ እዩ ።
እንተዀነ ግን: እቲ ትሑት መጠን ወለድ ዘለዎ ቊጠባዊ ፖሊሲኡ: ከቢድ ናይ መነባብሮ ቅልውላውን ዋሕዲ ገንዘብን ስለ ዘስዓበ: ንኣድመጽቲ ግዳይ ቍጥዓ ኰነ ። መንግስቱ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪየ ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅልጡፍ ምላሽ ብዘይምሃቡ ፡ 50,000 ሰባት ኣድመጽቲ ክርህቅዎ ገይሩ እዮ ።
ሚስተር ኪሊክዳሮግሉ ፡ ድሕሪ እቲ ንዓመታት ብመንግስቲ ዝወረዶ ጸቕጢ ፡ ንዲሞክራሲ እንደገናብምብርባር፡ ናብ ናይ ሓቀኛ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ብምምላስ ፡ ነተን ኣብ ትሕቲ ኤርዶጋን መሰል ርእሰ ምምሕዳር ዝሰኣና ትካላት ብምሕያል ፡ ነቲ ምስ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ ድኹም ርክብ ከም ብሓድሽ ከም ዝሰርዖ ቃል ኣትዩ ኣሎ ።
እቲ ሰልፊ ተቓውሞ እንተድኣ ስዒሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ደለይቲ ፍትሕን ክፍትሑ ይኽእሉ እዮም ።
ሃያስያን ንሚስተር ኡርዶጋን ኣብዚ ምርጫ እንተ ተዓዊቱ ብዝያዳ ዉልቀ መላኺ ክኸውን እዩ ኢሎም ይሰግኡ ። እቲ ኣብ ምርጫ ሓያሎ ዓወታት ዘመዝገበ ወዲ 69 ዓመት ፕረዚደንት: ንደሞክራሲ ከም ዘኽብሮን ውልቀ-መላኺ ከም ዝዀነ ከም ዝነጽጎን ይገልጽ ።
ሳልሳይ ሃገራዊ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ሲናን ኦጋን ፡ ኣብቲ ድምጺ 5.3 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ረኺቡ ።

ኣብ መንጎ ናይ ኢርዶጋን እስላማውዊ መሰረት ዘለዎ ሰልፊ AKP ዝሓቍፍ ኪዳን ህዝቢ ከምኡውን ሃገራዊ ሰልፊ MHPን ካልኦትን ፡ እቲ ናይ ሚስተር ኪሊክዳሮግሉ ዘቘሞ ሃይማንታዊ ዘይኮነ ሽዱሽተ ተቓወምቲ ውድባት ዝሓቖፈ ሰልፊ CHP እዮም ህዝቢ ቱርክየ ንፓርላማ ዝመርጽ ዘሎ ።
Turkish citizens at a rally waving Turkish flags.
Supporters of the Turkish presidential candidate Kemal Kilicdaroglu reacting after early exit polls at the Republican People's Party (CHP) headquarters in Ankara, Türkiye. Credit: Burak Kara / Getty Images
እቲ 89.5 ሚእታዊት ድምጺ ዝተቖጽረ ኮይኑ ፡ እቲ ናይ ኤርዶጋን ሕብረት፡ ኣብቲ 600 መንበር ዘለዎ ባይቶ 323 መናብር ብምርካቡ ካብቲ ትንቢት ዝተገብረሉ ዝለዓለ ውጽኢት ረኺቡ እዩ ።
ሚስተር ማርዶጋን ንመብዛሕትኡ ትካላት ቱርኪየ ኣጥቢቑ ይቈጻጸሮ እዩ ፣ ንሊበራላውያንን ንሃያስያን ድማ ጸቒጡ ሒዝዎም እዩ ። ህዩማን ራይትስ ዎች ፡ ኣብቲ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻቡ ፡ መንግስቲ ኤርዶጋን ኣብ መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ቱርክየ ብ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ከምዝመለሳ ጸጻብ ኣቕሪቡ ኣሎ ።
እቶም ካብ 15-20 ሚኢታዊ ዝዀኑ ኩርዳውያን ኣድመጽቲ: እቲ ናታቶም ሃገራዊ ሕብረት ባዕሉ ባይቶኣዊ ስልጣን ክሕዝ ስለ ዘይክእል ኣብዚ ምርጫ ዓቢ ግደ ክህልዎም እዩ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: Reuters

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service