ትሕቲ-16 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝኽልከሉለን መድረኻት ሓፋሽ ቁጽረን ተወሲኹ፡ ገና ካልኦት ድማ ይሕሰበለን

ረዲት (Reddit) ን ቀጥታ ፈነወ ዝካየደሉ መድረኽ ኪክ (Kick) ን ምስ'ቶም ድሮ ትሕቲ-16 ዝዕድሚኦም ቆልዑን ህጻናትን ከይኣትዉሎምን ከይጥቀሙሎምን ተባሂሉ እገዳ ተገይርሎም ዘሎ መድረኻት ሓፋሽ ተጸንቢሮም። ካልኦት ተወሰኽቲ ድማ ገና ይሕሰበሎም ኣሎ።

A close-up of a mobile phone showing a small alien icon and the word Reddit in red writing

The social media ban will come into effect from 10 December, with exceptions for health and education services such as WhatsApp and Meta's Messenger Kids. Source: SIPA USA / Mykola Tys

ናይ ኦንላይን መዛተዪ መድረኽ ረዲት (Reddit) ን ቀጥታ ፈነወ ዝካየደሉ መድረኽ ኪክ (Kick) ን ንትሕቲ-16 ዝዕድመኦም ኣውስትራልያውያን ከይጥቀሙ ኣብ ዝኽልክል እገዳ ማሕበራዊ መድረኻት (መድረኻት ሓፋሽ) ክካተቱ'ዮም።

ፈይስቡክ (Facebook), ኢንስታግራም (Instagram), ስናፕቻት (Snapchat), ቲክቶክ (TikTok), ዩትዩብ (YouTube) ከምኡ'ውን ኤክስ (X) ኣብ ትሕቲ'ቲ 10 ታሕሳስ ኣብ ተግባር ዝውዕል፣ ናይ ኣውስትራልያ ቀዳማይ ኣብ ዓለም ዝኾነ ሕጊ ማሕበራዊ መድረኻት፣ ትሕቲ 16 ዝዕድሚኦም ሰባት መዝገብ (ኣካውንት) ከይህልዎም ወይ ከይከፍቱ "ቅቡላት ስጉምትታት" ክወስዱ ግድን ከድልዮም'ዩ፣

ፈደራክ መንግስቲ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ እገዳ ወይ ቀይዲ ንረዲት (Reddit)ን ኪክ (Kick)ን'ውን ከካትት'ዩ፣ ካብ ተወሰኽቲ ካልኦት ድማ ከም በዓል ቀጥታዊ ፈነወ ክትዝርግሓሉ ትኽእል መድረኽ ሓፋሽ ትዊች (Twitch) ወሲኽካ ገና ይሕሰበሎም ኣሎ።

"እዚኦም ብርግጽ ተወሲኖም ዝውድኡን ዝርስዑን ሕግታት ኣይኮኑን... ናብ 10 ታሕሳስ እናቐረብና ኣብ ንመጻሉ ንምቅይያር ቦታ ወይ ዕድል ዝህልዎም'ዩ፡" ክትብል ሚኒስተር ርክባት ኣኒካ ዌልስ ሮቡዕ ንኤቢሲ ሓቢራ።

ቀረብ ንህጻናት (ህጻናት ክኸፍትዎን ክጥቀምሉን) ክከላኸሉ ዘይከኣሉ ዓርሞሸሽ ትካላት ቴክኖሎጂ (Tech giants) ክሳብ 49.5 ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ክጽበዮም'ዩ።
ተጠቀምቲ ሶሻል መድያ (መድረኻት ሓፋሽ) ከም ቀንዲ ኣገባብ መረጋገጺ ዕድመ ኣብ ኦንላይን (ኢንተርነት) ብመንግስቲ ዝወሃቡ ወረቓቕቲ መንነት ከቕርቡ ክግደዱ ኣይክእሉን'ዮም፡ ነቲ ዕድመ ንምርግጋጽ ካልኦት ኣገባባት ወይ ኣማራጺታት ክቐርቡሎም ግድን'ዩ።

ን ዋትስኣፕ (WhatsApp) ን መሰንጀር ህጻናት ናይ ሜታ (Meta's Messenger Kid) ወሲኽካ፡ ንኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ሕድገታት ክህልዉ'ዮም።

እዚ ሕጊ ንተማእዛዝነቱ ወይ ምኽባሩ፡ "ናይ ተጠቀምቲ ወይ ዓማዊል ደቂ ትሕቲ-16 ምዃኑ ፈለማ ኣለሊኻ፡ ድሕሪኡ ከምዘይስርሕ ምግባሩ ወይ ካብ'ቲ መድረኽ ሓፋሽ ምልጋሱ"፡ እቲ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ'ዘን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ (ቴክ ካምፓኒስ) የቐምጦ።

ከባቢ 1.5 ሚልዮን መዛግብቲ ወይ ኣካውንታት ኣብ ፈይስቡክ፡ ኢንስታግራም፡ ዩትዩብ፡ ቲክቶክ፡ ትሬድስ (Threads) ን ኤክስን ከም ውጽኢት ናይ'ዚ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ክልተ ኣዋርሕ ከምዘይክፈቱ ወይ ከምዘይሰርሑ ክግበሩ ወይ ድማ ካብ ንጥፈት ደው ከምዝብሉ ክኾኑ'ዮም።

ኮሚሽነር eSafety ጁሊ ኢንማን ግራንት ንበዓል ረዲትን ካልኦት መድረኻት ሓፋሽን ኣብ ትሕቲ'ዚ እገዳ ዝካተቱ እንተኾይኖም ነብሰ-ፍተሻ ወይ ገምጋም ክገብሩ ኣቐዲማ ጽሒፋትሎም ኔራ።

ዌልስ ኣቐዲማ ኣብ ዝገለጸቶ "እዚ ሕጊ ኣብ ምትግባር ንፍሽለት ምኽንያት ከምዘየለ ክርድኡ" ብምባል ምስ ቀንዲ መድረኻት ሓፋሽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተራኺባ ኔራ።
"ESafety ሰለስተ መድረኻት ሓፋሽ ገደብ ዕድመ የድልየን ክብል ገምጋሙ ሂብወን፡ እንተኾነ ግን እቶም ገምጋማት ግን ቀጸልትን እቲ ዝርዝር ድማ ተለዋዋጥን'ዩ፡" ክትብል ገሊጻ።

"ንፍጹምነት ኣይኮንናን ንጓየ ዘለና። ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከነምጽእ'ምበር።"

ጁሊ ኢንማን ግራንት፣ ንወለድን ንኣሽቱ መንእሰያትን ንጽሑፋትን ሕግታትን ናይ'ቲ ኮሚሽን ከውርድዎ (download ክገብርዎ)ን ነቲ ሕቶታት ብዛዕባ ንዕድመ ዝምልከቱ ቀይድታትን እገዳታትን ኣብ ሶሻል መድያ ክምለስሉ ዝኽእሉ ቀጥታዊ ፈነወ (webinar) ክምዝገቡን ተተባብዕ።

"ህጻናት መዛግብቲ (ኣካውንትስ) ማሕበራዊ ሜድያ ከውጽእሉ ወይ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ቀረብ ምድንጓይ ንክመሃሩን ክዓብዩን ጠቓሚ ዝኾነ ግዜ ይህቦም፣ ካብ ሓያላት፣ ዘይረኣዩ ሓይልታት፣ ግሉጽነት ዘይብሎም ኣልጎሪዝማትን መወዳእታ ዘይብሎም ምግንጻላት (ገጻትን) ነጻ ይገብሮም፣" ክትብል ከኣ ትገልጽ።



Share

3 min read

Published

By SBS Tigrinya

Presented by SBS Tigrinya

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service