SKIP TO MAIN CONTENT

ፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ኣማኢት ኣሻሓት ህዝቢ ኣልጀሪያ ኣድማኡ ቀጺሉ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝሳተፉ ዘለዉ ን Reuters “ ንሕና ሎሚ ንሃቶ ዘለና ሓደ ጥራሕ እዩ፡ ንሱ ድማ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ወረበላታት እቲ ጸወታ ተወዲኡ እዩ፡ ካብ ስልጣን ልቐቑ!” ኢሉ።

Algeria Protest
Source: Getty

2 min read

Published


Skip to article content

ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣልጀሪያ ናብ ጽርግያታት ብምውጻእ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ስልጣን ኣይወርድን ዝብል ፕረሲደንት ኣብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ክእለ ንሰሙናት ዝጸንሐ ጻዊዒት ሕጂ’ውን ብዝተዓጻጸፈ መገዲ ቀጺሉ።

ኣብ ዋና ከተማ አልጀሪስ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ንተኸታታሊ ሽዱሽተ ዓርቢታት ኣንጻር መንግስቲ ተቓዉሞኡ ይቕጽሎ ኣሎ፡፤

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ኣዛዚ ሰራዊ ሌተ. ጀነራል ኣሕመድ ጋኣድ ሳላሕ እቲ ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ከምዝኾነ ንህዝቢ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

እንተኾነ ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣልጀሪያ እዚ ኣበሃህላ ንነጻ ምርጫ ዉሕስነት ኣይህብን እዩ ይብሉ።

BBC ካብቲ ቦታ ከምዝጸብጸቦ፡ ህዝቢ ናብ ፕረሲደንት ኦፊስ ኣብዘምርሓሉ እዋን፡ ፖሊስ ኣልጀሪያ ኣብቶም ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝገብሩ ዘንብ ዕ ጋዝ ክትኩሱ ተራእዮም።

እዚ ከምብሓድሽ ተጓሃሂሩ ዘሎ ተቓዉሞ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሌተ. ጀነራል ኣሕመድ ጋኣድ ሳላሕ ሚስተር ቡተፍሊቃ ክመርሕ ብቘዕ ኣይኮነን ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

እዚ ናይ ህዝቢ ኣንጻር ቡተፍሊቃ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ፡ እቲ ብሰንኪ ሕማም ወቕዒ ካብ 2013 ኣትሒዙ ናብ ህዝቢ ዘይቅልቀል ሽማግለ ኣብዝመጽእ ምርጫ ክወዳደር እየ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ተቓዉሞ ህዝቢ በርቲዑ ምስገንፈለ እቲ ፕረሲደንት ንሓሙሻይ እዋን ከምዘይወዳደር እንተገለጸኳ ምርጫ ግን ከምዝደናገ ተገይሩ ኣሎ፡

ህዝቢ ኣልጀሪያ እቲ ፕረሲደንት ኣይወዳደርን ምባሉ ብጥርጣረ ብምጥማት እቲ ን 20 ኣመታት ኣብስልታን ምጽናሑ ከናውሖ እዩ ዝደሊ ብምባል ተቓዉሞኦም ከምዘየዝሕልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፤

ሓደ ካብቶም ኣብ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝሳተፉ ዘለዉ ን Reuters “ ንሕና ሎሚ ንሃቶ ዘለና ሓደ ጥራሕ እዩ፡ ንሱ ድማ እዞም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ወረበላታት እቲ ጸወታ ተወዲኡ እዩ፡ ካብ ስልጣን ልቐቑ!” ኢሉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now