ኢትዮጵያ ንሓደ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣሲራ

ጋዜጠኛታት ኣብዝሃለዉ ሃልዮም ንረብሓ ህዝቢ ብዘይጸቕጢ ጸብጻቦም ከቕርቡ ክፍቀደሎምን፡ ኩመራ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወጽእ ሮይተርስ ከምዘይዓርፍ ገሊጹ።

SBS Tigrinya News

Source: Reuters

 

“ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኢትዮጵያ ምእሳሩ ንኹንን።” ክብል ናይ ሮተርስ ቺፍ ኢዲተር ስተፈን ኣድለር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኩመራ ናይ ሮተርስ ጋዜጠኛ ኾይኑ ካብ ኢትዮጵያ ርትዓውን ነጻን ዘይሻራዊ ጸብጻብ ከምዘቕርብ ኣብቲ መግለጺ ዝተጻሕፈ ኮይኑ “መእሰሪ ክኾኖ ዝኽእል ዝኾነ መሰረት ኣይረኣየናን” ክብል ተገሊጹ።

ብዘይካ ማእሰርቲ ኩመራ ናይ ሮተርስ ፎቶግራፈር ቲክሳ ነገሪ’ውን ብ ክልተ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ብ 16 ታሕሳስ ከምተቐጥቀጠ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

 

ጋዜጠኛታት ኣብዝሃለዉ ሃልዮም ንረብሓ ህዝቢ ብዘይጸቕጢ ጸብጻቦም ከቕርቡ ክፍቀደሎምን፡ ኩመራ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወጽእ ሮይተርስ ከምዘይዓርፍ ክብል እቲ መግለጺ ደምዲሙ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service