SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያ ንሓደ ጋዜጠኛ ሮይተርስ ኣሲራ

ጋዜጠኛታት ኣብዝሃለዉ ሃልዮም ንረብሓ ህዝቢ ብዘይጸቕጢ ጸብጻቦም ከቕርቡ ክፍቀደሎምን፡ ኩመራ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወጽእ ሮይተርስ ከምዘይዓርፍ ገሊጹ።

SBS Tigrinya News
Source: Reuters

1 min read

Published


Skip to article content

 

“ናይ ሮይተርስ ጋዜጠኛ ኩመራ ገመቹ ኣብ ኢትዮጵያ ምእሳሩ ንኹንን።” ክብል ናይ ሮተርስ ቺፍ ኢዲተር ስተፈን ኣድለር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኩመራ ናይ ሮተርስ ጋዜጠኛ ኾይኑ ካብ ኢትዮጵያ ርትዓውን ነጻን ዘይሻራዊ ጸብጻብ ከምዘቕርብ ኣብቲ መግለጺ ዝተጻሕፈ ኮይኑ “መእሰሪ ክኾኖ ዝኽእል ዝኾነ መሰረት ኣይረኣየናን” ክብል ተገሊጹ።

ብዘይካ ማእሰርቲ ኩመራ ናይ ሮተርስ ፎቶግራፈር ቲክሳ ነገሪ’ውን ብ ክልተ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ ብ 16 ታሕሳስ ከምተቐጥቀጠ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

 

ጋዜጠኛታት ኣብዝሃለዉ ሃልዮም ንረብሓ ህዝቢ ብዘይጸቕጢ ጸብጻቦም ከቕርቡ ክፍቀደሎምን፡ ኩመራ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝወጽእ ሮይተርስ ከምዘይዓርፍ ክብል እቲ መግለጺ ደምዲሙ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now