A woman smiling as she poses for a photo.
A woman smiling as she poses for a photo.

ሮዳ ሮበርትስ (Rhoda Roberts AO): ወለዶኣ ክደምቕ ድምጻ ዘቃለሐት ሰብ

ሮዳ ሮበርትስ AO ሕንከት ብዘይብሉ ምትእምማንን ዘይንቕነቕ ዕላማን ባህላን መንነታን ተሰኪማ ተጓዒዛ።

Published

By John-Paul Janke
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS
Image: Rhoda Roberts' legacy is written not only in festival, ceremonies and stages but in the people who now stand taller because she cleared the way. (Supplied / Claudine Thornton Creative)

መተሓሳሰቢ ንኣንበብቲ፣ ንደቀባታዊ ባህላዊ ፕሮቶኮላት ኣብ ግምት ብምእታው SBS/NITV ስም ሮዳ ሮበርትስ፣ ድምጻን ምስላን ክጥቀምን ከባዝሕን ፈቓድ ረኺቡ'ሎ። ከምኡ ንገብር ዘለና ምስ'ቲ ድሌታ ብዝሳነ'ዩ። ምስ ስድራቤታን ማሕበረሰባን'ውን ምምኽኻር ንቕጽሎ ኢና።

ሮዳ ሮበርትስ AO ዘየማትእ ሓይሊ ባህሊ፡ ሓቂ፡ ርህራሀን ልግስን ኔራ።

ሸለል ክትበሃል ዘይትከኣል፣ ዋጋ ዕዳጋ ዘይትገብርን ኣገዳሲትን ኔራ።

ሮዳ ኣብ ውሽጢ ኩልና ናይ ሓበን ስምዒት ኣበራቢራ፣ ብባህላዊ ድልዳለ ሸፊናትናን ኣብ ሓቂ ሰረት ዝገበረ መጻኢ ክንሓልም ገይራትናን። ድምጽታት ቀዳሞት ህዝብታት ናብ ሃገራዊ ዛንታ ዝውሰኽሉ ጥራይ ዘይኮነ ህርመት ልቡ ዝኾንሉ መጻኢ።

'ኣንቲ' (ሓትኖ/ኣሞ) ሮዳ ኢልና ኩልና ጸዊዕናያ።

ኣብ ልዕሊኣ ዘለና ዓሚቕ ኣኽብሮት ዝገልጽ መጸውዒን ኣብ ክንድኡ ድማ በቲ መሊሳ ትህበናን ትልግሰልናን ፍቕሪ፣ መሪሕነትን ህድኣትን ዘንጸባርቕ።

A woman smiling as she poses for a photo.
ሮዳ ሮበርትስ ስነጥበብ ካብ ፍትሒ ፈጺሙ ዝተፈልየን ዝረሓቐን ከምዘይኮነ ተረዲኡዋ። ንዕኣ፡ ባህሊ ትገጥመሉ ግንባር (ቅድመ ግንባር) እዩ ኔሩ። Source: Supplied

ሓደ ሓደ ግዜ ከነቀባጥር 'Aunt" 'ኣንት' ኢልና ጥራይ ንጽውዓ - ብፍልላይ 2-3 ማንካ ሽኮር ዘለዎ ሻሂ ክነፍልሓላ ወይ ክንቅርበላ'ንከለና - እቲ ሽኮር ክትርስዖ ዘይከኣል'ዩ።

ባህሊ፣ መንነትን ርእሰ ተኣማንነትን

ሮዳ ሕብንቲ ተወላዲት ጓል ዊጃቡል ዊየባል ካብ ሃገረ ቡንጃሎንግ እያ - ኣብ 1959 ተወሊዳ - ባህላን መንነታን ከይሓነኸት ብርእሰ ተኣማንነትን ተሪር ዕላማን ተሰኪማ ዝተጓዕዘት'ያ።

ካብ ሚዩሪየልን ፓስተር ፍራንክ ሮበርትስን ተወሊዳ፣ ሮዳን ማንታ ሓብታ ሉዊስን ኣብ መንጎ ምዕባየን ሓወን ፊሊፕን ምንኣስ ሓወን ማርክን ተወሊደን።

ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ዞባ ኖርዘርን ሪቨርስ፡ ኣብ ትርከብ ሊዝሞር ዓብያ፣ 10ይ ክፍሊ ምስ ወደአት'ያ ትምህርታ ኣቋሪጻ፡ ምእላይ ሕሙማት (ነርሲንግ) ክትመሃር ናብ ሲድኒ ከይዳ።

ሮዳ ብዙሕ ግዜ ካብ ንእስነታ ኣድልዎ የጋጥማ ከምዝነበረ ትዝክር - ንጽልማ ዘመልክት (ዘአንፍት) ብተደጋጋሚ 'darkies' ('ዳርኪስ') ትበሃል ኔራ፣ ካብ ሓደ ኣማኻሪ ሞያ "ቆልዓ ሰሚናሪ (ሚሽን) ብምዃንኪ ኣብ መወዳእትኡ ስራሕ ከይረኸብኪ ክትተርፊ ኢኺ" ብምባል ምስክር ወረቐት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ (Higher School Certificate (HSC)) ከይትፍተን ተጎናዲባ።

ንሳ ኣብ ሊዝሞር ድዩ፣ ኣብ ካበጅ ትሪ ኣይላንድ፣ ወይ ድማ ኣብ'ቲ ብሓርፋፍ ገምጋም 7 ኪሜ ካብ ሊዝሞር ውጽእ ኢሉ ዝርከብ፡ ካብ 1932 ክሳብ 1965 ደቀባት ባዕሎም ዘመሓድርዎ ዝነበሩ ሰፈራ ወይ መዕቆቢ ደቀባት፡ ኩባዊ ኣቦሪጂናል ሪዘርቭ (Cubawee Aboriginal Reserve)፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ፣ ጭቆና፣ ጸለምቲ ንበይኖም ዝነብርሉን ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ኣብ ልዕሊኦምን ዝገልጹ ዛንታታት ናይ ስድራኣ ተሰኪማ።

ብመንገዲ ተጣባቕነት ንመሰልን ቃልሲ ንፍትሒን ናይ ኣቦኣ፣ ንበዓል ፈይዝ ባንድለር፣ ፓስተር ሰር ዳግ ኒኮልስ፣ ቻርለስ ፐርኪንስ፣ ማርጋሬት ታከር፣ በርት ግሮቭስ፣ ዳልሲ ፍላወር፣ ጆን (ጃክ) ሆርነር፣ ኤቨሊን ስኮት፣ ጆ ማጊነስን ፓት ሚለርን ብዝኣመሰሉ ፍሉጣት መራሕቲ ተኸቢባን ተተባቢዓን ዓብያ።

ኣብ 1979 (ረጂስተርድ) ነርስ ኮይና ድሕሪ ምምራቓ፣ ሮዳ ኣብ 1981 ኣብ ኣዳራሻት ሕክምናን ክፍሊ ኤ ኤንድ ኢን (A&E) ኣብ ሆስፒታል ዌስትሚኒስተር ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታላት ኣብ ኢጣልያ፣ ግሪኽን ህንዲን ክትሰርሕ ከይዳ።

A woman posing for a photo while seated on a couch.
"ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባ እንተቐይርካ ናብ ኩሉ ዘሊሉ ናይ ምብጻሕ ጽልዋ ይህልዎ" ዝብል እምነት ብዝነበሮ ኣቦኣ ብዓቢይ መጠን ዝተጸልወት፡ ሮዳ፡ ጸሓፊትን ጋዜጠኛን ክትከውን ህርፋን ኣሕዲራ። Source: Supplied

ኣብ መፋርቕ 1980ታትን ድሕሪ ምምላሳ፡ ልዑል ስምዒታ ናይ ስነጥበብ ቀጺላቶ፡ ነጻ ስቱድዮ ተዋስኦ ናይ ብራያን ሳይረን ኣብ ስነጥበብ ምውሳእ ዲፕሎማ ክትመሃር ተጸንቢራ፡ ኣብኡ ድማ ምስ አርኒ ዲንጎን ሊዲያ ሚለርን ተማሂራ። ንትምህርታ መኽፈሊ ዝኾና ንምርካብ ኣብ ሆስፒታል ማንሊ ሰሪሓ።

ኣብ'ቲ ፈላማይ ሃገራዊ ዋዕላ ጸለምቲ ጸሓፍቲ ድርሰት 1987 ኣብ ካንቤራ ተሳቲፋ፡ ሮዳ ድሕሪኡ ኣብ 1988 ንማሕበር Aboriginal National Theatre Trust ምስ ካልኦት ናይ ሓባር መስራቲት ኮይና፡ ኣብ'ቲ ንበዓል ብራያን ሳይረን፡ ኬቪን ጊልበርት፡ ሊዲያ ሚለር፡ ሱዛን ባት፡ ቪቭያን ዎከር፡ ማይክል ጆንሰን፡ ለስሊ ፎጋርቲን ጃስቲን ሶውንደርስን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ዝሓቖፈ ቦኽሪ ኣካያዲ ኮሚተ ድማ ቦታ ወሲዳ። ኦድጀሩ ኑኑካል (Oodgeroo Noonuccal) ናይ'ቲ ማሕበር ናይ ክብሪ ኣላዪ ኔሩ።

"ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባ እንተቐይርካ ናብ ኩሉ ዘሊሉ ናይ ምብጻሕ ጽልዋ ይህልዎ" ዝብል እምነት ብዝነበሮ ኣቦኣ ብዓቢይ መጠን ዝተጸልወት፡ ሮዳ ጸሓፊትን ጋዜጠኛን ክትከውን ህርፋን ኣሕደረት።

ፈለማ ኣብ ሬድዮ ሬድፈርን ወለንተኛ ኮይና ጀሚራ፡ ኣብ ኤቢሲኤቢሲ (ABC) ዕድል ስራሕ ረኺባ፡ ድሕሪኡ ኣብ ኤስቢኤስ ክትሰርሕ ኣመልኪታ። ኣብ 1989፡ ምስ ማይክል ጆንሰን ኮይና ናይ ኤስቢኤስ መደብ 'ፈርስት ኢን ላይን' ኣቕሪባ፡ ኣብ ፕራይም-ታይም ቴሌቪዥን ድማ ናይ ፈለማ ኣቕራቢት ጓለባት ኮይና።

ኣብ 1990፡ ኣብ'ቲ እዋናዊ ጉዳያት ዝምልከት ሰሙናዊ መደብ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ፡ ቮክስ ፖፑላይ (Vox Populi)፡ ከም ኣቕራቢት ኮይና ክትሰርሕ ተጸንቢራ፡ ኣብ'ቲ ብሲልቪዮ ሪቪየር ዘአንግዶ ዝነበረ መደብ ሆትላይን (Hotline) ድማ ከም ዘዋሪት ኣቕራቢት ጸብጻብ ኮይና ሰሪሓ።

ሮዳ ብተወሳኺ፡ ነታ ኣብ 1991 ንምጥቃም ጎዳእቲ ነገራት ኣብ ደቀባታዊ ማሕበረሰባት ብመንጽር ጸለምቲ ዝተመልከተት 'in the Gutter? No Way' ዘርእስታ ወሲኽካ ብዙሓት መጽናዕታዊ መደባት ጽሒፋ፡ ኣዳልያን ኣልያን'ያ።

ኣብ 1993፡ ሮዳ ምስ መስራቲ ቫይብ ኣውስትራልያ (Vibe Australia) ዝኾነ ጋቪን ጆንስ፡ ኣዳላዊትን ኣቕራቢትን ንሃገራዊ መደብ ሬድዮ Deadly Sounds (ዴድሊ ሳውንድስ) ኮይና ክትሰርሕ፡ ተጸንቢራ፡ እቲ መደብ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ኣወንታዊ ድምጺ ንማሕበረሰብ ደቀባት ብምሃብ ን21 ዓመታት ፈነውኡ ኣካይዱ።

ኣብ'ቲ ዓመት፡ ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ'ቲ ኣብ መፋርቕ 90ታት ንናይ ጸለምቲ ትያትር በሪ ዘርሓወ ሉዊ ኖውራ (Louis Nowra) ዘዳለዎ ኣድናቖት ዝረኸበ ምርኢት፡ Radiance (ራዲያንስ)፡ ኣብ ኣዳራሽ በልቭዋ ስትሪት ትያትር (Belvoir St Theatre) ብምውሳእ ንናይ ተዋስኦ ዓለም ጫው ጫው ኣቢላቶ።

Three women posing by the ocean for a photo.
ኣብ 1993 ሮዳ ሮበርትስ (የማን) ኣብ'ታ ኣብ መፋርቕ 90ታት ንናይ ጸለምቲ ትያትር በሪ ዘርሓወትን ኣድናቖት ዝረኸበትን ምርኢት፡ Radiance (ራዲያንስ)፡ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮይና ቀሪባ። Source: Supplied

ኣብ'ቲ ዝለዓለ ጠርዚ ናይ ስርሓ፡ ኣብ 1994 ንተዋሳኣይ ቢል ሃንተር ተመርዕያቶ፡ ሰለስተ ዓመት ካብ'ዛ ዓለም ቅድሚ ምሕላፉ ኣብ 1998 ግን ተፈላልዮም።

ኣብ 1995፡ ንሳን ጋቪን ጆንስን The Deadlys ዝተሰየመ ሃገራዊ ስልማታት ብሉጽነት ስርሓት ሙዚቃ፡ ስፖርትን ማሕበረሰብን ኣቦሪጂናላውን ደቂ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዘብዕል ውራይውራይ መስሪቶም። ን20 ዓመታት ድማ ተኻይዱ'ሎ።

በሪታት ምርሓው

ሕሉፍ ታሪኽ ስራሕ ሮዳ ኣብ ኩሉ ፈላሚት ወይ ጀማሪት ብዝብል ይልለ እንተኾነ'ኳ፡ ንነብሳ ክትፍለጥ ኢላ ባዕላ ዝደለየቶም ኣይኮነትን። በሪታት ወይ መዓጹ ክኽፈቱ ስለዘለዎም - ክፉታት ኮይኖም'ውን ክጸንሑ - ኢላ'ያ ትእልሾም ወይ ትደልዮም ኔራ፡ ነቶም ብድሕሪኣ ዝመጹ ብምባል።

ኣብ መወዳእታ 1990ታት፡ ብኣወሃሃዲት ኮሚተ ኦሎምፒክስ ሲድኒ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓላፍነታት ኣማኻሪት ስነጥበብ ተጸሚዳ፡ ኣብ ባህላዊ ኦሊምፒያድ (Cultural Olympiad)፡ ፈስቲቫል ኦፍ ዘ ድሪሚንግ (Festival of the Dreaming (1997-2000)፡ ውራያት ሲድኒ ድሪሚንግ (Sydney Dreaming events)፡ ምቅብባል ሽግ ኦሎምፒክስን ኣብ'ቲ Awakening (ምንቕቓሕ) ዝተሰምየ 8 ደቒቕ ዝንውሓቱ፡ ንደቀባት ዝምልከት ክፋል መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ሲድኒ ዳይረክተር ፈጠራ ብምዃን።

ምስ መምህር ሳዕስዒት (ኮሪዮግፈር) ስቲፈን ፐይጅ ብሓባር ብምስራሕ፡ Awakening ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ናብ 3.7 ቢልዮን ዝግመት ኣብ ቴሌቪዥን ዝተመልከቶ ሰብ፡ ባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ኣቕሪባ።

ሮዳ ብዙሕ ግዜ ነቲ መኽፈቲ ስነስርዓት እናዘከረት ተስተንትን'ያ፡ ንሃገረ ኣውስትራልያ ዘለዎ ትርጉም ብሓበን እናተዛረበት። ኣብ ጽምው ዝበሉ ህሞታት፡ ድሕሪ መጋረጃ ናይ'ቲ ውራይ ብዛዕባ ዝነበሩ ነገራት ተሙልቕ - እቶም ብድሆታትን ምስ'ተን ካብ ምዕራባዊ በረኻታት (Western Deserts) ዝኾና ኣማኢት ደቀባት ደቀንስትዮ ምስራሕ ዝፈጠርዎም መስሓቓት ህሞታትን፡ ጠለባት ደርዘናት ዝኾኑ ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ተዘራሪብካ ምምላእን ንኦሎምፒክስ ምሕሳም ዝቐርቡ መጸዋዕታታት ምምልካትን።

ኣብ'ቲ መኽፈቲ ስነስርዓት ዝተኻየደሉ ምሸት፡ ሮዳ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጥንስቲ ኔራ።

ንሳ፡ ሰሙን ኣቐዲማ ካቲ ፍሪማን ንሽግ ኦሎምፒክስ ክትውልዓ ምዃና ፈሊጣ ከምዝነበረት፡ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ'ያ ነጊራትኒ፡ ኣብ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ኦሊምፒክስ፡ ኣብ'ቲ ብጥቡቕ ምስጢር ዝተታሕዘ ምልምማዳት ርእያታ ስለዝነበረት።

እቲ ኦሊምፒክስ ኣብ ሞያዊ ህይወታ ዝለዓለ ነጥቢ ኣብ ዘመልከተሉ'ውን እንተኾነ ሮዳ ዘይጽወር ቃንዛን ዓቢይ ሓዘን ብምኽንያት ምጥፋእ ማንታ ሓብታ፡ ሉዊስ፡ ኣብ ጥቓ ኒምቢን፡ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ዘጋጠመ፡ ተሰኪማ ትጓዓዝ ኔራ።

ሉዊስ ሓምለ 98 ጠፊኣ፡ እቶም ስድራ ድማ እዛ ጓል 38 ዓመት "ብእግራ ክትከይድ" ጥራይ'ያ ወጺኣ ዘላ፡ "ልዕሊ መጠን ኢኹም ትሻቐሉ ዘለኹም፡" ተባሂሎም ተነጊሮም።

ሬሳኣ ኣብ'ቲ ጥቕኡ ዝርከብ ጫካ፡ ዊያን ዊያን ስተይት ፎሬስት፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ተረኺቡ።

በቲ ጭካነ ዝመልኦ ቅትለት ሉዊስ ዝተኸሰሰ ዝኾነ ሰብ የለን፡ እቲ ጉዳይ ደጊሙ'ውን መርመራ ገበን ኣይተኻየደሉን።

ነቲ ዝነበረን ዓሚቕ ምትእስሳርን ዘይወጽእ ቃንዛ ሓዘንን ብስምዒት ብምዝካር ሮዳ ብዛዕባ ሉዊስ ብዙሕ ግዜ ተዕልል'ያ።

"ካብ'ታ ዝኸደትላ መዓልቲ፡ ምሸት ቅድሚ ናብ ድቃሰይ ምኻደይ፡ ብዛዕባኣ ይሓስብ። ትስእ ምስ በልኩ ቀዳማይ ነገርነገር፡ ንዕኣ ይርእያ። ስለ'ዚ፡ ኩሉ ግዜ ንእሽቶ ኮይና'ያ ክትነብር፡" ክትብል ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ ዕላል ገሊጻ።

ሮዳ ንዝነኣሰት ጓሉ ንሉዊ ዝኾነት ኤሚሊ'ውን ካብ ዝተወልደትሉ 1994 ኣትሒዛ የዕብያታ'ያ።

A photograph featuring two people smiling.
ሮዳ ሮበርትስን (ጸጋም) እታ ናይ 1998 ቅትለታ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ማንታ ሓብታ ሉዊስን Source: Supplied

ድሕሪ ኦሎምፒክስ 2000፡ ዕዮታት ሮዳ ብዙሓት መጠነ-ሰፋሕቲ ውራያት ዘካተቱ ኔሮም፡ መኽፈቲ ስነስርዓትስነስርዓት ዋንጫ ዓለም ራግቢ ኣብ 2003፡ ጥቓ ዉድፈርድ፡ ኲንስላንድ፡ ዝተኻየደ ፌስቲቫል Dreaming Festival (2005-2012)፡ ስነስርዓት ምርኽኻብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ኣቴንስ፡ መኽፈቲ ስነስርዓት Musee Du Quay Branley፡ ፓሪስ (2006)፡ ኤክስፖ ጃፓን (2006)ን ውራያት መዓልቲ መንእሰያት ዓለምን።

ኣብ 2003፡ ኣብ ባራንጋሩ፡ ሲድኒ፡ ዝካየድ ዓመታዊ ጽምብል ዎጋን-ማጉለ ጀሚራን ኣልያን - ንዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ድማ ከምኡ ገይራ። እዚ ወጋሕታ 26 ጥሪ ዝካየድ ስነስርዓት፡ ሙዚቃ፡ ሳዕስዒት፡ ቋንቋን ዕላል ዛንታታትን ተጠቒሙ ባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ዝህብን ዘብዕልን'ዩ።

ካብ 2005-2007፡ ሮዳ ጸብጻብ ተቕርብ ጋዜጠኛን ኣአንጋዲትን ንኤቢሲ ሬድዮ ናሽናል ፕሮግራም ABC Radio National Program AWAYE! ኔራ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2011 ድማ ኣካያዲት (ፈጠራዊ) ጽምብላት ሓድሽ ዓመት ከተማ ሲድኒ ኔራ።

ንዓወት ናይ'ቲ ንፌስቲቫል ብሪዝበን 2009 ብኣላይነት ናይ ኢጣልያዊ ጂዮርጂዮ ባቲስተሊ ዝኾነት ዓለምለኻዊት ምርኢት ኦፐራ 'ሚሪኮሎኣ ኣ ሚላኖ' (Miricoloa a Milanao) ዝሰርሓቶ ስራሕ ተኸቲሉ፡ ኣብ 2012 ንሙዚቃዊት ድራማ ያራባህ (Yarrabah the Musical) ክትኣሊይን ክትጽሕፍን ብኦፐራ ኣውስትራልያ ተመዊላ።

Yarrabah the Musical ደቡብ ካብ ከተማ ከይርንስ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ማሕበረሰብ ደቀባት ተሰሪሓ።

ኣብ ታሕሳስ 2012፡ ሮዳ ብነጻ ዝመሓላለፍ ፈነወ መደበር ቴሌቪዥን NITV ምስ ስታን ግራንት ኮይና ካብ ኡሉሩ ክምረቕ ኣብ ዝሓገዘትሉ ነቲ ታሪኻዊ ሃገራዊ ፈነወ ኣብ ምቕራብ ቀንዲ (ኣብ ቅድሚትን ማእከልን) ኔራ።

ባህላዊ ሓይሊ ዳግማይ ኣብ ምቕራጽ

እዛ ሓትኖና/ኣሞና ቀንዲ ባህላዊያን ትካላትና ብኸመይ ምስ ስነጥበባውያን ቀዳሞት ህዝብታት ዳግማይ ኣብ ምቕራጽ ወሳኒት ኔራ - ከም ጀመርትን ኣጋይሽን ዘይኮነስ፡ ከም መራሕቲ፡ ወሰንትን ፈጠራዊ ዘወርትን።

ካብ 2012 ክሳብ 2021፡ ሮዳ ኣብ ሲድኒ ኦፕራ ሃውስ ሓላፊት ደቀባታዊ መደባት ኔራ፡ ቅድሚኡ ካብ 1998 ክሳብ 2006 ሽማግለ (ትራስቲ) ኮይና ድሐሪ ምግልጋላ ማለት'ዩ።

ኣብ ኩሉ'ቲ 16 ዓመታት፡ ሮዳ ንሓደ ካብ'ቶም ኣዝዮም ተለለይቲ ዝኾኑ ህንጻታት ሃገርና ናብ ሓደ ባህልታት ደቀባትን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝረኣይሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ማእከል ዝኾንሉ ቀይራቶ። ኣብ ትሕቲ ኣላይነታ ሲስኒ ኦፐራ ሃውስ መድረኽ ጽምብላት፡ ቋንቋ፡ ፖለቲካዊ ምንጋር ሓቅን ብሉጽነት ስነጥበብን ኮይኑ።

A woman posing for a photo outside the Sydney Opera House.
ሮዳ ሮበርትስ ንሲድኒ ኦፕራ ሃውስ ናብ ሓደ ባህልታት ደቀባትን ተወለድቲ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ዝረኣይሉ ጥራይ ዘይኮነስ ማእከል ናብ ዝኾንሉ ቀይራቶ። Source: Supplied

ኣብ 2011፡ ከም ኣላይት መጠን ንመሰጅ ስቲክስ (Message Sticks) ካብ ሓደ ፈስቲቫል ናይ ፊልም ናብ ፈስቲቫል ብዝሐ-ስነጥበባት ኣስፊሓቶ።

ኣብ 2014፡ ነቲ ተዓዋቲ ስልማት ዝኾነ፡ ምትእኽኻብ ቀዳሞት መሳርሒታትን ቋንቋታት ኣደን ሰለስተ ህዝብታት ዝነበርዎ ፕሮጀክት ቡሜራንግ (Boomerang Project)፡ ምስ ኣውስትራልያዊ፡ ማኦሪን ሰልቲክን ስነጥበባውያን ብምዃን ዳግማይ ህይወት መሊሳትሉ።

ዓመታዊ ነጻ ኣብ ደገ ዝካየድ ንሙዚቃ፡ ሳዕስዒትን ባህልን ቀዳሞት ህዝብታት ዘብዕል ፈስቲቫል፡ ሆምግራውንድ (Homeground (2014)) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈጢራ፡ ኣብ 2015 ድማ ምርኢታት ሳዕስዒት (Dance Rites) ወሲኻትሉ። ካብ'ቲ ኦፐራ ሃውስ (2016) ሓደ ሰሙናዊ ዝቐርብ ዴድሊ ቮይስስ (Deadly Voices) ዝተባህለ ሃገራዊ መደብ ፈነወ ኣዳልያ፡ መራኽባቱ ብስራሓት ጥበብ ደቀባት ዝኹላዕ ብርሃን ዝህልዎ ሶንግላይንስ (Songlines) ዝተባህለ ኣብ 2016 ኣልያ፡ ካልእ ድማ ንምብራቓዊ ክፋል (በነሎንግ) ኦፐራ ሃውስ ብስራሓት ጥበብ ቀዳሞት ህዝብታት ከምዝበርህ ዝገብር ዕለታዊ ዝኹላዕ ባዱ ጊሊ ፕሮጀክሽንስ (Badu Gili projections) ኣብ ድሮ ቅነ ናይዶክ (NAIDOC Week) 2018 ዝተመረቐ ኣልያ።

ብዙሓት ስልማታት ዝተቐበለት ኣካያዲት ስነጥበብ፡ ንሳ ናይ ክብሪ ስልማት ኣውስትራልያ (Order of Australia) ስለ'ቲ ፍሉይ ኣገልግሎታ ንምርኢት ስነጥበባት፡ መሪሕነት፡ ምጥባቕን ምቅላሕ ዘመናዊ ደቀባታዊ ባህልን ኣብ 2016 ተቐቢላ።

ንሳ ስነጥበብ ካብ ፍትሒ ፈጺሙ ከምዘይፍለ ተረዲኣቶ'ያ።

ባህሊ ንዕኣ እቲ ቅድመ ግንባር'ዩ ኔሩ።

ዘይምችኡ ታሪኻት ንምግጣም ተጠቒማትሉ፡ ንምኽባር ምርግጋጽ ህላወ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሉኣላውነትን ርእሰ-ውሳነን መሰረት ዝገበሩ መጻኢታት ንምሕላምን።

ካብ ኤስቢኤስ ወጻኢ፡ ናይ ቴሌቪዥን ስራሓታ ጋሻ ተዋሳኢት ኣብ ተኸታታልቲ ድራማታት 'ሆም ኤንድ ኣወይ (Home and Away)፡ ኤ ካንትሪ ፕራክቲስ (A Country Practice) ከምኡ'ውንከምኡ'ውን ብሉ ሂለርስን (Blue Heelers)። ናይ ፊልም ኣበርክቶታታ ድማ - Wim Wenders Until the End of the world ኣብ ትብል ፊልም ዝሰርሓቶን ብዙሓት ካልኦት ሓጸርቲ ፊልምታትን የካትቱ።

ካብ 2012-2014 ጋሻ ወይ ዕድምቲ ኣላይት (ሞግዚት) ፈስቲቫል Clancestry Festival ኣብ ብሪዝበን፡ ኣካያዲት ፈስቲቫል ጋርማ ድማ ኣብ 2010 ኔራ።

ሮዳ ኣብ ብዙሓት እናዘርካ ብሓባር ተሓጋጊዝካ ዝስርሑ ሙዚቃዊ መደባት ኣብ መላእ ፓሲፊክ ሰሪሓ፡ ከም ድራማተርጂ ንምርኢት Spirit of Churaki (2018). Churaki, ወዲ ጉጂንጋቡራ (Goodjingburra) ካብ ዓሌት ቡንጃሉንግ (Bundjalung tribe), ንፈለማ ግዜ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ምርኢት ምድሓን ሰብ ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ 1911 ይርከቦም።

ካብ ቅድሚት ብምምራሕ፡ ሮዳ ብተወሳኺ ፈጠራዊ ኣካያዲት ፈስቲቫል ፓርትጂማ (Parrtjima Festival (Alice Springs)፡ ዳይረክተር ፈስቲቫል ቡመራንግ (Boomerang Festival (Byron Bay))፡ ከምኡ'ውን ዳይረክተር ስነጥበብ ኣብ ሻይን ኦን ጊሙይ (Shine on Gimuy (Cairns))፡ ኣማኻሪት ቀዳሞት ህዝብታት ንቪቪድ ሲድኒ፡ ኣምባሳደር ንባራኒ ፕሮጀክት ( Project) ኣብ ሃገራዊ ሙዝየም ባሕሪ ኣውስትራልያ (Australian National Maritime Museum)፡ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓትስነስርዓት ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ፊፋ 2023 ድማ ተሳትፎ ዝነበራ ኔራ።

ንሳ ብተወሳኺ ኣባል ቦርድ ንደቀባታዊ ቱሪዝም ኣውስትራልያ፡ Playwriting Australia፡ ዓለምለኻዊ ቤትምኽሪ ባህሊ ኣውስትራልያኣውስትራልያ (Australian International Cultural Council (AICC))፡ ቦርድ ኣንጻር ኣድልዎኣድልዎ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ (NSW Anti-Discrimination Board)፡ Actors Equity, ማሕበር ምምዕባል ሞያዊ ክእለታት ደቀባት (the National Aboriginal and Islander Skills Development Association (NAISDA))፡ ቤት ምኽሪ መዓልቲ ኣውስትራልያ NSW (the NSW Australia Day council)፡ Wantok Music፡ the Darling Harbour Authority፡ ከምኡ'ውን ኣባል ቦርድ the Yothu Yindi Foundation Garma Festival Board ን Indigenous Tourism Australia ኔራ።

ኣብ 2020፡ ኣባል ቦርድ ንምድጋፍን ምሕያልን ፈጠራታት ፊልምን ተዋሳእትን ኣብ መላእ ዞባታት ኣውስትራልያ ዝተሓጋገዝ ማሕበር ስክሪንዎርክስ (Screenworks) ኮይና ተሰይማ። ብመንገዲ ስርሓን ምጥባቓን ኣቢላ፣ ሮዳ ዕድላት ንዞባዊ ኣውስትራልያ ክልዕሉ ብስምዒት ኣቀራሪባ።

ኣብ 2021፣ ሮዳ ኣማኻሪት ቀዳሞት ህዝብታት ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ድራማዊ ስነጥበብ National Institute of Dramatic Art (NIDA) ኮይና ተሰይማ፣ ናይ ፈለማ ሽማግለ ኤስቢኤስ'ውን ኮይና ተመዚዛ፣ - ብምኽንያት እናገደደ ዝኸደ ኩነታት ጥዕናኣ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዝነታ ዝወረደትሉ ኔሩ።

ኣብ 2022፣ ብVoyages Indigenous Tourism ዕዮታት ተዋሂብዋ፣ ከም ኣማኻሪት ኮይና ኣብ'ቲ ሓድሽ Gallery of Central Australia (GOCA) ኣብ መዘናግዒ ሪዞርት ኣየርስ ሮክን ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ዝርከብ ሙዝየም Mossman Gorge Cultural Centreን ተመዚዛ።

እዚ ሓድሽ መዝነት ንምምኽኻር ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት the Anangu ን Voyages ን ን ምርኢት ዊንጂሪ ዊሩ (Wintjiri Wiru) ክካየድ ኣብ ምግባር ክሕግዛ ተራእዩ፣ እዚ ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ዝኾነ ዘደንቕ ምርኢት ድሮን፣ ድምጺን ብርሃንን ኣብ ኡሉሩ ዝተኻየደ ኔሩ።

ኣብ 2022 ብተወሳኺ፣ ሮዳ ምስ ካልኦት ኣብ ፈጠራታት መሪሕ ዝኾኑ ተዋሳእቲ ሰሪሓ - ንዶቢ ወሲኽካ ማለት'ዩ - ንምርኢት ELEVATE SkyShow ዲዛይን ንምግባር። ሲድኒ ሃርበር ንፈለማ ግዜ ብ500 ድሮናት ዝተኾልዓተሉ ኔሩ፣ ምስ ሓያል ሙዚቃ ኦርኬስትራን፣ ውዑይ ህርመትን ወደባታዊ ቋንቋን፣ ንባህሊ ቀዳሞት ህዝብታት ናብ ቅድሚ ከምዝመጽእ ብምጋብር።

ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ስልማታት መራኸቢ ብዙሃን ቀዳሞት ህዝብታት (First Nations Media Awards) ናይ ዕድመ ልክዕ ስልማት (Lifetime Achievement Award) ተዋሂባ። ንስልማት ሮስ ባወር ካብ ቤት ምኽሪ ኣውስትራልያ ኣብ 2019፣ ስልማት ሱ ናትራስ (Sue Nattrass Award) ናይ ስልማታት ሀልፕማን (Helpmann Awards) ኣብ 2018፣ ስልማት ዴድሊ (Deadly Award for broadcasting) ኣብ 1998 ከምኡ'ውን ስልማት Sidney Myer Facilitators ኣብ 1997 ዝርከብዎም ነዊሕ ዝርዝር ስልማታት ምስ ዝተቐበሉ ተሰሪዓ።

ምቾት ገዲፋ ንለውጢ ትደፍር

ሮዳ ምቾት ብዘይምህላው ኣይትፈርሕን ኔራ - እኳ ደኣ፡ ብሓጎስ ትቕበሎ ኔራ - ምኽንያቱ ሓቀኛ ለውጢ ሳሕቲ ጥራይ ቀስ ወይ ሰላሕ ኢሉ ይመጽእ ምዃኑምዃኑ ስለትፈልጥ።

ኣብ 1998 Please Explain ትብል ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ጥራይ ትዕየ ምርኢት ምስ ካልኦት ኮይና ጽሒፋ ባዕላ ተዋሲኣታ። ናይ በይና ስራሓት ዝኾነት Bible Boxing Love ኣብ 2008 ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ እናዞረት ንምርኢት ኣቕሪባታ። Tullymorgan ትብል ዛንታ ባዕላ ጽሒፋ ኣብ ናይ 2007 ፊልም A Sisters Love ትብል (ኣይቨን ሰን ዘዳለዋን ዝኣለያን) ብዛዕባ መቕተልቲ ማንታ ሓብታ ሉዊስ ትትርኽ ኣቕሪባታ።

ኣብ ኦፐራ ሃውስ ኣብ 2019፡ Natives Go Wild ዘርእስቱ ደቀባት ህዝብታት ከመይ ይጭወዩን ኣብ PT Barnum’s Greatest Show on Earth ክረኣዩ (ክዋስኡ) ይግደዱን ኔሮም ተሓቢኡ ዝነበረ ዛንታ ዝትርኽ ፊልም ባዕላ ደሪሳን ጽሒፋን።

ጎድኒ ጎድኒ'ቲ ሓያል ናይ ምጥባቕ ስርሓ ግን ዓቢይ መንፈስ ልግሲ ኔሩ።

A woman speaking while standing on a stage. She is standing in front of a screen that says: RHODA ROBERTS.
ሮዳ ሮበርትስ ንመጻኢ ወለዶታት ብቐጻሊ ኣጽኒዑ ዝሕዝ፡ ክብ ዘብልን ዝሕልውን ባህላዊ ቅርጸ ህንጻ (ኣርኪተክቸር) ትገድፍ። Source: Supplied

ሮዳ ንክትቆጽሮም ዘይከኣል ስነጥበባውያን፡ ተዋሳእቲ፡ ሙዚቀኛታት፡ ኣለይቲ፡ ጋዜጠኛታትን ባህላዊ ሰራሕተኛታትን፡ ብዙሓት ካብኦም እቲ እምነታ ኣብ ልዕሊኦም ቅድሚት ክወጹ ትብዓት ክረኽቡ ወይ ክደፍሩ ዝገበሮም ምዃኑ ዝገልጹ፡ ኣርኣያን መሓዛን ኔራ። ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ቀዲማ ርእያ፡ ዓው ኢላ ጸዊዓ፡ ብተግባር ስጉምቲ ብምውሳድ ድማ ኣመስኪራ።

ብፍላይ ንመንእሰያት ፈጠርቲ ቀዳሞት ህዝብታት፡ እቲ ትህቦ ደገፍ መብዛሕትኡ ግዜ ህይወት ዝቕይር'ዩ ኔሩ።

ኣብ ዙርያ ዝተኣጎደ ሓዊ ኣብ ፌስቲቫል ጋርማ፡ ብዙሕ ግዜ ምስ ደይቪድ ጋልፒሊል፡ ኣርቺ ሮች፡ ጉሩሙል፡ ዮቱ ዪንዲ፡ ዋሩምፒ ባንድ፡ ጃካፑራ ሙንያርዩን፡ ትሮይ ካሳር-ደይሊ፡ ሸይን ሃዋርድ፡ ሊያ ፑርሰል፡ ኖ ፊክስድ ኣድረስ፡ ጃክ ቶምሰን፡ ፖውል ኬሊ፡ ጆን ባትለር፡ ጀሲካ ማውቦይማውቦይ፡ ሸሊ ሞሪስ፡ በይከር ቦይ፡ ዶቢ፡ ቡጀራህን ክሪስቲን ኣኑን - ብውሑዱ ንምጥቃስ፡ ኮይና መሰጥቲ ዕላላትን ተሞክሮታትን ደጋጊማ ተዘንቱ ኔራ።

እዛ ሓትነና/ኣሞና ንኩሉ ሰብ ትፈልጥ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ንዕኣ ይፈልጣ።

ንሳ ህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደቂ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ናቶም ዛንታታትን ኣገላልጻታትን ባዕሎም ምስ ዝቆጻጸርዎ፡ እዛ ሃገር ባዕላ ዝያዳ ቅንዕቲ፡ ዝያዳ ዝለበመትን ዝያዳ ሰብኣውነት ዘለዋን ትኸውን ኢላ ትኣምን ኔራ።

ንሓለውቲ (ማዕጾ) ባህሊ ኣውስትራልያ ዝበለጸ ክሰርሑ፡ ኣበርቲዖም ክሰምዑን ቦታ ዝያዳ ብዝተመዓራረየ ክካፈልዎ ብቐጻሊ በዲሃቶም።

ኣብ 2019፡ ናብ ዓዳ ቡንጃሉንግ ካንትሪ ተመሊሳ ብምኻድ ኣብ መንበሪ ቦትኣ 'ጃኪ ባልቢን ፍላትስ' መደበራ ገይራ፡ 40 ትርብዒት ሜትሮ ዘለዎ ህንጻ፡ ኣብ ሃገር፡ ባህልን ስጋዊ ዝምድናን ጽንዓትን ሓይልን ክትረክብ ፈቲና።

"ኣነ ጓል ቡንጃሉንግ ሰበይቲ'የ፡ እዚ ዓደይን ሃገረይን'ዩ። ኣብ'ዚ'የ ክኸውን ዝግበኣኒ፡" ትብል ኔራ።

ኣገዳስነት ዞባዊ ስነጥበብ ኩሉ ግዜ ብምስትውዓል፡ ኣብ 2021 ኣካያዲት ፈጠራዊ ክእለታት ቀዳሞት ህዝብታት Northern Rivers Performing Arts (NORPA) ኣብ ሊዝሞር ኮይና። ስነጥበብ ናብ ዞባታት ናይ ምምጻእ ፍቕራ ዝጀመረ ምስ ምድላው Bundjalung-Nghari – Three Brothers ኣብ 2017 ኮይኑ ምስ ኣብ My Cousin Frank ምውሳኣ ድማ 2024 ቀጺሉ።

ኣብ ሰነ 2024፡ ንሳ ኣካያዲት ስነጥበብ ልኡኽ ኣውስትራልያ ናብ ፈስቲቫል ስነጥበባትን ባህልን ፓሲፊክ ኣብ ሃዋኢ (Hawaii) ኮይና፡ ን70 ስነጥበባውያን፡ ሳዕሳዕትን ተዋሳእትን ቀዳሞት ህዝብታት ድማ መሪሓ።

ኣብ ሰነ 2025፡ ሮዳ ኣብ ናይ 2025 ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሙዚቃ ደቀባት (2025 International Indigenous Music Summit (IIMS))፡ ኣብ ቶሮንቶ፡ ኦንታርዮ፡ ናይ ክብሪ መኽፈቲ መደረ ኣቕሪባ።

ሃገራውያን ዘተታታት ብዛዕባ ምንጋር-ሓቂን ባህላዊ መዝነታትን ናህሪ ኣብ ዝወሰኽሉ፣ ድምጺ ሮዳ ከም'ቲ ናይ ቀደሙ ንጹርን ዘየወላውልን ኮይኑ ጸኒዑ'ሎ። ንኣውስትራልያ ዕርቂ ብዘይ ሓቂ ባዶ'ዩ፣ ጽንብል ቃንዛ ከይኣመንካ ወይ ንቓንዛ ኣፍልጦ ከይሃብካ ምሉእ ኣይኮነን።

ቀስ ምባል ፈጺማ ዘይትፈቱ፣ ሓደ ሓድሽ ፍርያት ከተቕርብ ትጽሕፍ ኔራ (The Indigenous World Art Orchestra)፣ ካልእ መጽናዕታዊ መደብ'ውን ትኣሊ ኔራ - ባላንግ (ዛንታ ቶም ኢ ለዊስ)፣ ከምኡ'ውን ሓንቲ ፊልም ኣብ ምምዕባል ትርከብ ኔራ፣ ቡካል ዘርእስታ ብዛዕባ ሄንሪየታ ማሪ ተዘንቱ። እዚ ነቲ ብNITV ዝተመወለ መጽናዕታዊ ፊልም The Colleano Heart ከም ሓደ ዳይረክተር ኣማኻሪ ምዕባለ (Consulting Development Director) ተኸቲሉ ዝመጸ'ዩ።

ንሕማም ካንሰራ ክትሕከም፣ ሮዳ ንመሪሕ ኣብ ባህሊ ኣብ ጋዜጣ መይል The Koori Mail (ብኦወን ካሪየጅን ኣቦኣ ንሮዳ ፓስተር ፍራንክ ሮበርትስን ኣብ ግንቦት 1991) ብኣቦሪጂናል ትውነን ሃገራዊት ጋዜጣ ወሲኽካ ካብ ብዙሓት መዝነታት ወሪዳ።

ንኩላህና ዝተንከፈ ህይወት

እዛ ሓትነና/ኣሞና ቦታ ንሓዘን፡ ንቁጥዐ፡ ንሓበንን ንሓጎስን ሒዛ ኔራ - መብዛሕትኡ ግዜ ኩሉ ኣብ ሓደ እዋን።

ካብ'ዚ ዓለም ምፍላያ ዓቢይ ሃጓፍ ይገድፍ። ግን ከኣ ሓደ ንኽተሎ ፍኖተ ካርታ'ውን ይገድፍ።

ሮዳ ሮበርትስ (AO) ትካላት ጥራይ ኣይኮነትን ቀይራ። ሰባት'ውን ቀይራ'ያ። እቲ ዘይከኣል ተባሂሉ ዝሕሰብ ዝነበረ ቀይራቶ። ከምኡ ብምግባራ፡ ንኣውስትራልያ ነብሳ ብንጹር ናብ ትርእየሉ ዝያዳ ክትቀርብ ሓጊዛታ።

እቲ ጽልዋኣን ሓድጋን ኣብ'ቶም ዝፈጠረቶም ስነጥበባውያን፡ ዝዓቀበቶም ዛንታታትን ንዘልኣለም ዝቐረጸቶም ባህላውያን ቦታታትን ምንባሮም ይቕጽሉ።

A woman standing and posing for a photo.
ሕሉፍ ታሪኽ ስራሕ ሮዳ ኣብ ኩሉ ፈላሚት ወይ ጀማሪት ብዝብል ይልለ እንተኾነ'ኳ፡ ንነብሳ ክትፍለጥ ኢላ ባዕላ ዝደለየቶም ኣይኮነትን። በሪታት ወይ መዓጹ ክኽፈቱ ስለዘለዎም - ክፉታት ኮይኖም'ውን ክጸንሑ - ኢላ'ያ ትእልሾም ወይ ትደልዮም ኔራ፡ ነቶም ብድሕሪኣ ዝመጹ ብምባል። Source: Supplied / Claudine Thornton Creative

እቲ ኣብ መላእ ሃገር ተካይዶ ስራሓታ ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ደቀባት፡ ዓበይቲ ሽማግለታቶምን ልምዳውያን ኣለይቶምን እምነት ክትረክብ ገይሩዋ፡ ብዓሚቕ ክብርን ምስጋናን ዘኽበረቶምን ዝፈጸመቶምን ሓላፍነታት ኣላይነት (ኪንሺፕ) ኣሰኪሞማ።

ናይ መወዳእታ ወግዓዊ ምርኢታ እታ "My Cousin Frank" ዘርእስታ ኮይና ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣዳራሽ ሲድኒ ኦፕራ ሃውስ ዘቕረበታ ኔራ። ሓያል ብሓንቲ ጓለንስተይቲ ተዋሳኢት ጥራይ ዝቐረበት ኮይና ብዛዕባ ቅያ ሰራሕ ወዲ ሓወቦኣን ኣብ 1964 ናይ ኣውስትራልያ ቀዳማይ ወደባት ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዝኾነን ፍራንክ ሮበርትስ ተዘንቱ'ያ።

ኣዝያ፡ ኣዝያ፡ ሓሚማ ክንሳ ኣርባዕተ ምርኢታት ኣብ ኣርባዕተ መዓልታት ሰሪሓ - ስምዒት፡ ሓይሊን ዘነቓቕሕ ጽንዓትን ብዝመልኦም ኣገባባት ኣቕሪባቶም።

ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ህሞታት ናይ'ቲ ምድላው፡ ናይ'ቲ ኩሉ ግዜ ንስድራቤት ሮበርትስ "በሪኽካ ደው ከተብል። ርእስኻ ከተቕንዕ፡ ልዒልካ ክትረአን።" ኢሉ ኣቦኣ ፓስተር ፍራንክ ሮበርትስ ደጋጊሙ ዝነግሮም ዝነበረ ቃላት ብጽንዓት ደጋጊማቶም።

እዛ ኣዝያ ተደንቕ ሮዳ ከምኡ'ያ ገይራ፡ በሪኻ ደው ኢላ፡ ደው ኢላ መኪታን ብሓበን (ኩርዓት) ደው ኢላን!

ሮዳ ሮበርትስ ተቓላሲት ንባህሊ'ያ ኔራ፡ (ነጋሪት) ተራኺት ሓቂ፡ ከምኡ'ውን ነዛ ሃገር ካብ'ቲ ክትረኽባ'ንከላ ንላዕሊ ዝሃብተመት ገይራ ዝተፋነወታ ወይ ዝገደፈታ ኣዝያ ሕብንቲ ተወላዲት ጓል ዊጃቡል ወይባል ናይ ሃገረ ቡጃሉንግ እያ።

ንሳ ንመጻኢ ወለዶታት ኣጽኒዑ ዝሕዝ፡ ዘልዕልን ዝሕልውን ባህላዊ (ስነ) ቅዲ (ቅርጺ) ትገድፍ።

እቲ ንሳ ሓዲጋቶ ዝኸደት ኣሰር ኣብ ፌስቲቫላት፡ በዓላትን መድረኻትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ'ቶም ንሳ መንገዲ ስለዝጸረገትሎም ዝያዳ በሪኾም ደው ክብሉ ዝኸኣሉ ሰባትን'ውን'ዩ።

ንሳ ገላጺት ድምጺ ናይ ወለዶኣ'ያ ኔራ፡ ሳላኣ ድማ ንሕና ክንክእል በቒዕና (ክኢልናዮ)።

ቀደም ኣብ 1989 ከም ኣቕራቢት ኣብ መደብ First In Line (ፈርስት ኢን ላይን)፡ ሮዳ ንሓደ ብዛዕባ ኡሉሩ ዝተጠናቐረ ዛንታ ክትብል ናብ ማእከል ኣውስትራልያ ምብጻሕ ፈጺማ።

ኣብ ግዜ ጸሓይ ዕራርቦ፡ ኣብ'ቲ ቀይሕ ሓመድ (መሬት) ኮፍ ኢላ ናብ'ታ ካሜራ ብቐጥታ እናጠመተት ብምዝራብ ነቲ ዓቢይ መራሒ ጋጋጁ (Gagadju)፡ ቢግ ቢል ነይድየ (Big Bill Neidjie) ዝበሎ ጠቒሳ ተዛሪባ፡ "እምኒ ይጸንሕ፡ ሓመድ (መሬት) ይጸንሕ፡ መይተ ኣዕጽምተይ ኣብ ባዕቲ ወይ መሬት የንብሮ። ሽዕኡ ኣዕጽምተይ ሓመድ (መሬት) ይኸውን - ኩሉ ሓደ ዓይነት።"

“መንፈሰይ ናብ ዓደይ (መበቆል ዓደይ) ተመሊሱ'ሎ - ናብ ኣደይ (ኣደ መሬተይ)።”

ብሰላም ዕረፊ፡ Aunty (ሓትኖና/ኣሞና)!

ሮዳ ሮበርትስ በዓል ቤታ ስቲፈን፡ ደቃ ኤሚሊ፡ ጃክን ሳራን'ያ ገዲፋ ሓሊፋ ዘላ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now