SKIP TO MAIN CONTENT

ሳዲቕ ኣልማህዲ ወጥሪ ኣብ መንጎ ሰራዊታት ሱዳን ክውገድ ኣብ ዝጸወዓሉ ዋይክሊፍ ጂን "ኑባዊት ንግስቲ" ትብል ደርፊ ዘርጊሑ

ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ደገፍ ዓበይቲ ስነጥበባውያን ዓለምና ይስሕብ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ሪሃና ዝጀመረቶ ደገፍ ዋይክሊፍ ጂን ደርፊ ብምውጻእ ቀጺልዎ'ሎ።

Wyclef Jean joins Sudanese uprising
Source: Raxan

3 min read

Published



Skip to article content

ቀንዲ ጥምረት ተቓወምቲ ሱዳን ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ጸቕጢ ንምግባር ኣብ’ዚ ወርሒ ኣድምኦም ዘሐይልሉ መደባት ሓንጺጾም ከምዘለው ኣፍሊጡ። እቲ ጥምረት ብተወሳኺ ነቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ዝተቐትሉ ከባቢ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ተሓታቲ ጌርዎ። ሓደ ካብ’ቶም መራሕቲ ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን ዝኾነ መዳኒ ዓባስ መዳኒ ኣብ ኻርቱም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “መንገዲ ፖለቲካዊ ዘተ ኣይክንገድፎን ኢና፡ መንገዲ ሰላማዊ ምውሳኽ ጸቕጢ ከኣ ኣይክንጥንጥኖን ኢና።” ኢሉ። ተመሳሰልቲ ምረሻታት’ውን ኣብ ከተማታት ገዳርፍ፡ ከሰላ፡ ኻሺም ኣልጊርባን ሓልፋን ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ ካሪማን ኣትባራን ኣብ ግዝኣት ሪቨር ናይል፡ ኤል ዑበይድ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ከምኡ’ውን ኢዳማዚን ኣብ ግዝኣት ብሉ ናይልን ከምዝተገብሩ ብሰፊሑ ተጸብጺቡ። እዚ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተራእየ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ናብ ጎደናታት ዝወጽሉ ዓቢይ መርኣያ ሓይሊ ህዝቢ ዝጸወዐ ‘ሓይልታት ንነጻነትን ለውጥን’ ካልእ ምረሻ ሓፋሽ’ውን ዝመጽእ 13 ሓምለ፡ 'መዓልቲ ሲቪላዊ እምቢታ ህዝቢ' ከኣ ንጽባሒቱ 14 ሓምለ ክካየድ ጸዊዑ’ሎ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ’ንከሎ ሱዳን ኣብ መንጎ’ቶም ንኻርቱም ተቖጻጺሮማ ዘለው ኣሃዱታት ፓራሚሊታሪ ወይ ሚሊሻን እቶም ካሎት ስሩዓት ወተሃደራትን ምስሕሓብ ከተወግድ፡ እንተዘየሎ ግን ናብ ዝኸፍአ ዘይምርግጋእ ክትሰግር’ያ ክብል ገዲም መራሒ ተቓዋሚ ሳዲቕ ኣልማህዲ ኣጠንቂቑ። እዚ ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ነቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ መራሒ ዘሎን ሐመቲ ብዝብል ቅጽል ዝጽዋዕን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ነቶም ንሱ ዝእዝዞም ሓይልታት ወሃብቲ ህጹጽ ደገፍ (RSF) ሓድነት ኣብ ሰራዊት መታን ክፍጠር ምሉእ ብምሉእ ከወሃህዶም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እዚ ናይ መወዳእታ ብህዝቢ ዝተመርጸ መራሒ ዝነበረ ኣልማህዲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዕጡቓት ሓይልታት ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ገሊጹ። ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣእምሮኦም ውግእ ሓድሕድን ካልእ ዝኾነ ዓይነት ውግእን ኣብ ምውጋድን ከተኩር ኣለዎ ኢሉ። እንተኾነ ግን ዝኾነ ዓይነት ምስሕሓብ ይኹን ወጥሪ ኣብ መንጎ’ቶም ሓይልታት ይኹን ኣብ መንጎ ሐመቲን መራሒ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሊዩተናንት ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን ዝተራእየ ክሳብ ሕጂ የለን ክብል እቲ ጸብጻብ ሮይተርስ መሊኡ ኣስፊሩ’ሎ።

ህብብቲ ደራፊትን ተዋሳኢትን ሪሃና ደገፋ ንህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ድሕሪ ምግላጻ ሀይሺያዊ (ወዲ ሃይቲ) ኮኾብ ደራፋይ ቅዲ ራፕን ተዋሳኢን ዋይክሊፍ ጂን ንተመሳሳሊ ዕላማ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ትድግፍን ተንጸባርቕን ሓዳስ ደርፊ ዘርጊሑ። ንሱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣንጻር ጭቆናን ንተቓውሞ ህዝቢ ደጊፉ ከስምዖ ዝጸንሐ ዘረባታት ‘ኑባዊት ንግስቲ’ ትብል ናይ እንግሊዝ ደርፊ ዘርጊሑ። ‘ነዛ ደርፊ ንሱዳን ኢለ’የ ጽሒፈያ’ ድሕሪ ምባል ከኣ ብፍሉይ ምስ’ቲ ምረሻ ሚልዮናት ተባሂሉ ዝተጸወዐ ዓቢይ ናይ ሰንበት ተቓውሞ ክትሰምር ዕለት 30 ሰነ ዘርጊሕዋ። ዝበዝሐ ተንቀሳቐሲ ምስሊ ወይ ቪድዮ ናይ’ታ ደርፊ ብምስልታት ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን መሊኡ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርርብ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክቕጽል ኣለዎ ክትብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪባ። ሚኒስተር መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኢማራት ኣንዋር ጋርገሽ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መጸዋዕታ “ናብ ስምምዕ ኣብ ዛዕባ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘምርሕ ተጻብኦታት ዘይብሉ ዘተ ክቕጽል ኣለዎ” ድሕሪ ምባል ካብ ምጉህሃር’ዚ ኩነታትን ዕግርግርን ክቑጠቡ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።  


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now