SKIP TO MAIN CONTENT

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፥ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ተሸይሙ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ።

News
Source: Tsegay Kinfe

1 min read

Published


Skip to article content

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳልጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፥ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ክሰርሑ ዝቐረበ ሹመት ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ዝነበረት ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ድማ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኮይና ንክትመርሕ ዝቐረበ ሹመት ፀዲቑ።

ብድምር እቲ ዝቐረበ ሹመት ብሓደ ተቓውሞ፣ ሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዘሓ ድምፅን ፀዲቑ።

ሓደሽቲ ተሸወምቲ ድሕሪ እቲ ምፅዳቕ ሹመት ቃለ ማሕላ ፈፂሞም እዮም።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now