ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፥ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ተሸይሙ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ።

News

Source: Tsegay Kinfe

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቶ ለማ መገርሳ ሓዊሱ ሹመት ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳልጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፥ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ክሰርሑ ዝቐረበ ሹመት ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ዝነበረት ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ድማ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኮይና ንክትመርሕ ዝቐረበ ሹመት ፀዲቑ።

ብድምር እቲ ዝቐረበ ሹመት ብሓደ ተቓውሞ፣ ሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዘሓ ድምፅን ፀዲቑ።

ሓደሽቲ ተሸወምቲ ድሕሪ እቲ ምፅዳቕ ሹመት ቃለ ማሕላ ፈፂሞም እዮም።


Share

1 min read

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service