ሪሺ ሱናክ ኣብቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ንምምራሕ ዝተኻየደ ዉድድር ምስ ተዓወተ ፡ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን እዩ ፣ ኣብታ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ናብ ድኽነት ዝሸምም ቊጠባዊ ውድቀት ኣጋጢምዋ እትርከብን ፡ ብዓሚቝ እተኸፋፈለት ሃገር እያ ።
ሓደ ካብቶም ዝሃብተሙ ፖለቲከኛታት ዌስትሃም ዝኾነ ፡ ወዲ 42 ዓመት ሚስተር ሱናክ ፡ ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካ ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ ብዕድመ ዝነኣሰ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሳልሳይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኸውን ዘሎን ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ታሪኽ ብዙሕ ነውጺ ኣብዝረኣየሉ እዋንዩ ተመሪጹ።
ንሱ ንሊዝ ትሩስ ዝትክኣ ዘሎ ኮይኑ ፣ ንሳ ካብቲ ስልጣን ከም እትወርድ ቅድሚ ምግላጻ ኣብ ስልጣን ን44 መዓልቲ ጥራይ እያ ጸኒሓ ፣ እዚ ዝኾነ እታ ሃገር ካብቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ፖለቲካውን ቊጠባውን ህውከት ተላዒላ ፡ ነቲ ብስነ-ሓሳባዊ መስመር እተኸፋፈለ ሰልፊ ክትመርሕ ስለ ዘይከኣለትን ፡ እታ ሀገር ርግኣት ክህልዋ ስለተደልየን እዩ።
ብሰኑይ ነቶም ኣብ ባይቶ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ፡ "ናይ ህላወ ቅልውላው" ከም ዘጋጠሞምን ናይ "ሓድነት ወይ ምማት" ምርጫ ከምዘሎ ነገሮም ። ነታ ሃገር ከኣ ፡ "ከቢድ ቊጠባዊ ጸገም" ከም ዘጋጠማ ተዛሪቡ ።
"ሕጂ ርግኣትን ሓድነትን የድልየና ኣሎ ፣ ፓርቲናን ሃገርናን ብሓባር ንምምጻእ ከኣ ቀዳምነት ክህብ እየ" ድማ በለ ።
እቲ ናይ ብዙሕ ሚሊየነር ናይ ቀደም ሓላፊ hedge fund ፡ ናይታ ሃገር ፊስካላዊ ልዕልና ንምምላስ ዓሙቕ ወጻኢታት መንግስቲ ከጉድል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ጸዓትን ወጻኢታት ሰማይ ዓሪጉስ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ትርከብ።
ን ሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ብንጉስ ቻርለስ ዝሽየም ሚስተር ሱናክ ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ካቢነ ሚኒስተራት ነበር ቦሪስ ጆንሰን ብፍቓዱ ምስ ተሰናበተ ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከም ዝህሉ ንምግባር ኣበርቲዑ ክጽዕር እዩ ።
ካልኦት ዓቃባውያን ፡ ኣዝዩ ሃብታም ብምዃኑ ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መዓልታዊ ዘጋጥም ቊጠባዊ ጸቕጥታት ኽርድኡ ከጸግሞ እዩ ክብሉ ይገልፁ ፣ እቲ ን12 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ኣብ ምርጫ ክዕወት ዝኽእል እንተ ኰይኑ እውን ይተራጠሩ እዮም ።
ሓደ ዓቃባዊ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ፡ "እዚ ውሳነ እዚ ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ምርጫ ከም ሰልፊ ጌርና ምውሳድና ዜሕለና ይመስለኒ" ኢሉ ።
ህንዳዊ መበቆል
እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሓቂ ፈተና ሓድነት ዝመጽእ ኣብ 31 ጥቅምቲ እዩ ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ጀረሚ ሃንት ፡ ማለት ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ራብዓይ ሰብ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ፡ ክሳዕ 40 ቢልዮን ፓውንድ ($71 ቢልዮን ዶላር) ዝበጽሕ ገንዘብ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝፈስስ ባጀት ብምስላዕ እዩ ።
ሚስተር ሱናክ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ - ናይ ፈለማ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዳዊ መበቈል ሃገር ዘለዎ ክኸውን እዩ ።
ስድራ ቤቱ ብ1960ታት ናብታ ሃገር ተሰዱ ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ፡ ብዙሓት ካብቶም ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበሩ ሰባት ፡ ኣብ ዳግመ ህንፀት ምእንቲ ክሕግዙ ናብታ ሃገር ግዒዞም እዮም ።
ሚስተር ሱናክ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ከምኡውን ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝተማህረ ኮይኑ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣክሻታ ሙርቲ ኣብኡ'ዩ ተራኺቡ። ኣቦኡ ህንዳዊ ቢልዮነር N. R. ናራያና ሙርተይ ፡ መስራቲ ናይ ግዙፍ Infosys Ltd. እዩ ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ናይ ደገፍ መልእኽትታት ህንዳዊ መራሒ ፡ካብ ናረንድራ ሞዲ ኮይኑ "ምዉቕ እንቋዕ ሓጐሰካ" ኢልዎ ።