ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሊቢያ ጸለምቲ ኣፍሪቃዊያን ብኣዕራብ ሰሜን ኣፍሪቃዊያን ብጨረታ ክሽየጡን ክልወጡን ምስሊ ኣደጊፉ CNN ምስ ኣቃልሐ፡ ብዙሓት ወገናት ጓሂኦምን ሓርቖቶምን ይገልጹ ኣለዉ
ሩዋንዳ ነቶም ኣብ ሊብያ ብኣርዑት ባርነት ተጸሚዶም ካብ ዝሳቐዩ ዘለዉ 30 ሺሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃዊያን ዑቕባ ክትህብ ድልየት ከምዘለዋ ናይ ርዋንዳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንAFP ገሊጻ።
"ሩዋንዳ፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ተዳጒኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ብኸመይ ዑቕባ ከምትህቦም ኣብ ዝርርብ እያ ትርከብ” ዝበለት ናይ ርዋንዳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሊዩስ ሙሺኪዋቦ፡ ኣስታት 30 ሺሕ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣትዮም ክጣየሱ ክትሕግዝ ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጻ ኣላ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ነቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዕዳጋ ባርነት ሰባት ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ። ኣቦ ወምበር ኮሚሺን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ ማሃመት ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዜጋታተን ናይ ገንዘብን ካልእ ንዋትን ሓገዝ ብምብርካት ነዚ ጸገም ንምእላይ እጃመን ክገብራ ሓቲቱ ኣሎ።
ብሰኑይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ መልእኽቲ፥ “ርዋንዳ ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተኾነት ነቶም ኣብ ሊቢያ ዝሽየጡ ዘለዉ ኣፍሪቃዊያን ቦታ ክንረኽበሎም ኢና።” ኢላ።
እቲ ዘስካሕክሕ ናይ ቪድዮ ስእሊ፡ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ መገዲ ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ቆልዑን ኣፍሪቃዊያን ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ናብ ባሮት ተቐይሮም ብገንዘብ ክሽየጡ ዘርእይ እዩ። እቲ CNN ዝዘርግሖ ቪድዮ ኣፍሪቃዊያን ብጨረታ ክሳብ $400 ንሓደ ሰብ ንባርነት ክሽየጡ ዘርእይ ኣብዚ ዘመን ክትሰምዖ ዘሰክሕ ዕዳጋ ደቂ ሰባት እዩ።
ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ከምዘመልክትዎ፡ ኣብ ሊብያ ስደተኛታት ብኢድ ዕጡቓት፡ ኣሰጋገርቲ ሰባትን ሓይሊታት ጸጥታ ሊቢያን ክብረት ሰብ ተገፊፉ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት ክወርዶም እዩ ጸኒሑ።
ናይታ 12 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ርዋንዳ ሚኒስተር ከምዝገለጸቶ፡ ሃገራ ንእሽቶ እኳ እንተኾነት ኣብዞም ኣፍሪቃዊያን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ እናረኣየት ግና ጸማም እዝኒን ዕዉር ዓይንን ኣይትህብን፥ ነዞም ግፉዓት ማዕጾ ርዋንዳ ርሑው እዩ ኢላ።
ሩዋንዳ ብዘይካ ካብ ርዋንዳ፥ 10 ሺሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ክትቅበል ስምምዕ ከምተገብረ ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ሩዋንዳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ልዪስ ሙሺኪዋቦ ምስ ጋዜጣ The New Times ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ክንደይ ዝኾኑ ናብ ርዋንዳ ከምዝመጹ ዛጊት ስምምዕ ኣይተገብረን ዘሎ። እንተኾነ ካብቶም ሓተቲ ዑቕባ ኣፍሪቃዊያን ድልየት ዘለዎም ናብ ርዋንዳ መጺኦም ክጣየሱ ምስ እስራኤል ዘተ ተገይሩ ኣሎ ኢላ። እዚ ናይ ርዋንዳ ምቕባል ስደተኛታት ዝግለጽ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ናታንያሁ፡ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ 40 ሽሕ ኣፍሪቃዊያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ሃገሩ ንኸውጽኦም ምስዘይተገልጸ ሃገር ስምምዕ ከምዝገበረ ድሕሪ ምሕባሩ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ጊዜ እዩ። እቶም ኣብ እስራአኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዕቕባ ዝበዝሑ ሱዳናዊያንን አኤርትራዊያንን እዮም።

