ሮኬታት ናብ ኣስመራ ተቶኪሶም፡ ሸምገልቲ ናብ ትግራይ ከይከዱ ተኸልኪሎም፡

ሮኬታት ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራ ተቶኪሶም ክብል ኤኤፍፒ ኣብ ዝጸብጸበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ። ናብ ክልል ትግራይ ከይከዱ ግን ከልኪልዎም።

Map of Eritrea

Source: Googlemap

ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኲናት ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምጅማሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓትን) ሽምግልና ንምፍታን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነቶም ዓለምለኻውያን ጻዕርታት ዕርቅን ሰላምን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት 'ኣድለይቲ ኣይኮኑን' ብምባል ገሊጽዎም እዩ። ኣብ ርእሲኡ እዞም ልኡኻት ምስ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ክራኸቡ ኣይፍቀደሎምን'ዩ።

ምስ'ቶም ሰለስተ ፍሉያት ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዓርቢ ምሸት ድሕሪ ምርኻቡ ኣቢይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቱ ኣብ ምክልኻል ሰላማውያን ህዝብታት ጻዕሪ ክገብር፡ ስደተኛታት ካብ'ቲ ዞና ኲናት ብሰላም ክወጽኡ ዝኽእሉ ሓደ ሰብኣዊ ኮሪደር ክኸፍትን ነቶም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለው ስደተኛታት ኢትዮጵያ ክቕበሎም ምዃኑን ገሊጹ።

እንተኾነ ግን እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። 

ንፕረዚደንታት ነበር ጆኣኪም ቺሳኖ ናይ ሞዛምቢክ፡ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ናይ ላይበርያን ኻሌማ ሞትላንተ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘካተተ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ክልል ትግራይ ክኸዱ ከምዘይፍቀደሎም መንግስቲ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ'ዩ። 

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነዞም 'ክቡራት ኣፍሪቃውያን ሽማግለታት' ነቲ 'ንምሕጋዝ ዘርኣይዎ ቅሩብነት' ኣመስጊኑ። 

እቶም ልኡኻት ምስ ክልቲኦም ወገናት ከይተራኸቡ ሽምግልንኦም ከድምዑ ይኽእሉ እንተኾይኖም ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።

 

* ብኻልእ ወገን ካብ ትግራይ ብዙሓት ሮኬታት ናብ ከተማታት ኤርትራ ከምዝተተኮሱ ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ (ኤኤፍፒ) ጸብጺቡ። ኤኤፍፒ ንኣርባዕተ ናይ ደገ ዲፕሎማሰኛታት ጠቒሱ ኣብ ዝጸብጸቦ ዜና፡ እቲ ሓደ ሮኬት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኣስመራ ዓሊቡ ክብል ሓደ ካብኦም ከምዝሓበሮ ጠቒሱ።

ኣብ ሰብን ንብረትን ዘስዓቦ መጉዳእቲ ግን ሓበሬታ ክርከብ ኣይተኻእለን ኢሉ። 

ሓደ ካልእ ዲፕሎማት ኣብ ሓደ መንበሪ ከባቢ ከተማ ኣስመራ ከምዝዓለበ ጸብጻባት ኣለው ክብል እንተሓበረ'ኳ ክረጋገጽ ኣይከኣለን ኢሉ።

እዚኦም መጥቃዕትታት ሮኬታት እዚ ኲናት ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንኻልኣይ ግዚኦም ዝትኮሱ ዘለው እዮም።

ህወሓት ነዞም መጥቃዕታት ኣካይደዮም ኢሉ ሓላፍነት ኣይወሰደን፡ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ'ውን ዝተዋህበ መልሲ የለን ክብል እዚ ጸብጻብ ኤኤፍፒ ኣስፊሩ።

 

* እዚ ከም'ዚ'ሉ እንከሎ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ክፋሉ ነቶም ካብ ትግራይ ዝፈልሱ ዘለው ስደተኛታት ከዘራርብ ኣብኡ ከምዝኸደ ብትዊተር ገሊጹ።

ንሱ ኣብ'ቲ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ንዓዶም ክምለሱ ከምዝደልዩ፡ ግን ኲናት ደው እንተኢሉ ጥራይን ድሕነትን ምስ ዝህልዎምን ውሕስነት ጸጥታ ምስ ዝርገጋጸን ምዃኑ ገሊጾምለይ ኢሉ። 

መሰረታዊ ዘድልዮም ነገራት ክንቅርበሎም ጻዕርታትን ኣዛይድና ኣለና ክብል ከኣ ሓቢሩ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service