ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑርኣብ መበል 83 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተፈንጺሉ ህዝባዊ ሓይልታት ተባሂሉ ዝተመስረተ ካብ መራሕቲ እቲ ውድብ ክኸውን ክኢሉ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ላዕለዋይይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ፍትሒ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ'ውን ሚኒሰተር ፍትሒ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ገሊጹ።
ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዚ። ኣብ 1994 ኣብ ናቅፋ ኣብ ዝተኻደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ናይ ፈለማ በዓል ስልጣን ከምዝኾነ’ውን ይፍለጥ።

Source: Yemane Gebremeskel