SKIP TO MAIN CONTENT

ካብ ቀዳሞት መስረቲ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኣብ መበል 83 ዓመቱ ዓሪፉ።

ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ብሕማም ከምዝዓረፈ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።

News
Source: Yemane Gebremeskel

1 min read

Published


Skip to article content

ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑርኣብ መበል 83 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተፈንጺሉ ህዝባዊ ሓይልታት ተባሂሉ ዝተመስረተ ካብ መራሕቲ እቲ ውድብ ክኸውን ክኢሉ።

 ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ላዕለዋይይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ፍትሒ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ'ውን ሚኒሰተር ፍትሒ ኮይኑ ከምዝሰርሐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ገሊጹ።

 ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ተመዚዚ። ኣብ 1994 ኣብ ናቅፋ ኣብ ዝተኻደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ናይ ፈለማ በዓል ስልጣን ከምዝኾነ’ውን ይፍለጥ።


News
Source: Yemane Gebremeskel

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now