ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበን ኩናት : ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓንሳብ ኮይኖም ከም ዝምርምሩዎ ኣፍሊጦም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰላማውያን ሰባት ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እናውረደ ብጥይት ከም ዝቐተለ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሓቢሩ።

News

Source: UN

 ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ብሓባር ክምርምሩ ዝወጠኑሉ ምኽንያቱ ኣብ ገበነኛታት ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድ ዝሕግዝ ጭቡጥ መረዳእታ ንምሓዝ ከም ዝኾነ ኣብሪሆም።

 

ኣብ ትግራይ መሰረቱ ዝገበረ ማሕበር ሲቪክ ሰብ ሕድሪ ብወገኑ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ምስቲ 'ኣካል ናይቲ ገበን እዩ' ዝበሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝግበር ምርመራ  ዝፈሸለን ንፍትሒ ረጊጹ ንገበነኛ ዝወገነ ውጽኢት ዝርከበሉ ታሪኻዊ ዝፍጸመሉ እዩ ክብል ተቓዊምዎ።

ብካልእ ዜና ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ሰላማውያን ሰባት ብዘስካሕክሕ መልክዕ ቀቲሎም ኢሉ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ነጺጉዎ።

ሚንስትር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ገጽ ትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ገበን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብዚ ቅንያት ምስ ዝቕጽሉ ዘለዉ ጠቐነታት ብጊዜ ተሳንዩ ከም ዝወጸ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ንክልተ መዓልታት ንዝቕጽል ምብጻሕ ኣስመራ ኣትዩ።

ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ሚንስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ገጽ ትዊተሩ ሓቢሩ።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሰላማውያን ሰባት ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እናውረደ ብጥይት ከም ዝቐተለ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሓቢሩ።

እቲ መቕተልቲ ቁሩብ ከይጸንሐ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ትካል እውን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።

ሓላፊ ሃንደበታዊ ሕክምና ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ካርልይ  ክሊይጀር ከም መኪንኦም ንጹር ምልክት እናሃለዎ ኣብ ውሽጡ ዝነበሩ ኣባላት ክወርዱ ከም ዝተገብረ: ደድሕሪኦም ዝመጻ ዝነበራ ክልተ ናይ ማእኸለዎት መካይን ዝተሳፈሩለን ደቂተባዕትዮ መናእሰይ ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣውሪዶም ከም ዝረሺኑዎም ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ኮንቨይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጠቒዑ መካይን ክነድዳ ብዓይኖም ከም ዝተዓዘቡ ገሊጾም።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ክልል ሶማል ድምጺ ክወሃበለን ዝሓረየን ናቑጣታት እንተሰሪዙ ኣብ መረጻ ከም ዘይሳተፍ መንግስቲ ክልል ሶማል ኣጠንቂቑ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ  ክልላት ሶማልን ዓፋርን ዝዋጠጡለን ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ክልል ሶማል ድምጺ መረጻ ክድመጸለን ብምውሳኑ ዝተቖጥዑ ተወለድቲ ዓፋር መገዲ ኣዲስ ኣበባ ጁቡቲ ዓጽዮም ከም ዝነበረ ይዝከር። ብድሕሪ እዚ እቲ ቦርድ መረጻ ኣብተን ከባቢታት ከካይዶ ዝሓሰቦ መረጻ ጠጠው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ክልል ሶማል ብወገኑ እተን ከባቢታት ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መረጻታት ከም ዝተኣናገዱለን ብምዝኽኻር ሕጂ መረጻ ዘይካደለን እንተኾይኑ: ኣብቲ ድሕሪ ኣዋርሕ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ መረጻ ዘይክሳተፍ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበን ኩናት : ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓንሳብ ኮይኖም ከም ዝምርምሩዎ ኣፍሊጦም። | SBS Tigrinya