ሩስያ ከምቲ ትጽቢት እተገብረላ ፡ ነቲ "እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን" ዘውረደቶ ዕንደራ ዝኹንን ውሳነ "ሓያል"ን ካብ ዩክሬን ሰራዊታ ብህጹጽ ከተውጽእ ዝቐረበ ናይ ውሳነ እማመ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዘለዋ ናይ ቀውፊ ስልጣን ድምጺ ዉዱቕ ጌራቶ ።
ዓሰርተ ሓደ ካብ 15 ኣባላት እቲ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እማመ ድምጾም ሃቡ ፡ እቲ እማመ፥ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣልባንያን ዝተጻሕፈ እዩ ። ቻይና: ሕንዲ: ሕቡራት ኢማረት ዓረብ ድምጸ ታቅቦ ሂበናሉ ።
ሞስኮ ቀዋሚት ኣባል እቲ ባይቶ ስለ ዝዀነት ፡ ዝቐርብ ውሳነ ኵሉ ሳዕ እዩ ዝፈሽል ።
ይኹን እምበር ፡ እቲ ክትዕ ፡ ኣባላት ሃገራት ነቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ክፍኑ ዝገበሮ ውሳነ ክዅንንኦ ኣጋጣሚ ኸፈተለን ።