SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ልዕሊ ዩክሬን "ወረራ" ከምተፈጸመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ዝቐረበ እማመ፡ ራሻ ብዘለዋ ናይ ቀውፊ ስልጣን ዉዱቕ ጌራቶ።

Russia Ukrain
美國對俄羅斯展開制裁後, 市場不跌反升。 Source: AP / Natacha Pisarenko/AP

1 min read

Published


Skip to article content

ሩስያ ከምቲ ትጽቢት እተገብረላ ፡ ነቲ "እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን" ዘውረደቶ ዕንደራ ዝኹንን ውሳነ "ሓያል"ን ካብ ዩክሬን ሰራዊታ ብህጹጽ ከተውጽእ ዝቐረበ ናይ ውሳነ እማመ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ብዘለዋ ናይ ቀውፊ ስልጣን ድምጺ ዉዱቕ ጌራቶ ።

ዓሰርተ ሓደ ካብ 15 ኣባላት እቲ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እማመ ድምጾም ሃቡ ፡ እቲ እማመ፥ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣልባንያን ዝተጻሕፈ እዩ ። ቻይና: ሕንዲ: ሕቡራት ኢማረት ዓረብ ድምጸ ታቅቦ ሂበናሉ ።

ሞስኮ ቀዋሚት ኣባል እቲ ባይቶ ስለ ዝዀነት ፡ ዝቐርብ ውሳነ ኵሉ ሳዕ እዩ ዝፈሽል ።

ይኹን እምበር ፡ እቲ ክትዕ ፡ ኣባላት ሃገራት ነቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ጐረቤት ሩስያ ምሉእ ብምሉእ መጥቃዕቲ ክፍኑ ዝገበሮ ውሳነ ክዅንንኦ ኣጋጣሚ ኸፈተለን ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now