SKIP TO MAIN CONTENT

ሩስያ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ግምቢ ተለቪዥን ኣጥቂዓ፡ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም። ቦታ መዘክር ብናዚ እተፈጸመ ቅትለት ሆሎካስት ምዕናዉ'ውን ዩክረይን ገሊጻ።

ብመሰረት ሲቪላዊ ምክልኻል ዩክረይን ፡ ግምቢ ቲቪ ኪየቭ ብሚሳይል ተወቒዑ ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ቈሲሎም እዮም ።

Ukrain-Russia conflict
A blast is seen in the TV tower, amid Russia's invasion of Ukraine, in Kiev, Ukraine, 1 March, 2022. Source: Reuters / REUTERS/Carlos Barria

3 min read

Published


Skip to article content

ሩስያ ናብ ቀንዲ ናይ ተለቪዥን ግምቢ ኪየቭ ዝዓለመ ደብዳብ ነፋሪት ኣካይዳ። ኣብቲ ብሰሉስ ዝተገብረ ደብዳብ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገለ ፈነወታት ተተንኪፎም፡ እንተዀነ ግን እቲ ፈነወ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተተንከፈ ገሊጾም ።

ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ብርቱዕ ድምጺ ምስ ተሰምዐን ኣብ ኣውራጃ ባቢ ያር ትኪ ክወጽእ ምስ ተራእየን: ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት እውን ከም ዝቘሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ኵነታት ሓቢሩ ።

ሰብ መዚ ዩክረይን ፡ በቲ መጥቃዕቲ እተጐድአ ሬሳታትን ስእልታት ዘርጊሖም። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ዩክረይን ካልአይቲ ከተማ ካርኪቭ ፡ሩስያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ እዩ ።

"ናብ ዓለም ክብሎ ዝደሊ፦ "ኣብ ሓደ ቦታ ባቢ ያር ቦምባታት እንድሕር እናዘነበ ስቕ ብምባል ን80 ዓመት 'ድሕሪ ደጊም ከቶ" ምባል እንታይ ትርጕም ኣለዎ ?" " ክብል መራሒ ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሓተተ ።

"ሕጂ እውን እንተ ኰነ ፡ እዞም ባርባራውያን ነቶም ግዳያት ሆሎካስት ደጊሞም ይቐትልዎም ኣለዉ!"

እቲ ግምቢ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 30,000 ሰባት ብናዚ ዝሃለቕሉ ባቢ ያርቫን ዝበሃል ስንጭሮ እዩ ዝርከብ ።

እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብሓወልትታት ዝኽሪ ዝዝከር ኰይኑ: ንብዙሓት ኣይሁድ እውን ኣብቲ ቦታ እናኸዱ ዝነግድሉ ዝነበረ እዩ ነይሩ ።

ሰብ መዚ ዩክረይን ፡ ሞስኮ ነቲ መዘከርታ ንምዕናው ይሰርሑ ኣለዉኢሎም ይኸሱ ።

ከንቲባ ኪየቭ ቪታሊ ክላትሽኮ ከምዝገለጾ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ናይቲ ግምቢ ትራንስፎርመር ክፋል ከምዘዕነዎን፡ እቲ ክፍሊ ኤለክትሪክ ዘቕርብን ካልእ መሳርሒታት ዝርከቦን ምዃኑ ገሊጹ ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፡ ንመደባት ናብ ንቡር ንምምላስ ፡ እቲ ናይ ድሕሪት ምትዕርራይ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ እዩ ።

መብዛሕትኦም ናይ ዩክሬን ማዕከናት ዜና ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዳርጋ ሓደ ሰዓት ዝኸውን እዮም ስርሖም ቀጺሎም ።

እዚ ዝኾነ፡ ኣብታ ኣብ ዩክረይን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ፡ መጥቃዕቲ ሮኬት ተፈጺሙ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱን 35 ከም ዝቘሰሉን ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ኣንቶን ሄራሽቸንኮ ምስገለጸ እዩ ። ብሰኑይ እውን ኣብ ካርኪቭ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ቖሲሎምን እዮም ።

ብሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ን30 ደቒቕ ብተሌፎን ዝተዛረበ ሚስተር ዘለንስኪ ፡ እቲ መዳፍዕ ኣብታ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ካርኪቭ እትበሃል ከተማ ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ግብረ-ሽበራ መንግስቲ" ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚስተር ባይደንን ሚስተር ዘለንስኪይን ኣብ ዝርርቦም ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝጥቀምሉ ከባቢታት መጥቃዕታ ኣጽዒቓ ከምዘላ ዘስመርሉ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካን፡ ዋሽንግተን ንኪየቭ እትህቦ ቊጠባውን ጸጥታውን ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ተዕብዮን ገሊጹ ።

ኣቐድም ኣቢላ ፡ ሩስያ ነቶም ኣብ ጥቓ ጸጥታዊ ትካላት ዝነብሩ ነባሮ ኪየቭ ፡ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ኣጠንቀቐቶም ኔራ ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሞስኮ "ገበን ኲናት" ከም ዝፈጸመት ብምኽሳስ ፡ "እዚ ኣብ ሩስያ ዘሎ ግብረ-ሽበራ መንግስቲ እዩ" በለ ።

ሩስያ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ጌራ ዝበሃል ክሲ ነጺጋቶ ኣላ ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now