ሩስያ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ግምቢ ተለቪዥን ኣጥቂዓ፡ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም። ቦታ መዘክር ብናዚ እተፈጸመ ቅትለት ሆሎካስት ምዕናዉ'ውን ዩክረይን ገሊጻ።

ብመሰረት ሲቪላዊ ምክልኻል ዩክረይን ፡ ግምቢ ቲቪ ኪየቭ ብሚሳይል ተወቒዑ ፡ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ቈሲሎም እዮም ።

Ukrain-Russia conflict

A blast is seen in the TV tower, amid Russia's invasion of Ukraine, in Kiev, Ukraine, 1 March, 2022. Source: Reuters / REUTERS/Carlos Barria

ሩስያ ናብ ቀንዲ ናይ ተለቪዥን ግምቢ ኪየቭ ዝዓለመ ደብዳብ ነፋሪት ኣካይዳ። ኣብቲ ብሰሉስ ዝተገብረ ደብዳብ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ገለ ፈነወታት ተተንኪፎም፡ እንተዀነ ግን እቲ ፈነወ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተተንከፈ ገሊጾም ።

ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ብርቱዕ ድምጺ ምስ ተሰምዐን ኣብ ኣውራጃ ባቢ ያር ትኪ ክወጽእ ምስ ተራእየን: ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት እውን ከም ዝቘሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ኵነታት ሓቢሩ ።

ሰብ መዚ ዩክረይን ፡ በቲ መጥቃዕቲ እተጐድአ ሬሳታትን ስእልታት ዘርጊሖም። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ዩክረይን ካልአይቲ ከተማ ካርኪቭ ፡ሩስያ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዋ እዩ ።

"ናብ ዓለም ክብሎ ዝደሊ፦ "ኣብ ሓደ ቦታ ባቢ ያር ቦምባታት እንድሕር እናዘነበ ስቕ ብምባል ን80 ዓመት 'ድሕሪ ደጊም ከቶ" ምባል እንታይ ትርጕም ኣለዎ ?" " ክብል መራሒ ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሓተተ ።

"ሕጂ እውን እንተ ኰነ ፡ እዞም ባርባራውያን ነቶም ግዳያት ሆሎካስት ደጊሞም ይቐትልዎም ኣለዉ!"

እቲ ግምቢ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 30,000 ሰባት ብናዚ ዝሃለቕሉ ባቢ ያርቫን ዝበሃል ስንጭሮ እዩ ዝርከብ ።

እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብሓወልትታት ዝኽሪ ዝዝከር ኰይኑ: ንብዙሓት ኣይሁድ እውን ኣብቲ ቦታ እናኸዱ ዝነግድሉ ዝነበረ እዩ ነይሩ ።

ሰብ መዚ ዩክረይን ፡ ሞስኮ ነቲ መዘከርታ ንምዕናው ይሰርሑ ኣለዉኢሎም ይኸሱ ።

ከንቲባ ኪየቭ ቪታሊ ክላትሽኮ ከምዝገለጾ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ናይቲ ግምቢ ትራንስፎርመር ክፋል ከምዘዕነዎን፡ እቲ ክፍሊ ኤለክትሪክ ዘቕርብን ካልእ መሳርሒታት ዝርከቦን ምዃኑ ገሊጹ ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፡ ንመደባት ናብ ንቡር ንምምላስ ፡ እቲ ናይ ድሕሪት ምትዕርራይ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ እዩ ።

መብዛሕትኦም ናይ ዩክሬን ማዕከናት ዜና ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዳርጋ ሓደ ሰዓት ዝኸውን እዮም ስርሖም ቀጺሎም ።

እዚ ዝኾነ፡ ኣብታ ኣብ ዩክረይን ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ካርኪቭ ፡ መጥቃዕቲ ሮኬት ተፈጺሙ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝሞቱን 35 ከም ዝቘሰሉን ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ኣንቶን ሄራሽቸንኮ ምስገለጸ እዩ ። ብሰኑይ እውን ኣብ ካርኪቭ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ቖሲሎምን እዮም ።

ብሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ን30 ደቒቕ ብተሌፎን ዝተዛረበ ሚስተር ዘለንስኪ ፡ እቲ መዳፍዕ ኣብታ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ካርኪቭ እትበሃል ከተማ ኮይኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ግብረ-ሽበራ መንግስቲ" ከም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚስተር ባይደንን ሚስተር ዘለንስኪይን ኣብ ዝርርቦም ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝጥቀምሉ ከባቢታት መጥቃዕታ ኣጽዒቓ ከምዘላ ዘስመርሉ ኮይኖም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካን፡ ዋሽንግተን ንኪየቭ እትህቦ ቊጠባውን ጸጥታውን ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ተዕብዮን ገሊጹ ።

ኣቐድም ኣቢላ ፡ ሩስያ ነቶም ኣብ ጥቓ ጸጥታዊ ትካላት ዝነብሩ ነባሮ ኪየቭ ፡ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ኣጠንቀቐቶም ኔራ ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሞስኮ "ገበን ኲናት" ከም ዝፈጸመት ብምኽሳስ ፡ "እዚ ኣብ ሩስያ ዘሎ ግብረ-ሽበራ መንግስቲ እዩ" በለ ።

ሩስያ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ጌራ ዝበሃል ክሲ ነጺጋቶ ኣላ ።


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሩስያ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ግምቢ ተለቪዥን ኣጥቂዓ፡ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም። ቦታ መዘክር ብናዚ እተፈጸመ ቅትለት ሆሎካስት ምዕናዉ'ውን ዩክረይን ገሊጻ። | SBS Tigrinya