ሰራዊት ሩሲያ ካብቲ ምብራቓዊ ጽኑዕ ዕርዲ ክሃድሙ ጀሚሮም፡ እዚ ዝኾነ ሞስኮ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ናብ ግዝኣታ ድሕሪ ምሕዋሳ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ዞባታት ዩክረይን ብቭላድሚር ፑቲን ናብ ሩሲያ ዝተሓወሰት ልይማን ፡ ቅድሚ ሰራዊት ሩስያ ምንስሓቦም ፡ ሓይልታት ሩስያ ከም ማእከል ሎጂስቲክን መጓዓዝያን ይጥቀሙላ ነበሩ ።

A ukrainian soldier drives a tank

Ukrainian troops have driven Russian forces out of Lyman in the Donetsk region. Source: AP / Inna Varenytsia

Key Points
  • ሩስያ ፡ ሰራዊታ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቀንዲ ዕርዱ ሓዲግዎ ከም ዝኸደ ትገልጽ
  • ቭላድሚር ፑቲን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምስ ተቘጻጸረን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ እቲ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢሙ ።
ሩስያ ፡ ወተሃደራታ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ቀንዲ ግዝኣት ከም ዝሓደግዎ እያ እትገልጽ ፣ በዚ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሩስያ ነቲ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣለዋ ኢሉ ።
ሊማን ብሓይልታት ዩክሬን ኣብ ቁጽጽር ዝወዓለት ሓደ መዓልቲ ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ሊማን ዝርከበሉ ዶነትስክ ሓዊስካ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ኣካል ሩሲያ ምዃነነን ድሕሪ ምእዋጁ እዩ። ብተወሳኺ ነዘን ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኑክልየሳዊ ጽላላት ሩስያ ከም ዚኣትዋ ገይሩ እዩ ፣ እዚ ውሳነ ብ ኪየቭን ሃገራት ምዕራብን "ዘይሕጋዊ " ገይሮም ተኾኒኑ እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብቐዳም ፡ "ብዙኅ ሰራዊት ኣብ ከበባ ከይኣቱ ዘስግእ ኵነታት ምስ ተፈጥረ ፡ ኵሎም ሰራዊት ካብ ሰፈር ክራስኒ ልማን ናብ ዝያዳ ረብሓ ዘለዎ መስመር ተሰሓቡ" በለ ።
ዩክረይን ኣብቲ ከባቢ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝኸበበትን ሰራዊታ ኣብ ውሽጢ ከተማ ልማን ከም ዘለዉን ድሕሪ ምግላጻ ፡ እቲ መግለጺ ካብ ሞስኮ ዝወጸ ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ስቕታ እዩ ነይሩ ።
መራሒ ናይ ደቡባዊ ዞባ ቸቺንያ ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም እግሪ ሚስተር ፑቲን ገይሩ ዝገልጽ ራምዛን ካዲሮቭ ፡ እቲ ግዝኣት ድሕሪ ካብ ኢዶም ምውጻኡ ፡ ክዛረብ ከም ዘለዎ ኰይኑ ከም እተሰምዖ ገሊጹ ኣሎ ።
ሚስተር ካዲሮቭ ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፡ "ከም ዝመስለኒ ፡ ኣብ ዶባት ወተሃደራዊ ሕጊ ክሳዕ ምእዋጅን እቲ ትሑት ፍረ ዘለዎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ክውሰድ ዘለዎ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ዝርከቦም ካልኦት ላዕለዎት መሻርኽቲ ፑቲን ፡ ሩስያ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ከም ዘለዋ ሓሳብ እኳ እንተ ኣቕረቡ ፡ ሚስተር ካዲሮቭ ዘቕረቦ ጻውዒት ግና ኣዝዩ ህጹጽን ግልጽን እዩ ነይሩ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ሩስያ ዘለዋ "ግዝኣታዊ ሓድነት" ብእተኻእሎ መጠን ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ፡ ዘለዋ ዓቕሚ ከምትጥቀም'ውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ ፣ ዓርቢ ድማ ነቲ ሞስኮ ግዝኣታ ክከውን ወሲናቶ ዘላ ሓድሽ ዞባታት ከምዘስፍሖ ንጹር ገይርዎ እዩ ።
ዋሽንግተን ንዝዀነ ይኹን ምጥቃም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ወሳኒ ምላሽ ከም እትህበሉ ፡ ነቲ ዘጋጥማ "ኣዕናዊ ጥፍኣት" ሞስኮ ከም እትስከም ገሊጻ ኣላ ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ፡ ሰራዊቱ ኣብ ልማን ተኸቢቦም ከምዝነበሮ ከይገለጸ ከምዝሰሓቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ምብራቓዊ ሓይልታት ዩክረይን ዝዀነ ሰርሒ ክሬቫቲ ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፡ "ኣብ ከባቢ ልማን ዝርከብ ጕጅለ ሰራዊት ሩስያ ተኸቢቡ ኣሎ ።" ኢሉ ኔሩ።

ኣብ ሩስያ ካብ 5,000 ክሳዕ 5,500 ሰራዊት ኣብ ልማን ተኸቢቦም ከም ዘለዉ ፡ እንተዀነ ግን ብሰንኪ እቶም ግዳያት እቲ ውግእ እቲ ቝጽሪ እቲ ዝሰፈረ ሰራዊት ክንኪ ከም ዝኽእል ገለጸ ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቀትሪ ፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ከም ዝነበረት ኣረጋጊጹ ኔሩ ።

"ድሮ ኣብ ልማን ኢና ዘለና ፣ ውግእ ግና ኣሎ" ድማ በለ ።
ወተሃደራት ዩክረይን ነታ ብጫን ሰማያውን ሕብሪ ዘለዋ ባንዴራ ሒዞም ናብቲ ኣብ ሰሜን ዞባ ዶነትስክ ዝርከብ ኣፍ ደገ እታ ከተማ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝገልጽ ምልክት ዘርኢ ፣ ብሓለቓ ስታፍ እቲ ፕረዚደንት እተዘርገሐት ቪድዮ ተዘርጊሑ እዩ ።
"ሰንደቕ ዕላማ መንግስትና ኣብ መሬትና ኢና እነምበልብላ ። ልይማን ዩክረይን ክትከውን እያ "ክብል ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኣብ ሓንቲ ወተሃደራዊት ማኪና ደው ኢሉ ክገልጽ ተራእዩ ።
እቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ወገን ብዘለዉ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ ።
ሚስተር ካዳይሮቭ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ፡ ነቲ ንልይማን ዝቈጻጸር ዝነበረ ሓለቓ ሽሕ ዝነበረ ኮሎኔል-ጀነራል ኣለክሳንደር ላፒን ፡ "ዘይብቑዕ" ከም ዝዀነ ገይሩ ኣጥቅዖ ።
ሩስያ ንሊይማን ከም ናይኣብ ሰሜን ዞባ ዶነትስክ ማእከል ሎጂስቲክን መጓዓዝያን ገይራ እያ ትጥቀመሉ ጸኒሓ ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርኪቭ ኣብ ዝርከብ ዞባ በርቃዊ መጥቃዕቲ ካብትገብር ንነጀው ፡ ን ሊይማን ምቁጽጻር ን ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ዓወት እዩ ።
ሰራዊት ዩክረይን ከምዝገልጾ ናይዚ ምትሓዙ ፡ ኪየቭ ናብ ዞባ ሉሃንስክ ክትግስግስ ከም ዘኽእላ እዩ ዝገልጽ ዘሎ ።

"ልይማን ኣገዳሲ እዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ስጉምቲ ናብ ሓርነት ዩክረይን ዶንባስ እዩ ከምርሕ" ይብል ሚስተር ቸረቫቲ ።
"እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።"
ሚስተር ፑቲን ንዶንባስ ዞባታት ዶነትስክን ሉሃንስክን ንደቡባዊ ዞባታት ከርሶንን ዛፖሪዝህያን ፡ ኣብቲ ዓርቢ እተገብረ ጽምብል ፡ መሬት ሩስያ ከም ዝዀነ ኣወጀ ፣ እዚ ክሊ እዚ ፡ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝርከብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት 18 ሚእታዊት እዩ።
ዩክረይንን ምዕራባውያን ደገፍታን ፡ ሩስያ እትገብሮ ዝነበረት ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ። ኪየቭ ነታ ሃገር ካብ ሓይልታት ሩስያ ሓራ ምግባር ክትቅጽል ብምብጻዕ ፣ ፑቲን ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሞስኮ ዝርርብ ሰላም ከም ዘይትገብር ገሊጻ ኣላ ።

Share

Published

Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service