ሰራዊት ሩሲያ ካብቲ ምብራቓዊ ጽኑዕ ዕርዲ ክሃድሙ ጀሚሮም፡ እዚ ዝኾነ ሞስኮ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬን ናብ ግዝኣታ ድሕሪ ምሕዋሳ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ዞባታት ዩክረይን ብቭላድሚር ፑቲን ናብ ሩሲያ ዝተሓወሰት ልይማን ፡ ቅድሚ ሰራዊት ሩስያ ምንስሓቦም ፡ ሓይልታት ሩስያ ከም ማእከል ሎጂስቲክን መጓዓዝያን ይጥቀሙላ ነበሩ ።

A ukrainian soldier drives a tank

Ukrainian troops have driven Russian forces out of Lyman in the Donetsk region. Source: AP / Inna Varenytsia

Key Points

  • ሩስያ ፡ ሰራዊታ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቀንዲ ዕርዱ ሓዲግዎ ከም ዝኸደ ትገልጽ
  • ቭላድሚር ፑቲን ንኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምስ ተቘጻጸረን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ እቲ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢሙ ።

ሩስያ ፡ ወተሃደራታ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ተቖጻጺሮሞ ዝጸንሑ ቀንዲ ግዝኣት ከም ዝሓደግዎ እያ እትገልጽ ፣ በዚ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሩስያ ነቲ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀመሉ ኣብ ግምት ከተእትዎ ኣለዋ ኢሉ ።

ሊማን ብሓይልታት ዩክሬን ኣብ ቁጽጽር ዝወዓለት ሓደ መዓልቲ ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ሊማን ዝርከበሉ ዶነትስክ ሓዊስካ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ኣካል ሩሲያ ምዃነነን ድሕሪ ምእዋጁ እዩ። ብተወሳኺ ነዘን ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኑክልየሳዊ ጽላላት ሩስያ ከም ዚኣትዋ ገይሩ እዩ ፣ እዚ ውሳነ ብ ኪየቭን ሃገራት ምዕራብን "ዘይሕጋዊ " ገይሮም ተኾኒኑ እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብቐዳም ፡ "ብዙኅ ሰራዊት ኣብ ከበባ ከይኣቱ ዘስግእ ኵነታት ምስ ተፈጥረ ፡ ኵሎም ሰራዊት ካብ ሰፈር ክራስኒ ልማን ናብ ዝያዳ ረብሓ ዘለዎ መስመር ተሰሓቡ" በለ ።

ዩክረይን ኣብቲ ከባቢ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ከም ዝኸበበትን ሰራዊታ ኣብ ውሽጢ ከተማ ልማን ከም ዘለዉን ድሕሪ ምግላጻ ፡ እቲ መግለጺ ካብ ሞስኮ ዝወጸ ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ስቕታ እዩ ነይሩ ።

መራሒ ናይ ደቡባዊ ዞባ ቸቺንያ ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም እግሪ ሚስተር ፑቲን ገይሩ ዝገልጽ ራምዛን ካዲሮቭ ፡ እቲ ግዝኣት ድሕሪ ካብ ኢዶም ምውጻኡ ፡ ክዛረብ ከም ዘለዎ ኰይኑ ከም እተሰምዖ ገሊጹ ኣሎ ።

ሚስተር ካዲሮቭ ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፡ "ከም ዝመስለኒ ፡ ኣብ ዶባት ወተሃደራዊ ሕጊ ክሳዕ ምእዋጅን እቲ ትሑት ፍረ ዘለዎ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ ክውሰድ ዘለዎ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ዝርከቦም ካልኦት ላዕለዎት መሻርኽቲ ፑቲን ፡ ሩስያ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ከም ዘለዋ ሓሳብ እኳ እንተ ኣቕረቡ ፡ ሚስተር ካዲሮቭ ዘቕረቦ ጻውዒት ግና ኣዝዩ ህጹጽን ግልጽን እዩ ነይሩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ሚስተር ፑቲን ነቲ ሩስያ ዘለዋ "ግዝኣታዊ ሓድነት" ብእተኻእሎ መጠን ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ፡ ዘለዋ ዓቕሚ ከምትጥቀም'ውን ተዛሪቡ ነይሩ እዩ ፣ ዓርቢ ድማ ነቲ ሞስኮ ግዝኣታ ክከውን ወሲናቶ ዘላ ሓድሽ ዞባታት ከምዘስፍሖ ንጹር ገይርዎ እዩ ።

ዋሽንግተን ንዝዀነ ይኹን ምጥቃም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ወሳኒ ምላሽ ከም እትህበሉ ፡ ነቲ ዘጋጥማ "ኣዕናዊ ጥፍኣት" ሞስኮ ከም እትስከም ገሊጻ ኣላ ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ፡ ሰራዊቱ ኣብ ልማን ተኸቢቦም ከምዝነበሮ ከይገለጸ ከምዝሰሓቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ምብራቓዊ ሓይልታት ዩክረይን ዝዀነ ሰርሒ ክሬቫቲ ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፡ "ኣብ ከባቢ ልማን ዝርከብ ጕጅለ ሰራዊት ሩስያ ተኸቢቡ ኣሎ ።" ኢሉ ኔሩ።

ኣብ ሩስያ ካብ 5,000 ክሳዕ 5,500 ሰራዊት ኣብ ልማን ተኸቢቦም ከም ዘለዉ ፡ እንተዀነ ግን ብሰንኪ እቶም ግዳያት እቲ ውግእ እቲ ቝጽሪ እቲ ዝሰፈረ ሰራዊት ክንኪ ከም ዝኽእል ገለጸ ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቀትሪ ፡ ዩክረይን ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ከም ዝነበረት ኣረጋጊጹ ኔሩ ።

"ድሮ ኣብ ልማን ኢና ዘለና ፣ ውግእ ግና ኣሎ" ድማ በለ ።

ወተሃደራት ዩክረይን ነታ ብጫን ሰማያውን ሕብሪ ዘለዋ ባንዴራ ሒዞም ናብቲ ኣብ ሰሜን ዞባ ዶነትስክ ዝርከብ ኣፍ ደገ እታ ከተማ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝገልጽ ምልክት ዘርኢ ፣ ብሓለቓ ስታፍ እቲ ፕረዚደንት እተዘርገሐት ቪድዮ ተዘርጊሑ እዩ ።

"ሰንደቕ ዕላማ መንግስትና ኣብ መሬትና ኢና እነምበልብላ ። ልይማን ዩክረይን ክትከውን እያ "ክብል ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኣብ ሓንቲ ወተሃደራዊት ማኪና ደው ኢሉ ክገልጽ ተራእዩ ።

እቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ኩነታት ብኹሉ ወገን ብዘለዉ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ ።

ሚስተር ካዳይሮቭ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ፡ ነቲ ንልይማን ዝቈጻጸር ዝነበረ ሓለቓ ሽሕ ዝነበረ ኮሎኔል-ጀነራል ኣለክሳንደር ላፒን ፡ "ዘይብቑዕ" ከም ዝዀነ ገይሩ ኣጥቅዖ ።

ሩስያ ንሊይማን ከም ናይኣብ ሰሜን ዞባ ዶነትስክ ማእከል ሎጂስቲክን መጓዓዝያን ገይራ እያ ትጥቀመሉ ጸኒሓ ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ካርኪቭ ኣብ ዝርከብ ዞባ በርቃዊ መጥቃዕቲ ካብትገብር ንነጀው ፡ ን ሊይማን ምቁጽጻር ን ዩክረይን እቲ ዝዓበየ ዓወት እዩ ።

ሰራዊት ዩክረይን ከምዝገልጾ ናይዚ ምትሓዙ ፡ ኪየቭ ናብ ዞባ ሉሃንስክ ክትግስግስ ከም ዘኽእላ እዩ ዝገልጽ ዘሎ ።

"ልይማን ኣገዳሲ እዩ ፡ ምኽንያቱ እዚ ስጉምቲ ናብ ሓርነት ዩክረይን ዶንባስ እዩ ከምርሕ" ይብል ሚስተር ቸረቫቲ ።

"እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።"

ሚስተር ፑቲን ንዶንባስ ዞባታት ዶነትስክን ሉሃንስክን ንደቡባዊ ዞባታት ከርሶንን ዛፖሪዝህያን ፡ ኣብቲ ዓርቢ እተገብረ ጽምብል ፡ መሬት ሩስያ ከም ዝዀነ ኣወጀ ፣ እዚ ክሊ እዚ ፡ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝርከብ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት 18 ሚእታዊት እዩ።

ዩክረይንን ምዕራባውያን ደገፍታን ፡ ሩስያ እትገብሮ ዝነበረት ምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ። ኪየቭ ነታ ሃገር ካብ ሓይልታት ሩስያ ሓራ ምግባር ክትቅጽል ብምብጻዕ ፣ ፑቲን ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሞስኮ ዝርርብ ሰላም ከም ዘይትገብር ገሊጻ ኣላ ።


4 min read

Published

Source: AAP



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now